2015-02-03 15:50:26

ሃገረ ቫቲካን፦ ዓውደ መጽናዕቲ ዛዕባ ስነ ባህሊ ደቀንስትዮ


RealAudioMP3 ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 4 ለካቲት ክሳብ ዕለት 7 ለካቲት 2015 ዓ.ም. “ባህልታት ደቀንስትዮ፣ ኣብ መንጐ ማዕርነትን ፍልልያትን (ምዃናዊ መለለዪ)” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ከካይድ ምዃኑ ብናይ ኢጣሊያ ናይቲ ራይ እተሰምየ ናይ ምስማዐ-ርእየት መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ኣደ መንበር ኣና ማሪያ ታራንቶላን ናይ ራይ ዜና 24 ሰዓት ክፍሊ ዋና ኣመሓዳሪት ፓውላ ማጆኒ ተሰንዮም ኣባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ከምዘፍለጡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ኣመልኪተን።
ኣብቲ ንናይዚ ዓውደ ጉባኤ መሰናደዊ ክኸውን ኣሚቱ ቅድም ክብል ኣብ ዝተኻየደ ምቅርራብ ደቀንስትዮ ዘጠቓለለ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣባላት ብሓባር ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ኣመርኵይዞም ናይ ደቀንስትዮ ባህሊ እንታይ ማለት ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ ንዓለም ብዓይኒ ርእየት ደቂተባዕትዮ ዘይኰነ ብዓይኒ ርእየት ደቀንስትዮ ብምጥማት እዚ ማለት ድማ ነቲ ኩሉ ዝኸበና ክውንን ኩነትን ሕይወትን ተመክሮን ብዓይኒ ደቀንስትዮ ብምርኣይ፣ እዚ ርእየት’ዚ እንታይ ከምዝመስል ዘስተንትን ባህሊ ማለት እዩ” ቢሎም ኣስዒቦም እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀዋሚ ናይ ስነ ደቀንስትዮ ባህሊ ጉዳይ ኣማኸርቲ ክህልዎ ዝድርኽ እዩ” ከምዝበሉ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብቐዳምነት ማዕርነትን ፍልልይን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይን ብኻልኣይ ደረጃ ትውልዲ ኣብ ዝብልን ቀጺሉ ድማ ኣካልነት ወይ ድማ ሰብኣዊ ሰብነት ኣብ መወዳእታ ድማ ማዕርነትን መለለዪ ደቀንስትዮ ብመንጽር ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ዝዝትይ ምዃኑ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ዝተቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ጂሶቲ ኣስዒበን እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሮማ ቤት ትያትር ኣርጀንቲና ጠመተ ደቀ ንስትዮ ብዝብል ኣርእስቲ ብወግዒ ምስ ተኽፍተ ናብ ሃገረ ቫቲካን ተዛዊሩ ዕጹው ዓውደ መጽናዕቲ ዘካይድ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.