2015-02-05 15:43:54

ብፁዕ ኣቡነ ዘናሪ፦ ናይ ጽልእን ራዕድን ስነ መጐት ምውጋድ


RealAudioMP3 ኣብ ደማስቆ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ዘናሪ እቶም ገዛእ ርእሶም እስላማዊ ሃገር ቢሎም ዝሰመዩ ኣሸበርቲ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ነቶም ኣብ ኢዶም ዘእተውዎም ናይ ደማስቆ ዜጋ ኣየር ኣብራሪ ክትግምቶ ብዘይከኣል መገድን በዘስካሕክሕ ተግባር ንሞት ምስ ዳረጉ ናይታ ሃገር መንግስቲ ነተን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝነበራ ዒራቓዊት ኣሸባሪት ኣኽራሪት ሃይማኖት ምስልምና ብማሕነቕቲ ፍርዲ ሞት ከምዝዳረገን ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዓመጽ ስነ መጐት ምውጋድ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ሕነ ምፍዳይ መጸውዒ ሰላም እዩ ቢልካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ ኢሎም።
መገድታትናን ጎዳናታትናን ኣደባባይናን ኩሉ ብዓመጽን ደምን ዘዕለቕለቕ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ፣ እቲ ምድረ በዳ ሶሪያ ብዝፍነው ተወንጨፍትን ቦምብታትን ሕይወት ብዘለዎ ሰብ ኢድ ክሳድ ብኻራ ምቕንጻልን እደዳ ብዝኾኑ ናይ ዜጋታት ደም ዝጨቀወ ኰይኑ ኣሎ፣ ብሕይወት ዘሎ ነቲ ከምኡ ሰብ ሕይወት ኣብ ኢዱ ጨቡጢ ክውንን ክደሊ ንሞት ንስቓይ ክደሊ ናጻ ክብል ስልጣን ዝሃቦ መን እዩ። እዚ ዝፈስስ ዘሎ ደም ንጹሓን ብፍላይ ደም ሕጻናትን መንእሰያትን ኣንስትን ኣረጋውያንን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብትን መላእ ዓለም ምልስ ቢሉ ምስ ሕልናኡ ክራኸብን ብዛዕባ ኩነትን ከይድን ዓለም ንኸስትውዕል ዝድርኾ ኸውን ተስፋ እገብር፣ ማሕበረሰብ ዓለም ሓቆፍ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዘሎ ውጥረትን ዓመጽን ምቅሕሓርን ማእለያ ዘይብሉ ሞትን ስደትን ተመዛብሎን ዘስዕብ ዘሎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኩሉ መንቀሊኡ ኣለልዩ ብቑዕን ግብእን መልሲ ክህበሉ ይግባእ። ሰላምን ምትሕብባርን ምቅርራብን ምድግጋፍን ዝዓሰሎ ዓለም ናብ ምሕናጽ ዝመረሕ መገዲ ክረጋገጽ ናይ ኩሉ ሓላፍነትን ብፍላይ ድማ ናይ መንግስታት ሓላፍነት እዩ። ምእንቲ ዝፈስስ ንጹሕ ደም ምብካይን ምሕዛንን ኣብቂዑ እቲ ዝፈሰሰ ደም ንጹሓን ሰላም ዝዓሰሎ ዓለም ከነረጋግጽ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር የእውይ ኣሎ፣ እዚ ብደም ዝጨቀወ ምድረ በዳ ክልወጥ መታን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ሰላምን ሕውነትን ከረጋግጽ ዘኽእል እወታዊ ውሳኔታት ከረጋግጹን እቲ ብደም ዝጨቐወ ምድረ በዳ ናይ ሰላም ዕንባባ ዘቡቁል ክኸውንን ኣክንዲ ምፍሳስ ደም ዕንባባ ዝበቖሎ ሰጣሕ ጎልጎል ከይኑ ንኽንርእይ ዕርቅን ምሕረትን ንዝራእ፣ ዕርቅን ሕውነትን ዝዓሰሎ ዓለም ክህነጽ መታን ኩሉ በቢ ሓላፍነት ክዋሳእ ደም ንጹሓት ሓደራ ይብል ኣሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት አጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.