2015-02-07 16:23:49

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ክርስቲያን ናይቶም ንኢየሱስ ዝጸልኡ ኣደዳ ይኾኑ’ለዉ፥


RealAudioMP3 መስዋዕትነት ክርስቲያን ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ተዘክሮ ኣይኮነን፣ ሎሚ እውን ማእለያ ዘይብሎም ክርስቲያን ናይቶም ንኢየሱስ ዝጸልኡ አደዳ ከምዝኾኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 6 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ብምቕጻል ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 14 ክሳብ ፍቕዲ 29 ዘሎ ንባብ ተወኪሶም፣ ኣብ ናይ ዮሓንስ መጥምቕ ሕይወትን መስዋዕትነትን ኣማእኪሎም ናይቲ ዓቢየ ዓበይት ዮሓንስ መስዋዕትነት ሎሚ እውን ኣብ ብዙሓት ሕይወት በቶም ጸላእቲ እግዚኣብሔር ኢድ ናብ ማሓርዶ ቤት ይኹብኮቡን ናብ ዝኸረረ ስቓይን መከራን ይዳጐኑን ኣለዉ እንክብሉ እቲ ወንጌላዊ ማርቆስ ዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ሰማዕትነት ዝጸሓፎ ታሪኽ እናጠቐሱ፣ ዮሓንስ ጸዋዕታኡ ፈጺሙ ዘይከሓደን ቃል ኣምላኽ ዘይጠለመን ዘየዕበረን ናይቲ ምጽኣት መሲሕ ቀረቡ ዝብል ብስራት ኣብሳርነቱ ጸዋዕታኡ ኣስተውዕሎ ግቡእ ሓላፍነቱ ዝነበሮን እዩ። ኣብ ምድረ በዳ ዘእውይ ድምጺ ጥራሕ ምዃኑ ዘስተዓለ እዩ፣ ድምጹ እዩ ስለምታይ እቲ ቃል ካልእ እዩ፣ ንሱ እቲ ቃል ኣይነበረን፣ በቲ ዝቕበሎ ሰማዕትነት ሕይወቱ ኣብ ጐይታ ይሓብር” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
“ዮሓንስ ናይቲ ብምግባረ ብልሽውና ብዝተጥቕዔ ኢግብረ ገባዊ ንጉስ ግዳይ እዩ” ብውሳኔ ሄሮዶስ ኣንቲፓ ንቤት ማእሰርቲ ምስ ተዳርገ፣ ዮሓንስ ካብ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ዝተወልደ ክነሱ ትሑትን ንኡስን ከይኑ፣ ናይቲ ዝመጽእ ኢየሱስ መንገዲ ዘሰናድው፣ ብሓቂ ንሱ ድዩ ክሳብ ምባል ሕቶ ፈተና ቐዝሒ መንፈስ ዝሓለፈን፣ ንኢየሱስ ዘለለየን መገዲ መሲሕ ዘቕንዔን፣ በቲ ኢግብረ ገባዊ ንጉስ ውሳኔ ድማ ፍጻሜ ሕይወቱ ሰማዕትነት ዝዀነ፦ “ድሕሪ ኩሉ ላዕልን ታሕትን ፈተናን ትሕት ብምባልን ገዛእ ርእሱ ብምዋርድ ንናይ ኢየሱስ ትሕት ምባልን ምውራድን መገዲ የቕንዕ፣ በዚ ኣቢሉ ድማ ምድራዊ ሕይወቱ ሰማዕትነት ብምቕባል ይዛዝም፣ እቲ ንጉስ ንዮሓንስ ክቕተል ዝደለየ ልቡ ስለ ዝተለወጠ ዘይኰነስ እቲ ዝሰትዮ ዝነበረ ወይኒ ብዘሕደረሉ መንፈስ ስኽራን እዩ (ብርታዔ ስኽራን)። ብኢድ እቲ ሓዲግን ላንጋ ላንጋ ዝዀነ ንጉስ ብመስተ ርእሱን መንፈሱን ዝሰሓተ ኢግብረ ገባውነት ዝተመልአ ብናይ ሓንቲ ተተልሃይት ሕንቓቔን ንናይ ሓንቲ ኣመንዝራ ጽልእ ዘስዕቦ ድላይ ሕነ ፍዳ ብዝተንበረኽኸ በትረ ስልጣን ኣቢሉ ናይቲ ዓቢይ ካብ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ዝተወልደ ዮሓንስ ንሞት ይዳረግ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።
“ሎሚ ብዙሓት ክርስቲያን እውን ናይ ጽልኢ ኣደዳ ኰይኖም ይርከቡ፣ እዚ ናይ ሎሚ ምንባበ ወንጌል ከንብብ እንከለኹ ኩሉ ሳዕ መንፈሰይ ይማረኽን ልበይ ይትንከፍን፣ ቅድም ቀዳድም ነቶም ናይ እዋንና ሰማዕታት የዘኻኽረኒ፣ እቶም ስደትን መከራን ዝወርዶምን ናይ ጽልኢ ኣደዳ ዝዀኑን ካብ ሃገሮም ቤቶም ዝኹብከቡን ዝስጎጉን ዝግረፉን ዝቕተሉ ንኡሳንን ዓበይትን የዘኻኽረኒ፣ ሰማዕትነት ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ዛንታ ኣይኰነን፣ ሎሚ ኣውን ዘጋጥምን ዝረአን ዘሎ ኩነት እዩ። ሰማዕታትና ሕይወቶም ኣብ ኢድ እቲ ብምግባረ ብልሽውናን ኢግብረ ገባዊ ሕይወት ዝተኣልከ ንኢየሱስ ዝጸልእ ስልጣን ትሕቲ ይወድቕ፣ እቲ ኣብ 1600 ዝተፈጸመ ሰማዕትነት ፓውሎ ሚኪ ንዘክር ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ተዘክሮ እዩ፣ ሎሚ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝድገም ዘሎ ታሪክ ሰማዕታት ድማ እዩ” ኢሎም።
“ዝተዓደገ ሕይወት ዘለዎ ሓደ’ኳ የሎን፦ እቲ ዓቢየ ዓበይት ዮሓንስ ገዛእ ርእሱ ትሕት እንከብል ክሳብ ገዛእ ርእሱ ምሕሳር ክበጽሕ ዝነብሮ ሕይወት ብዙሕ ንገር ክሓስብ ይድርኸኒ፣ ኣብ ምድራዊ ሕይወትና ንቕድሚት ንበል፣ ኣብዚ ኣብ ጎዳና ሕስራን ህላዌ ኣብ ዝተመልኦ ዓለም እቲ ህላዌና ምሕሳር ነቲ ናይ ክርቶስ ገዛእ ርእሱ ምሕሳርን ትሕት ምባልን ክምስል ድማ እጽልይ። እንተዘይኰይኑ ብሓቂ ዘሰንብድ ኣብ ምድሪ ዝዛዘም ሕይወት ምንባር ጥራሕ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.