2015-02-07 20:50:35

3 ሰንበት ዘአስተርእዮ 2007 ዓ.ም. 1 የካቲት 2007 ዓ.ም. (2/8/2015)


መዝሙር፡ ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ. . . . . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 7፡29-31፥ 1ጴጥ 1፡13-22፥ ግ.ሓ. 19፡1-10፥ ማር 1፡14-20
ምስባክ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር በሓውርተ አሕዛብ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ክብረ ወስብሓተ፥ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ስብሓተ ለስሙ። መዝ 29፡1-2።
መዝሙር ኢየሱስ ብዓቢ ክብሪ ካብ ድንግል አብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ተወሊዱ፥ተወሊዱ ተጠሚቑ ብልደቱ ምእንቲ ክንሕጎስ ብግልጸቱ ደስ ክብለና ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ።
አብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ መጸዋዕታ አምላኽ ንኽልተ አርድእቲ ርኢና ከምኡ አምላኽ ነነፍስወከፍና ይጽውዓና ክንብል ከሎና እንታይ ከምዝኾነ ርኢና። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከአ ናይ እቶም ዝጸውዖም አርድእቲ መልስን ንሕና ክንምልሶ ዝግብአናን ክንርኢ ኢና።
ናይ ሎሚ ወንጌል ክልተ ክፍሊ አለዎ ፩ያ መጸዋዕታን ግድላቱን፥ ፪ይ መልሲ ነቲ መጸዋዕታ። እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ምስተጠምቀ ብመንፈስ አምላኽ ተመሊኡ ብኡብኡ ተልእኮኡ ጀሚሩ። ዮሓንስ መጥምቕ አብቲ እዋን ተአሲሩ ነሩ ብቋንቋ ግሪኽ “ተአሲሩ ዝብል” “አሕሊፎም ሃብዎ” እዩ ዝብል። እዚ ምስቲ ንኢየሱስ አሕሊፎም ዝሃብዎ ከምኡ ነቶም ተኸተልቱ አሕሊፎም ናይ ዝህብዎም ዘመልክት እዩ። አብ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና “በታ አሕሊፎም ዝሃብዎ ለይቲ” እናበልና ንዝክሮ። “እዚ ሥጋይ ምእንታኻትኩም ዝህዋብ” ዝብል ንደግም።
መንግስቲ አምላኽ ቀሪባ እያ፡
ኢየሱስ ትምህርቱን ተልእኮኡን አብ ገሊላ እዩ ጀሚርዎ። ነቲ ዘሕጉስ ሰናይ ዜና ክሰብኽ ጀሚሩ። ስብከቱ ሕጽር ብዝበል “ግዚኡ በጺሑ እዩ” “መንግስቲ አምላኽ ቀሪባ እያ፥ ተነስሑን አብ ወንጌል ከአ እመኑ” ዝብል እዩ።
እቲ እዋን በጺሑ እዩ ማለት መስሕ እቲ መድኃኒ ንጉሥ መጺኡ እዩ። መንግስቲ አምላኽ መጺአ እያ። እዚ መንግስቲ አምላኽ ዝብሃል ዘሎ ቦታ አይኮነን ዘስምዕ አብ መንጎ ዘሎ ርክብ እዩ። እቶም ወገን እቲ መንግስቲ ዝብሃሉ እቶም ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንአና ዝተዋህበ ናይ ሕይወት ርድኢት ዝቕበሉን ሕይወቶም አብቲ ኢየሱስ ዝሃቦ ራእይ ሕይወት ዝምስርቱን እዮም። እንመን ምዃኖም ወይ አበይ ከምዘለዉ አይግድስን እዩ፥ ዝግድስ አብዚ እዋን ሕጂ ዘሎ ኩነታቶም እዩ ዝግድስ። እቲ መንግስቲ ዝብሃል ካብታ ቤት ክርስትያን ምልክት ናይ እቲ መንግስቲ ኮይና አብ መንጎና ከምዘሎ እተምልክት ካብአ ይገፍሕን ይዓብን።
ከመይ ኢልካ አባል እዚ መንግስቲ ይኽወን፡
አብቲ መንግስቱ ከመይ ኢልና ክንአቱ ንኽእል? “ተነስሑን ብወንጌል እመኑን” ይብለና። መጀመርያ ክንገብሮ ዘሎና ነቲ አብ ልብና ዘሎ፥ አብ አምላኽ ከይንቐርብ ከልኪሉና ዘሎ፥ ክንአሊ አሎና። ነዚ አብ ትንቢት ዮናስ ነብይ (3፡1-10) እንተ ረአና ክንርድኦ ንኽእል። አምላኽ መሓራይ አቦ እዩ፥ ንሱ ወላ እኳ ብግብርና ይቆጣዕ እምበር ካባና ዝደልዮ ካብቲ ዘሎናዮ ሕማቕ ሕይወት አብኡ ክንምለስ እዩ። ተጠራጣራይ ዮናስ ነብይ ብአምላኽ ንሰብ ንነዌ ክንስሑ ክምለሱ ክነግር ተላኢኹ። ሰብ ነነዌ መልእኽቲ አምላኽ ካብ ዮናስ ምስ ሰምዑ ቀልጢፎም አሚኖሞ ተነሲሖም አምላኽ ከአ ምሒርዎም። ከምቲ ዮናስ ዝሓስቦ ዘይኮነ “አብ አምላኽ አመኑን ካብ ክፍአቶም ተመልሱን” ይብል።
አምላኽ ሎሚ እውን እዚ ዓይነት ምሕረት ክገብር ከም ንዮናስ ዝለአኾ ንነፍሲ ወከፍና አብዛ እንነብራ ዓለም ክልእኽ ይደሊ አሎ። ንነፍስወከፍን ከምቲ ንዮናስ ዝበሎ “ተንስእ. . . . አነ ዝህበካ መልእኽቲ ስበኽ” ይብለና አሎ። ኩሉ ጊዜ ዝተፈላለየ አስተምህሮን ስብከትን ንሰምዕ ኢና እንሰምዖ ኸአ አብ ሕይወትናን አብ ዓለምናን ገለ ለውጢ ክንገብር እዩ እንተ ኾነ ዓለም ከም ቀደማ እቲ ክፍአትን ኃጢአትን እኳ ድአ እናገደደ ይከይድ አሎ፥ ግን ነቲ ዝዝረብ ንሰምዖ እንተ ንኸውን ዓለምና ክንደይ ምለወጠት። አብ ገለ እዋን ጽቡቕ ስብከት ሰሚዕና ንብል ኢና፥ ንካህናት አባቴ ጽቡቕ ትሰብኩ ንብል ኢና እዚ ግን ወይ እቲ ስብከት ድሓን ነሩ እዩ ወይ ከምቲ ክንሰምዖ እንደልዮ ተሰቢኹ ማለት እዩ። እዚ ሕማቕ ማለት አይኮነን እቲ ሕቶ እቲ ሰብከት አብ ሕይወተይ ገለ ለውጢ ወይ ተንኪፍኒዶ? አነ ጽቡቕ ሰቢኸ ክብል እንተ ኾይነ አብ ሕይወትኩም ለውጢ አምጺአ እንተ ኾንኩ እዩ አብ አምላኽ ከምትምለሱ እንተ ገበርኩ፥ አብ ሕይወትኩም ፍቕሪ ሓድነት ከፍሪ እንተ ኸአልኩ ጥራሕ እዩ።
ሰብ ነነዌ ዮናስ ሓጺር ስብከት ምስ ሰበኸሎም አብ አምላኽ አሚኖም፥ ብኃጢአቶም ተነሲሖም፥ ኩሉ ኺጸውም ድማ አወጁ ከም ዝተጣዕሱ ምእንቲ ኸርእዩ ኸአ ኻብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቱኦም ወጮ ተኸድኑ። ንሕና ነቲ ንልብና ከይንንሳሕ ዓጽይዎ ዘሎ እምኒ ምስአስ ኢና እነንኮራርዎ እሞ ንድላይን ቃል አምላኽን ከም ዝሰምዕ እንገብሮ። ነቲ ሰንበት ሰንበት ወይ እውን ባዕልና ብምሕሳብ ወይ ብምንባብ እንሰምዖ ቃል አምልኻ ብምስማዕ አብ ሕይወትና እንታይ ለውጢ ንገብር። ሎሚ እምብአር ተቐላጢፍና ነዚ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ንቀዳደም ንነሳሕ ምኽንያቱ ከምቲ ጳውሎስ ዝብለና “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ”። እቲ ዝበለጸ ንትምህርቲ ወንጌል ከም ዝተቐበልና “ብኃጢአትካ ምንሳሕ፥ ብወንጌል ምእማንን” ነዚ ኸአ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ምንባሩ እዩ።
“ተነስሑ” ዝብል ቃል ካብቲ አብ ዝሓለፈ ዝገበርካዮ ምጥዓስ ወይ ተጋግየ ምባል ንላዕሊ እዩ። ብግሪኽ “metanoia” ይብልዎ፥ አብ ሕይወትካ ቀዳምነት ሂብካ እተርእዮ ፍጹም ለውጢ ማለት ካብቲ ዝነበርካዮ ጨሪሽካ ምልዋጥ፥ አንፈትካ አብ አምላኽ ምቕያር እዩ ዘስምዕ። እዚ አብ ወንጌል ብምእማን እዩ ዝኸውን። ነቲ ኢየሱስ ዝመሃሮ ወይ ቤተ ክርስትያን እትምህሮ ከም ሓቂ ምቕባል ጥራሕ አይኮነን። አብኡ ምእማን ፍጹም ተወፋይነት፥ ንሕይወትካ ብምልኡ ብዘይ ቅድመ ኩነት አብ ቅድሚ ኢየሱስ ምሃብ እዩ። ምሉእ ሕይወትካ አብ አገልግሎት አምላኽን ሰብ ክተውዕል ኪዳን ምእታው እዩ (ከምቲ ሰባት አብ ቃል ኪዳን ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ ብዘየገድስ ዝአትውዎ ኪዳን)። ነዚ ክንገብር ምስ ከአልና ጥራሕ እዩ አምላኽ ክተዓረቐና ዝኽእል።
ንመጸዋዕታ መልሲ ምሃብ፡
ካልአይ ክፍሊ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ነቲ መጽዋዕታ ዝተዋህበ ምልሽ ይነግረና። አርባዕተ ገፈፍቲ ዓሣ ተጸዊዖም። “ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩምሲ ንዑ ስዓቡኒ” ተባሂሎም። ጴጥሮስን እንድርያስ ሓውን ነቲ መጸዋዕታ ምስ ሰምዑ ኩሉ ዘለዎም ሓዲጎም ደድሕሪ ኢየሱስ ሰዒቦም። ደቂ ዘበዴዎስ ዮሓንስን ያዕቆብን እውን ምስ ጸውዖም ነብኦም ምስ ዕሱባቱ አብ ጃልባ ኃዲጎም ሰዓብዎ።
እዞም ቀዳሞት ሰዓብቲ ኢየሱስ ምሉእ እምነት ገሮም ንኹሉ ዘለዎም ሓዲጎም ብምሉእ ክስዕብዎ ሕይወቶም አወፍዮም ከም ዝሰዓብዎ ንርኢ። አበይ ከምዝኸዱ ንምንታይ ከምእተጸውዑ ዝፈልጥዎ አይነበሮምን፥ መጻኢ ሕይወቶም ከመይ ከምዝኸውን ሓንቲ ሓሳብ አይነብሮምን። እዚ እዩ እቲ መለክዕ እምነቶም ሓደ ሰብ አብ ዕለታዊ መነባብርኦም ከለዉ ረኺቡ ስዓቡኒ ይብሎም ንሶም ከአ ኩሉ ሓዲጎም ብምልኡ መጻኢ ሕይወቶም አብኡ ገሮም ይስዕብዎ። ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾና መጻኢ ሕይወቶም ብዙሕ ሓጎስን ስቓይን ዝመልኦ እዩ ነሩ።
ብርግጽ ጸዋዕትኦም ገፈፍቲ ሰባት ክኾኑ እዩ። ብመምህሮም ዝተጀመረ ንሰባት አብ ሓዲስ ሕይወት ናይ ሓቂ፥ ፍቕሪ፥ ነጻነትን ርትዕን ዝመልኦ ክአትዉ ተጸዊዖም። ካብታ ንኹሉ ሓዲጎም ክስዕብዎ ዝጀመሩላ ዕለት ብዛዕባ ሕይወቶም ወይ ንኢየሱስ ብምስዓቦም ተጣዒሶም አይፈልጡን። አብ ሕይወቶም ዝተጓነፎም ተመክሮን ዝረአይዎ ግብሪ አምላኽን ነቲ ኹሉ ሕልምታቶም ልዕሊኡ ከም ዝርእዩ ገርዎም።
መልስናኸ እንታይ እዩ?
እቲ መጸዋዕታ ሎሚ እውን አምላኽ ይጽውዕ አሎ፥ ገፈፍቲ ሰባት አብ አምላኽ ክንከውን ይደልየና አሎ። ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን አብ ግራቱ ክንዓዪ ዓለምና ሰናይን ሰላምን ፍቕርን ክነግሳ ክንልአኾ ይሓትት አሎ። “ገፈፍቲ ሰብ ከገብረኩም ስዓቡኒ” ይብለና አሎ። መልሲ ክህብ ቅሩብ ዘሎኹ? ክስዕቦ ስንድው ዘሎኹ። አብ ሕይወተይ እንታይ አሎ ንመጸዋዕታ አምላኽ ከይምልስ ንነጻነተይ ከይጥቀም ዝዓግተኒ? አብ ግላዊ ርክባተይ እንታይ አሎ ነቲ ጉዕዞ ከይቅበል ዓጊቱኒ ዘሎ? ንግላዊ ስምዒተይ ወይ ጥቕመይ ኢለ ካብቲ አምላኽ ዝጽውዓኒ ዘትርፈኒ እንታይ አሎ? “ስዓበኒ” ዝብል ሕይወት ዝቕይር መጸዋዕታን ተልእኮን እዩ። መልስና አውንታዊ ክኸውን አለዎ ምኽንያቱ ንጥቕምና ንጥቕሚ አሕዋትናን ዓለምናን እዩ። ገፈፍቲ ሰብ ማለት አብ መንግስቲ አምላኽ አባል ምዃን፥ መሳርሕቲ አምላኽ ምዃን፥ ሰብ ብርኪ አብ ስራሕ ወንጌል ማለት እዩ። ገፈፍቲ ሰብ ዝብሃሉ እቶም ዝያዳ ጉዕዞ ነሕዋቶም ክሕግዙ ኢሎም ዝኸዱ፥ ነቲ ክርስቶስ ዝደልዮ “ተንስሑ አብ ወንጌል ከአ እመኑ” ዝብል ከብጽሑ ዝጎዩ እዮም። ከም ጳውሎስ ከም ዮናስ ከም ኩሎም ሰበኽቲ ወንጌል ግዚኡ ሓጺር እዩ እሞ ተነስሑ ተመለሱ እናበሉ ዝሰብኩ እዮም።
ቅ. ጳውሎስ አብዛ ሎሚ ዝተነበት ንሰብ ቆሮንጦስ አብ ምሉእ ነጻነትን ክነብሩ ከምኡ ካብ ዝኾነ ካብ አምላኽ ዝፈልዮም ነገር ክርሕቁ ይላበዎም። ካብቲ ዘሎና ግላዊ ይኹን ሓባራዊ ነገራት ኩሉ ጊዜ ዝነብር የለን ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ኩሉ ክሓልፍ እዩ። ሕይወት ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ዝነብር የለን ዝነብር እቲ መሰረታዊ ነገራት ሓቂ ፍቕሪ ነጻነትን ርትዕን ጥራሕ እዩ። አብ ቅድሚ አምላኽ ዝርአ እንታይ ከም ዘሎና ዘይኮነ ከመይ ከም ዘሎና እዩ።
አምላኽ ሎሚ ምስኡ ክንዓዪ ነዛ ጸልማት ጎልቢብዋ ዘሎ ዓለምና ብርሃን ክንውልዓላ ንሕይወት ብዙሓት ክንልውጥ እሞ አብ ቅኑዕ መገዲ ክምለሱ ክንሕግዞም ክልእከና ይሓተና አሎ። ምናልባት ከም ዮናስ ነብዪ ቅድሚ ምልአኽና ነቲ መልእኽቲ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርና ክነብጽሖ ክልተ ጊዜ ክንሰምዖ አሎና። ምናልባት አብ ሕይወትና ዝገጥመና ማዕበል ክንሓልፎ አሎና፥ ከም ጴጥሮስን ብጾቱን ክንሓድጎ ዘሎና መግፈፊ ዓሣታትና አሎና። ከምኡ ነቲ ዘሎና ናይ ክብሪ ቦታን ደረጃን፥ እቲ ፈቲናዮ ጥዒሙና ዘሎ፥ ብጾትና ኩሉ ሓዲግና ቀዳምነት ንአምላኽ ክንልአኽ ቅሩባት ክንከውን ንሕተት አሎና።
ብልብና እንተ ወፈርና ዘይንልውጠሉ ወላ ሓንቲ የለን ሓንትስ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ርኢናን ሰሚዕናን ንኽአል። ወደይ ጓለይ አብ ድሕነት አሕዋትኩም አብ ሰላም ዓድኹም አብ ኩሉ ተለአኹኒ ንዝብል ዘሎ አምላኽ ሎሚ ከም ሳሙኤል ነብይ “ባርያኻ ይሰምዓካ አሎ” ተዛረብ ነበሎ ሽዑ መንፈስ አምላኽ ምስና ኮይኑ ክመርሓና እዩ። ክንሳሕ ክንልወጥ ንዝጽውዕ ዘሎ አምላኽ ዓው ኢልና ሕራይ ንበሎ። መልእኽትኻ አብቶም እትደልዮም ከብጽሕ ፍቓደኛ እየ ልአኸኒ ንበሎ። ግን አብ መንጎ ንመልእኽቲ አምላኽ ሓዲግና ካልእ መልእኽቲ ከይነብጽሕ መንፈስካ ልአኸልና ኢልና ክንጽሊ ክንልምን ከምእይ ክንምረቕ አሎና ሽዑ ጉዕዞ መልእኽትና ብርሃን ክመርሖ እዩ ቃልና ቃል አምላኽ ኮይኑ ከም ሰብ ነነዌ ሰብ ክሰምዓና እዩ።
ኦ ማርያም ንስኺ ነቲ አምላኽ ካባኺ ዝደልዮ ክትገብሪ ሕራይ ዝበልኪ ኢኺ ንሕና እውን ከምቲ ናቲካ ካባና ዝደልዮ ክንገብር ሕራይ ክንብል ሓግዝና። ንወድኺ ኸአ ሓግዞም ይልምኑ አለዉ ስምዓዮም በልልና።
ቃሉ ሰሚዕና መልእኽቱ እንስምዕይ ይግበረና፥ አሜን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.