2015-02-03 15:45:47

ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንውፉይ ሕይወት ብርታዔ የዕድሉ


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 2 ለካቲት 2015 ዓ.ም. በዓለ አስተርእዮ ዘእግዚእነን ከምኡ እውን ምስ እዚ በዓል’ዚ ተተሓሒዙ መዓልቲ ውፉይ ሕይወት ከምዘብዓለት እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዚ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።
በዚ ድርብ በዓል ምኽንያት ናይ ውፉይንን ማሕበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕይወት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃል መሕትት፦ በዚ ዓቢይ ድርብ በዓል ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ሮማ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ውፉያንን ማሕበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕይወት ኣባላት ካህናትን ደናግል ዝተሳተፉሉን ምስቶ ኣብ መላእ ዓለም እውን ዝርከቡን ብመንፈስ ሓቢሮም ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንውፉያንን ንናይ ማሕበራት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕይወት ኣባላት ዓቢይ ሓይሊ ከምዘጸገዉን። እዚ ድርብ በዓል ብዓቢዩ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ለምዘበን ዝበዓል ዘሎ ዓመተ ውፍይ ሕይወት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ንውፉያን ምስቲ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ላዕልን ታሕትን ተራኽቦታት ሕይወት ሓድሽ ሓይልን እማኔን ጽንዓትን ዝጽልዩሉን ዝምዕዱሉን ዓቢይ ዕለት እዩ።
ውፉይ ሕይወት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንውህደት ኣሚተን ንዝገብርኦ ንናይ ሓባር ጻዕሪ መገዲ እዩ ዓመተ ውፉይ ሕይወት ብወግዒ ምስ ተኸፍተ ቀጺሉ ዝተኻየደ መደብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውፉያን ሕይወት ኣባላት ብምርኻብ ናይ ሓባር ዘተን ኣስተንትኖን ጸሎትን ከምዝነበረ ዘኪሮም፣ እዚ ዓይነት ናይ ሓባር ርክብ ብሓቂ ኣገዳስን ኣድላይን ብፍላይ ድማ ንናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዓቢይ ደገፍን ሓድሽ መገድን ምዃኑ ብዅለን ኣቢያተ ክርስቲያን ክስትውዓል ደገፊ እዩ። እቲ ርክብ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ውፉያን ሕይወት መንፈሳውነት ንምርዳእን እቲ ናይ ውፉይ ሕይወት ከይዲ ንሱ ድማ ምስ እግዚኣብሔር ናይ ዝፍጸን ተመክሮ ብምዃኑ እቲ ሓደ ዝግበሮ መሰረት ብሓባር ንምስትንታን ዝተባብዔ እዩ። ምስ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በነዲክታውያንን ፍራንቸስካውያን ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ገዳማውያንን ባሕታውያንን ብምልላይ እቲ ንውፉይ ሕይወት ዝመርሕ ጸዋዕታ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓቢይ መንፈሳዊ ሃብትን ውርሻን ብዑምቀት ንኽስትውዓል ሓጊዙ እዩ። ውፉይ ሕይወት ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝንበር ጸዋዕታ እዩ። ናይቲ ጸዋዕታ መሰረት ድማ እግዚኣብሔር እዩ ምስ በሉ ውፉይ ሕይወት ኩለንተናኻ ንእግዚኣብሔር ኣወፊኻ ንኽርስቶስ ብምስዓብ እትነብሮ ሕይወት ብምዃኑ ብዙሕ ፈተና ዘጋጥሞ ጉዕዞ እዩ። ምስ እግዚኣብሔር ግን ኩሉ ይከኣልን ይስገርን፣ ስለምታይ ዝጽውዕን ዘጽንዕን እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ እዩ ቢሎም ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ፈረቓን ኣባላት ውፉይ ሕይወት ከምዘለዉን ሰለስተ ሺሕ ዝተፈላልዩ ናይ ውፉያንን ማሕበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕይወትን እውን ከምዘለዉ ገሊጾም፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ፍ ራንቸስኮ ዝበልዎ፣ ልልያን ሕንጸትን ምስጢርን እዚ ማለት ድማ፣ እቲ ንጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ዝድርኸካን ምኽንያት ምስትውዓልን ድሕሪ እዚ እቲ ጸዋዕታ ክዓብን ብትኽክል ክምራሕን ዝሓቶ ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ፍልጠትን ዘጠቓለለ ሕንጸትን ምቕራብ፣ ከምኡ እውን ጸላይ ሕይወት ብምንባር ክኹስኮስን ኣብ ሰብኣውነት ምስጢር ከተኵርን መታን ጽንታ ዝሓትትን ነቲ ኣብ ውሻጠኻ ዘሎ ሰብኣውነት ብልብን እዝንን ምስማዕ ይሓትት፣ እዚ ድማ ጸላይ ሕይወት ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.