2015-01-27 17:48:27

እምነት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኢዩ! ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፈሉ መንገዲ ከአ ልዕሊ ኩሉ ብደቂ አንስትዮ ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ ቅዳሴ “ብመሠረቱ እምነት አብ ምትሕልላፍ ደቂ አንስትዮ ዝዓበየ ግደ አለወን” እንክብሉ አብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዝተመርኰሰ ስብከት አቅሪቦም፣
ከም ሥር ዓተ አምልኾ ላቲን ትማሊ ዝኽረ በዓል ናይ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ኢዩ ነሩ፣ ቀዳማይ ንባብ ናይ ዕለቱ ካብ 2ይ ጢሞ ዝተወስደ ኮይኑ ቅ.ጳውሎስ ነቲ ጢሞቴዎስ ካብ አደ ዓባዩን እኖኡን ዝተቀበሎ ጸጋ እምነት ከምዚ ክብል ይንእዶ “እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ -ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ” ይብሎ፣ ቅዱስነቶም ነዙይ መሠረት ብምግባር እምነት ዘመሓላልፋ አደታትን አደ ዓባያትን ከምዝኾነን እዚ ከአ በመንፈስ ቅዱስ አቢሉ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እዚ ኮይኑ ግን እምነት ምትሕልላፍ ሓደ ነገር ጉዳይ ሃይማኖት ምስትምሃር ከአ ካልእ ነገር ምዃኑ ንምግላጽ ከአ፤ “እምነት ብነጻ ዝወሃበና ጸጋ አምላኽ ኢዩ፣ እምነት አጽኒዕካ ዝርከብ አይኮነን፣ ዝጽናዕሲ ጉዳያት እምነት ኢዮም እዚ ከአ ብዝበለጸ እምነትካ ንምርዳእ ዝግበር እምበር ናብ እምነት ጨሪሹ ከብጸሓካ አይክእልን፤ እምነትሲ መንፈስ ቅዱስ ዝልግሰልካ ዓቢ ህያብ ኮይኑ ክንዮ ምስንዳውን መጽናዕትን ናይ ደቂ ሰባት ኢዩ፣ እዚ ዓቢ ህያብ እዚ ከአ በደታትን ብ እኖሓጎታትን ይምሓላለፍ፣ ሥራሕ ደቂ አንስትዮ አብ ሥድራቤትከስ ወላዲትን አሞን ሓትኖን አደዓባይን ጥራይ ብምዃን አብ ገዛ ምግልጋል ተሓዚኡ ዝተርፍ ዘይኮነስ እምነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምትሕልላፍ ኢዩ፣ ምናልባት ስለምንታይ ደቂ አንስትዮ ጥራይ ንዝብል ሕቶ እቲ ዝቀለለ መልሲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብጓል አንስተይቲ ስለዝተገልጸልና ሓንቲ አደ ክትህልዎ ስለዝመረጸ በዚኸስ ከምቲ ክርስቶስ ብማርያም ዝመጸና እምነት እውን በደታትና ክወሃበና ደልዩ ክንብል ንኽእል፣” ርክብ አደታትን እምነትን ተንቲኖም፣ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ጥራይ ዘይኮነ ግን እምነትና ከይጅላሕ ከይመራሳሕ ምሕላው እውን የድሊ፣ ኵልና እምነት ዝተቀበልና ክንሕልዎ አሎና፣ ካብ ኩሉ ዘየድሊ ዘረባን እምነትና ካብ ዘፍኵስ ነገራትን ብምርሓቅ እምነትና አደልዲልና ክንሕዝ ከምዘሎና ነዚ ንምግባር ከአ እቲ ነዚ ጸጋ እዚ ዝ ዓደለና መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ሕያው እምነት ሒዝና ክንጐዓዝ ክሕግዘና ክንልምኖ የድሊ ቢሎም፣ ከምዚ እንተዘይገቢርና እምነትና ክደክም ከምዝኽእል ዝገለጹ ቅዱስነቶም እምነትና ባህሊ ከይከውን እውን አጠንቂቆም፣ አብ እምነትና ዛሕሊ ክነር ኢ ምስ እንጅምር ብ እምነትና ክንሓር ምስ እንጅምር ድሮ እቲ እምነትና ይደክምን ናብ ምቅሃም ገጹ ከምዝጐዓዝን ክንርዳእ ስለዘየጸግም ናብ ልብና ምልስ ቢልና ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና መንፈስ ንዘክር እግዚአብሔር ዝሃበና መንፈስ ፍርህን መንፈስ ሕፍረትን ዘይኮነ መንፈስ ትብዓትን ጽንዓትን ኮይኑ ይትረፍ አብ ደሓን ዝኾነ ኩነታት አብ ሞትን ስደትን እውን ብትብዓት እምነት ክንምስክር ምንም ክንፈርህን ክንሓፍርን ከምዘይብልና ድሕሪ አገንዚቦም አብ መደምደምታ እምነትና ብምንም ተአምር አብ ዋጋ ዕዳጋ ክነውርዶ ከምዘይብልና አበርቲዖም ብምዝኽኻር ጐይታ ጸጋ ጽንዓት ክህበና ክንልምኖ ብምዝኽኻር ስብከቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.