2015-01-24 15:53:34

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ እግዚኣብሔር ወትሩን ኩሉን መሓሪ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ወትሩ ንጐሆ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል፣ ዕለት 23 ጥሪ 2015 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞርኵይዞም “ምስጢረ ንስሓ ፍርዲ ዝወሃበሉ ምስጢር ኣይኰነን። ምስቲ ወትሩ ዝምሕርን መሓርን ናይቲ ምሕረቱ ካብ ምልማን ዘይደክም ሰብ ኵሉ ሓጢኣት ምስ ዝርስዕን እግዚኣብሔር ዘራኽብ ጸጋ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንቶno ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ምስጢረ ንስሓ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ እዩ፣ ዘተዓርቕ ሰናይ ስራሕ ድማ እዩ። ኣምላኽና ወትሩን ኩል ሳዕን መሓሪ እዩ፣ ዝኾነ ይዅን ሓጢኣት ዝምሕር፣ በቲ ምሕረቱ ዝሓትት ሰብ ምኽንያት ወትሩ በዓል ዘብዕል፣ ኩሉ ዝርስዕ መሓሪ ኣቦ ምዃኑ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ናብ ዕብራውያን ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 6-13 ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሔር ምስቲ ዝተሓርየ ሕዝቢ ዝኣተወዎ ሓድሽ ቃል ኪዳን ብዝጠቕሱ ቃላት ኣመርኵይዞም ምስ ተንተኑ፣ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣተኵይሮም ድማ፦ “እግዚኣብሔር ወትሩ መሓሪ፣ እግዚኣብሔር ምሳና ሓድሽ ቃል ኪዳን፣ በቲ ዝለኣዀ ሓደ ወዱ ኣቢሉ የቕውም እዚ ቃል ኪዳን’ዚ ድማ ቅድም ቀዳድም እግዚኣብሔር ወትሩ መሓሪ ምዃኑ የነጽር፣ ጴጥሮስ ንኢየሱስ ክንደይ ሳዕ ክምሕር? ሸውዓተ ሳዕ? እንክብል ነዘቕረበሉ ሕቶ እንክምልስ ‘ሰብዓ ጊዜ ሸውዓተ’ እንክብል ይምልስ፣ ማለት ምሕረት ወትሩ ኩሉ ሳዕ ዝብል እዩ። ሰብ ኣብ ምምሓር ይደክም እግዚኣብሔር ግና ወትሩ መሓሪ እዩ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።
“እግዚኣብሔር ኩሉ መሓርን ሓጢኣትና ዝርስዕ እውን እዩ፣ እግዚኣብሔር ይምሕረኒ ዶ ይኸውን ዝብል ናይ ምጥርጣር ሕቶ ነወግድ፣ እግዚኣብሔር መሓሪ እዩ። ምሕረት ኣምላኽ ዝኽፈል ኣይኰነን፣ ስለምታይ ኢየሱስ ሓንሳብ ንሓዋሩ ብደሙ ዋጋ ከፊሉልና እዩ። ዋጋና ደመ ኢየሱስ እዩ። ምሕረት ለምን ኩሉ ይቕረ ክበሃለልካ እዩ። እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ውላድ ናብ ኣቡኡን ቤት ኣቡኡን ክምለስ ዝብሎን ንቦኡ ዝቕርበሉ ምኽንያቱ ኩሉ ኣብ ኣእምሮኡ ሓሲቡሉን ተዳልዩልን ይመጽእ፣ ገና እቲ ዝብሎን ዝሓሰቦን ቅድሚ ምዝራቡ ኣቡእ ሓቑይፉ ይቕበሎን ይምሕሮን፣ እግዚኣብሔር ዘይምሕሮ ሓጢኣት የሎን፣ ኩሉ ዝምሕር ኣምላኽ እዩ፣ ገለ ገለ ሰባት ኣባቴ ሓጢኣተይ ብዙሕ እዩ ዘይፈጸምክዎ ሓጢኣት የሎን፣ ስለዚህ ክናዘዝ እንተዘይከድኵ ይሓይሽ ዝብሉ ክህልዉ ይኽእል፣ ኣዚ ኣበሃህላ’ዚ ጌጋ እዩ፣ ጐይታ ዘይምሕሮ ሓጢኣት ሓደ’ኳ የሎን፣ ምሕረት ምሕታት ንጀምር፣ ንስኻ ገና ሓጢኣትካ ተናዚዝካ ከይወዳእካ እቲ ካብ ምሕረት ዝርከብ ምሉእ ሓጎስ ኣብ ልብኻ ክስምዓካ ክገብር እዩ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
“ምስጢረ ንስሓ ቤት ፍርዲ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ጸጋ ምሕረት እዩ። ቤት ርክብ እዩ። እቲ ንእግዚኣብሔር ዘገድሶ እቲ ምስኡ ምርኻብና እዩ፣ ካህናት ኣብ መናዚዚ ኣትዮም ከናዝዙ እንከለአዉ፣ ኵሉ ክምሕሩ ስንድዋት ድያቶም? ናይ ተናዛዚ ሓጢኣት ዝርስዑ ድያቶም? ፈረድቲ ኣይዅኑ፣ እቲ ርክብ ዘብዕሉ እቲ ኣብ ሰብን እግዚኣብሔርን ዝቐውም ርክብ ዘብዕሉ ክዀኑ ይግባእ። ብዙሕ ጊዜ ኑዛዜ ስርዓት ምፍጻም ኰይኑ ዝንበር ይኸውን፣ እቲ ርክብ ኣበይ ደኣ’ሎ ብብቕዓት ምንዛዝ ክንመሃር ይግብኣና፣ ምንዛዝ ማለት ናብ ቤት መሕጸቢ ልብሲ ምዃድ ማለት ኣይኰነን፣ ምስ መሓሪ ኣምላኽ ንምርኻብ ዘብቅዕ ጸጋ እዩ፣ እቲ ምሒሩን በዓል ምስ ዝገብረልና ኣምላኽ እንራኸበሉ ጸጋ እዩ’ እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.