2015-02-05 15:41:11

ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (04/02/2015)
ኣቦ ተቖጻጻሪ ዘይኮነስ ህልው ኣብ ስድራን ንውላድ ብዘይምንሻው ዝእርም እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብዛዕባ ኣቦ ስድራ ኣሞርኵይዞም ዝጀመርዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 4 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ህላዌ ኣቦ ኣብ ስድራ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ብምቕጻል “ህላዌ ኣቦ ኣብ ስድራ ንውላድ ንምቁጽጻር ዘይኰነስ ብዘይምንሻውን ምውራድን ንውላድ ንምእራም እዩ። ኣቦ ኣብ ስድራ ህልው ክኸውን ኣለዎ፣ ናይ ሓደ ኣቦ ሓንቲ ስድራ ሓላዪ ምዃኑ ዝልለየሉ ባህርይ ብጻይን መካይድትን ኣላይን ዝብሉ ዝነብሮም ተግባራት እያቶም” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብቲ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነት ተበጊሶም፦ “ቅዱስ ዮሴፍ፣ ናይታ ናዝራዊት ስድራ ኣቦ፣ ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ እነንብቦም መግለጺ ኣቦነት ንውላዱ ብፍቅሪ ምውካስ ዝብል እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኣቦ ክህልዎ ኣድላዪ እዩ፣ ኣድላይነቱ ድማ ቅድም ቀዳድም ብህላዌኡ ዝግለጽን ዝንበርን፣ ኩሉ ሓጐስን ሓዘንን ድኻምን ተስፋታትን ንምክፋልን ንበዓልቲ ቤቱ ቀረባ ዝኾነን፣ ንደቁ ኣብ ምዕባዮምን ክጻወቱን ኣብ ዕለታዊ ሓላፍነቶምን ክሓዝኑን ክድሰቱን ገዛእ ርእሶም ክገልጽን ዝን ክብሉን ክስንብዱን ክፈርሑን ክጋገዩን ትኽክለይና መገዲ ከለልዩን ኣብ ሱቕታ ኣብ ዝኾኑል እዋንን ቀረባ ኰይኑ ዘሰንይ እዩ” ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።
“ኣቦ ዓቃል ጐይታ ትዕግስትን ኣእዳዊ ዘርጊሑ ንውላዱ ዝጽበይን መሓርን ዘየናሽውን ዘየዋርድን እዩ፣ ተቖጻጻሪ ዘይኰነ ማለት እዩ። ቀጥዒ ኣልቦ ተቖጻጻርነት ንውላዱን ውላዱ ዝቕንጥጥ ኩለንተናኡ ዝቡሑግ ንምዕባዩ ናጻ ዘይሓድግ ማለት ኣይኮነን” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ እዚ ኣተሓሒዞም፦ “ኣቦ ከምቲ ኣብ ወንጌል እነንብቦ ታሪኽ ናይ ጥፍኡ ውላድ፣ ኣቦ መሓሪ እዩ” ቢሎም ንናይ ውላድ ዕብየት ሓደ ኣቦ ክህልዎ ዝግብኦ ባህርይን ዓይነት ጠባይን ኣንክትንትኑ፦ “ዓቃል፣ ገለ ገለ እዋን ብዘይ ላዕልን ታሕትን ዕጉስ ምጽባይ ዝነብር፣ ጸላይን ዕጉስን ለዋህን ለጋስን መሓርን ዝብሉ መለለይታት ዝዓሰሎ ውላዱ ብሃረርታ ተጸባዪ ዝብል እያቶም። ሓደ ሰናይን ጥዑምን ኣቦ ንውላዱ ከየዋረደን ከናሸወን ምእራም ዝፈልጥን ብኻልእ መዳይ እውን ገዛእ ርእሱ ከይበቐቐ ውላዱ ንምክልኻል ዝፈልጥ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብጥበብን ብቕንዕናን ንጽሕናን ተመሪሑ ዝዛረብን ዝትግብርን፣ ሓደ ሰናይ ኣቦ፣ ንወላዱ ንኣኡ ስለ ዝመስል ብኣኻ ሕቡንን ኩርዕን እየ ዝብል ዘይኰነስ ካብዚ ንላዕሊ ብሉጽን ልዑልን ዝኾነ ንሱ ድማ ብጥበብ ክትትግብርን ክትውስንን ምስ ዝርእይ ብሓቂ ብኣኻ ሕቡን እኸውን፣ ብቕንዕናን ንጽሕናን ክትዛረብን ሓሳብካ ክትገልጽ ምስ ዝሰምዕ ልበይ ብሓጐስ ይምላእ ክብሎ ይግባእ፣ ስለዚ ጥበብን ቅንዕናን ንኸውርሰካ ዝደለኹ ድማ ስሌኡ እዩ። ብቕንዕናን ብጥበብን ተመሪሕካ ምዝራብን ምትግባርን፣ ንስኻ እውን ከምእ ክትከውን፣ ዘይትፈልጦ ዝነበረን ዘይነበርካን መሃርኩኻ፣ እትርእዮም ዘይነበሩ ጌጋታትካ ኣረምኩ ንኽብል ዝበቕዕ ኣቦ ክኸውን ኣለዎ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፦ ብሱልን ጥበበይናን ኣቦ፦ ዘይተጋነ ምቕሉል ዝኾነ ዓሚይቕ ፍቅሪ ንውላዱ ከስተማቕር ዝኽእል ኣቦ፣ ሕፃን ስለ ዝነብርካ ዘይትዝክሮ እውን እንተዀን ኣነ እዚ ከተስተማቕር እየ ዝፈተንኩ፣ ብዙሕ እዋን ማዕረኣዊ ምንጽጻር ዝዓሰሎ ምትሕብባርን ሓላውን ጸግዒ ክትነብር ትደሊ ዝነበርካ ትኸውን ኣን ግና ጽንዓትን ቆራጽነትን እዩ ብቓልን ሕይወትን ዝመስከርኩልካ፣ ቅድም ቀዳድም ኣነ እየ ንገዛእ ርእሰይ ኣብ ቅድሚ ናይ ልቢ ጥበብ ተመክሮ ፊት ዘንበርኩ፣ ንዝተጋነ ጦብላሕታን ስምዒትን ምምራርን ብምቁጽጻር ነቲ ዘይተርፍ ዘጋጥም ዘይምርድዳእን ሰኸምን ጸይረ ቅኑዓት ቃላት ብምጥቃም ክትርድኣኒ ፈቲኒ እየ። ንስኻ እውን ምስ ኣኸልካ ብተራኻ ምስ ውላድካንካ ካልኦትን ከምዚ ዓይነት ምንባር ክትትግብር ምስ ዝርእይ እየ ዝሕበንን ልበይ ብሓጎስ ዝትንከፍን፣ ምእንቲ’ዚ ኣቦኻ ብምዃነይ ሕቡንን ሕጉስን እየ ዝብል፣ እዚ እዩ እቲ ጥበበይናን ብሱልን ኣቦ ንውላዱ ዝብሎ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስድራ ቤት ኣቦ ትድግፍ፣ ሓደ ኣቦ ንውላዱ እቲ ኹሉ ጽንዓትን ሰናይነትን ቆራጽነትን ንኸውርስ ዓቢይ ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣቦኦም ዘውረሶም ቆራጽነትን ሰናይነትን ጽንዓትን ብምንባር ድማ ነቦኦም ጻማ ይኸፍሉ፣ ድኻምን ነቲ ዘጋጥም ዘይምርድዳእን ኩሉ ተፈጢሩ ንዝነበረ ምቕሕሓርን ዝፍውስ እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፦ “እቲ ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ዝብል ኢየሱስ ዘስተምሃረና ጸሎት ንውላዱ ከስተምህር ዝኽእል ኣቦ ብሓቂ ኣቦነቱ ብቐዳምነትን ብጥልቂ ዝነበር እዩ። ብዘይ እቲ ካብ ሰማይ ካብ ዝነበር ኣቦ ዝመጽእ ጸጋ ኣቦታት ጽንዓትን ትብዓትን ይስእኑን ነቲ ናይ ኣቦነት ሓላፍነቶም ድማ የወግዱ፣ ምእንቲ’ዚ ስድራ ቤት ናይ መጻኢ ትውልዲ ዓቃብን ናይቲ መተካእታ ዘይብሉ ከም ቅዱስ ዮሴፍ እምነት ብሰናይነትን ፍትሕን ንእግዚኣብሔር ብምክንኻን ናይ ሰናይ መስከርቲ ስለ ዝኾኑ ቤተ ክርስቲያን ህላዌ ሰናይን ለጋስን ሓላይን ኣቦ ኣብ ሓንት ስድራ ቤት ክውን ክኸውን ንስድራ ቤትን ኣቦታትን ደገፋ ተቕርብ” ቢሎም ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ንኹሎም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ድማ ምውቕ ኣባታዊ ሰላምታ ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፈነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.