2015-02-10 16:33:20

ሓድሽ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ


RealAudioMP3 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 7 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኰሎኔል ክሪስቶፍ ግራፍ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ላዕለዋይ ኣዛዚ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም እንክዝከር፣ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ናይ ሓላፍነት ምርኽኻብ ስነ ስርዓት እቶም በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቍልዑ ወዲ 53 ዓመት ኰሎኔል ግራፍ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት። ኣብ 1987 ዓ.ም. ኣባል ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ንኽዀኑ ከምእተመዙን ድሓር እውን ዋና ኣዛዚ ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ክሳብ ዝተሾሙላ ዕለት ናይዚ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ሓለውቲ ጸጥታ ምኽትል ዋና ኣዛዚ ኰይኖም ክገልግሉ ከምዝጸንሑ እውን ገሊጾም፣ ቅድም ቀዳድም ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓላፍነት ብቑዕ ቢሎም ክሰምዩኒ ኣባይ ዘለዎም እማኔ እዩ ዝገልጽ፣ ምእንቲ’ዚ ብሓቂ ከመስግኖም እፈቱ፣ ናይዚ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣባልን ዋና ኣዛዚ ምዃኖም እውን ሓበን ምዃኑ ገሊጾም።
ነቶም ቅድሚኦም ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዋና ኣዛዚ ኰይኖም ነዘገልገሉን ዝተክእዎምን ድማ ኣመስጊኖም ነቶም ንሽድሽተ ዓመት ዋና ኣዛዚ ኰይኖም ነዘገልገሉ ዳኔል ኣንሪግ ኣመስጊኖም ብፍላይ ኣብ ምምልማልን ታዕሊምን ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድን ዘርኣይዎ ትግሃት ብሓቂ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዋና ኣዛዚ ዳኔል ኣንሪግ ክትክኡ ምዃኖም ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተፈነወ ምንጪ ዜና ኣደጊፎምን ር.ሊ.ፓ. ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ከሰናብቱ ድላይ ኣለዎም እንክብሉ ዝሃብዎ ትንተና መሰረት ዘይብሉ እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዘለዎም ተገዳስነት ባዕለይ እምስክር ቢሎም፣ ዋና ኣዛዚ ንኽዀኑ ድሕሪ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ብኣባላት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መዓስክር ብጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣባላት ድሙቕ ናይ ኣቀባላ ስነ ስርዓት ከምእተገበረሎም ሓቢሮም፣ እግዚኣብሔር ኣብዚ ጸዋዕታ ሓለዋ ጸጥታ ሓይሊ ክዀነና ስሌይን ስለ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሓደራ ጸልዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.