2015-01-29 17:30:42

አብ ሥድራቤት አቦ ኰብላሊ እንተዀይኑ ውሉድ ናይ ፍቅርን ክብሪሰብን ዘኽታማት ይኾኑ፣


RealAudioMP3 ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ጊዜ ብዛዕባ ሥድራቤት ዝጀምርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል አቦ ዓንዲ ሥድራቤትን አብ ሥነመዕበያ ውሉድ ቀንዲ ተዋሳኢ ምዃኑን ዘመልክት ሰፊሕ ትምህርቲ አቅሪቦም፣ እዚ ትምህርቲ እዚ ንዚመጽእ ሮቡዕ እውን ክቅጽል ምዃኑ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም አብ ናይ ትማሊ ትምህርቶም አብ ሥድራቤት አቦ ብሕይወቱ እንከሎ ብብዝሒ ሥራሕ ይኹን ብካልእ ብዝኾነ ምኽንያት ምስ ደቁ ክርከብ እንተዘይተኻኢሉ ካብቲ ብዓንዲ ርእሱ ስእነት ወለዲ ዝኽሰት ዝኽትምና ዝገደደ ከምዝኾነ ብሰፊሑ ገሊጾም፣ እዚ ክስተት እዚ ምናዳ አብ ምዕራባዊ ባህሊ መጀመርያ ነቦ ከም ጨቋንን ዓቃባውን ብምምልካት ንሥልጣኑ ምውጋድ ዳርጋ ከም ድላይካ ንምኻድን ንምዕባይን ዝሕግዝ ሓውሲ ሓራ ምውጻእ አመለኻኽታ ብምስራጽ ነቦ ክግልሉ ከምዝተረኽቡ ሕጂ ግና ብሥራሕን ካልእ ምኽንያታትን አቦታት ዳርጋ አብ ገዛ ክርከቡን ንደቆም ከጻውቱን ምሳኦም ኰፍ ቢሎም ነቲ አቦ ንሓደ ዚዓቢ ቈልዓ ከበርክቶ ዘለዎ ሙቀትን ትምህርትን ክብርን አብ ምስአን ከምዝተበጽሔን እዚ ከአ ዓቢ ዝኽትምና ምዃኑን አብሪሆም፣
አድላይነት አቦን እታ አቦ እትብል ቃል እትህቦ ዓሚቍ ትርጉምን ቀንዲ ካብቲ ን እግዚአብሔር አቦ ቢልና ክንጽው ዕ ዝመሃረና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ንባዕሉ እውን ነቲ ምስ ሰማያዊ አቦኡ ዘለዎ ርክብ እንክምህረና ነቲ ሕመረት እምነትና ዝኾነ ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንኽገልጸልናን አቦ አባ ቢሉ ብምጽዋዕ ከምዝመሃረና ተንቲኖም፣
እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ዘመንና ብቀንዱ ከአ አብ ዝማዕበለ ምዕራባዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና አቦታት ብጻዕቂ ሥራሕን ክበጽሕዎም ፋሕተር ዝብሉሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ጉዳያትን ጥሒሎም ወላ ነታ አብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ቤተ ክርስትያንንን ማኅበረሰብን ዘቆምዋ ስድራቤት ክሳብ ምርሳዕ በጺሖም ከምዘለው ነዚ ጸገም እዚ ግን ገና ናይ ቦነስ አየረስ አርጀንቲና ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልግሉሉ አብ ዝነበሩ ግዜ ከይተረፈ ከምዘስተውዓሉሉን ነቦታታ ከአ ብአካል እናረኸቡ ምስ ደቆም ክንደይ ጊዜ ከምዘሕልፉን ዘጻውትዎምን ዘዕልልዎምን እንትኾኑ አብ ዝሓተቱሉ ጊዜ “እወ አቦና ሓቅኹም ኢኹም ግን ብሥራሕ ስለዝተወሓጥና ንደቅና ዝኸውን ጊዜ አይንረክብን” እንክብልዎም ዝስምዖም ዝነበረ ሓዘን ገሊጾም፣
ምስዚ አተሓሒዞም ቅዱስነቶም ካልእ አብዚ ዘመንና ጐሊሑ ዝረኤ ጸገም እውን ከምዘሎ አይሓብኡን፣ ንሱ ኸአ ብስም ዘመን አምጸኦ ሥልጣኔን ካልእ ነገራትን አቦን ውሉድን ዳርጋ ከም አዕሩኽን መሳቱን ዝነብሩሉ ኩነታትን መን መን ምዃኑ ምፍላይ አብ ትጽገመሉ ኩነታት ከምዘሎና እውን ገሊጾም፣ ሽሕኳ ጽቡቅ እንተመሰለ አብ ገገሊኡ እቲ አቦ ቦታኡ ብምዝንጋዕ አቦ ምዃኑ ረሲዑ ክገብሮ ዝግብኦ ነቲ ውሉድ አብ ምዕባይን ምምሃርን አብነት ምዃንን ከውርሶ ዝግብኦ ክብርታት አብ ምትሕልላፍን አይርከብን፣ እዚ እውን ካል እ ዓይነት ዝኽትምና ምዃኑ ምዝንጋዕ ከምዘየድልን አቦ ቦታኡ ፈሊጡ ብቃሉን ብግብሩን ማለት ብአብነቱን ነቶም ንአኡ እናተመልከቱ ዚዓብዩ ውሉድ ብነፍስን ብሥጋን ብመንፈስን ክሃንጾምን ክምህሮምን አብነት ክኾኖምን ሓላፍነትን ግቡእን ከምዘለዎ ክዝንግ ዕ የብሉን ቢሎም፣ተዋስኦ አብ ሥድራቤት መሠረታዊ ናይ ሥነ መዕበያ መጋበሪ ምዃኑ ብምግንዛብ አቦታት ምስ ደቆም ክዋስኡ ክዘራረቡ አለዎም፣ ምናልባት ጽዒረ ብዘይ ዕረፍቲ ሰርሔ ንሶሙናት አዋርሕ ዓመታት ካብኦም ርሒቀ መግቢ ዕለቶም ከምጸአሎም እቃለስ አለኹ አሽንኳይ ንአኦም ንርእሰይ ጊዜ የብለይን ክብሉ ይኽእሉ፣ ኮይኑ ማዕረ ማዕረ እቲ ዝቅርቡሎም ዕለታዊ እንጌራ እኳ ካብኡ ብዝበለጸ አብ ናይ ዕብየት ጕዕዞኦም ዘድልዮም ቅርበት አቦ አብ ሕቍፊ አቦኻ ምዕባይ ነቲ አቦ ጥራይ ክህቦ ዝኽ እል ክብሪ አብነት መንፈስ ክሓስቡ ብምዝኽኻር አብ ዘመንና ክንደይ መንእሰያት በዚ ዝኽትምና እዚ ክሳቀዩ ይነብሩ ከምዘለው ምሕሳብን እቲ ካብ አቦ ዝጐደሎ ነገራት ክምልእ ዝተሰርዔ ዝተፈላለየ ምምሕዳራትን ማኅበራትን እውን ካብዚ ብዘይፍለ ንመንእሰያት ዘይጭበጥ ሕልምን አምልኾ ንዋይን እናመሃሩ አብ ዝገደደ ጭንቀትን ድቅድቅ ጸልማትን ከምዝነብሩ ገርዎም ክንደይ መንእሰያትና ዘኽቲሞምን ተስፋ ቆሪጾምን ከምዝርከቡ ምዕዛብ እኹል ኢዩ፣ ስለዚ ኩልና ካብ አቦ ጀሚርካ ንውሉድና መጻኢኦምን መጻኢ ኅብረተስብናን ንክሃንጹ ንርደአዮም እንክብሉ ትምህርቶም አብ ምዝዛም ምስ በጽሑ ምናልባት ካባኹም እንታይ ደአ ኰንኩም ጸጸልማቱ ትነግሩና ዝብል እንተሎ አብ ዝመጽእ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብደሓን የጽንሓና ብዛዕባ ብሩህ ወገን ናይ አቦ ሠናይ ነገር ናይ አቦ ክንዛረብ ኢና ብጸልማት ጀሚርና ናብ ብርሃን ንምብጻሕ ኢዩ፣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝበሎም “ዘኽታማት ኰንኩም ክትነብሩ አይገድፈኩምን ኢየ” (ዮሓ 14፤18) ንዝብል ብምዝካር ጐይታ ኢየሱስ ክንክተሎ ዝግበአና ቅኑዕ መንገድን ክንሰምዖ ዘሎና ሓቀኛ መምህር ከማኡ እውን ንዓለም ክልውጥ ዝኽእል ተስፋን ንጽልኢ ዘሸንፍ ፍቅርን ንኵልና ከአ ናይ ሕውነትን ሰላምን መጻኢና ክኸውን ዝኽእል ንሱ ጥራሕ ስለዝኾኑ ንአኡ ንከተል፣ ነዚ ንምግባር ጸጋኡ ይሃበና እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.