2015-01-24 15:59:58

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ናይ ፍቓድን ድላይን ቃል ኪዳናዊ መውስቦ ብዕምቆት ክምርመር


RealAudioMP3 ዕለት 23 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ናይ ለምዘበን ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዕዮ ብወግዒ መሪቖም ንምጅማር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይዚ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤተ ፍርዲ ኣባላት ተቐቢሎም “ፍቓድን ድላይን ቃል ኪዳናዊ መውስቦ ብዕምቆት ክምርምር” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።
ደያኑ ቤተ ክርስቲያን ሮማዊት ናይቶም ንኽዋሰቡ ዝሓቱ መራዑት ናይ ሓባርን ብነፍሲ ወከፍ ቃል ኪዳን ንኽኣስሩ ናጻን ኣልቦ ተጽዕኖ ዝገልጽዎ ናይ ስምምዕ ድላዮም ኣዕሚዩቝ ክምርምርን ከመዛዝንን ንመርዓ ዝደረዀም ሸቶ ዘለዎ ክቡር ዋጋን እምነትን ግምት ብምሃብ መሠረት እምነት ድኹም ድዩ ወይ ከኣ ጨሩሹ ዘይብሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣዕሚዪቖም ክምርምሩ ከምዝግባእ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበራ ልእኽት ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፣ እቲ ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ናይቶም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ብዛዕባ ኩነታት ሓዳሮም ክዛረቡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝውከሱ ሰብ ሓዳር ንናይ ክልቲኣቶም ሰብ ቃል ኪዳን ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሓባር ጥቅሚ ከተባብዑ ከምዝግብኦን እዚ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ብናጻ ክኸውን ከምእተላበዉ ኣመልኪተን።
ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ናይ 2015 ዓ.ም. ዕዮ ብወግዒ መሪቖም ንኸጀምሩ ዝተኻየደ ርክብ ተጠቒሞ ድማ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብ ቃል ኪዳን ዝፍጽምዎ ናይ መውስቦ ስምምዓት ሰብኣውን ባህላውን ኩነታቱ ንኽስትንተን ዝድግፍ ምዕዳን ከምዝለገሱን፣ እቲ ኣብ መርዓ ዝርአይ ቅልውላው ናይ ቀረባ እዋን ክስተት ከምዘይኰነ ድማ ቅዱስ ኣቦና ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ እዋናዊ ሰብኣዊ ፍጡር ሕማማት ሓደ እቲ ተዛማዲ ባህሊ ኮን ቢሉ ብዘቑሞም ሜላታት ኣቢሉ ሕልናዊ ግብረ ገብ በቲ ናይ ሕሊናዊ ኣልቦ ምኽንያት ቀበጥ ስነ ልቦና ብምትካእ ዝፍጥሮ ምዃኑ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፦ “እዚ ኹሉ ድማ ነቲ ካብ እምነት ዝምንጭው ኣመክንዮ ቃል ኪዳንን ቃል ኪዳን ዘለዎ ጽኑዕ ናይ እምነት ትጽቢታት በቲ ነቲ ንመውስቦ ዝድርኽ ፍቓድን ድላይን ብዑምቀት ዘይምርዳእ ጉጉይ ርድኢት ዛዕባ ቃል ኪዳን ዝነቅል እውን እዩ። እንነብሮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቁምስናታትናን ሰበኻታትናን ኣክንዲ ንኽብሪ ጐይታ ካብ ዝብል ካብቲ ዓለማውነት ኣተሓሳባ ምስዓብ ዝፈጥሮ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀኑ መውስቦታትን ሓዳርን ከምዘለዉ ዘረጋግጾ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ናይ ሮማዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ደያኑ ናይቶም ቃል ኪዳን ክኣስሩ ዝደልዩ ሰብኣይን ሰበይትን ስምምዕ ብዘይ ጸቕጥን ሕቡእ ዕላማን ዝገልጽዎ ንምኻኑን ንኽምርዓዉ ዝድርዀም ምኽንያትን ስምምዓቶምን ብቑዕ ምዃኑ ከጻርዩን ክምርምሩን ይግባእ። ስለዚህ ናይ እምነት ትሕዝቶ ዘይብሉ እንተድኣ ኰይኑ እዚ ድማ ከምቲ ሕገ ቀኖና ዘመልክቶ ወሳኒ ጉግይ ድላይን ፍቓድ እንክብል ናብ ዝገልጾ ሓሳብ ዘብጽሕ እዩ” ከምዝበሉ ማሶቲ ገሊጸን።
“እቲ ሕገ ቀኖና ጌጋ እንክብል ዝገልጾ ንመርዓ ዝዳርኽ ዘይብቑዕ ምኽንያት ንናይ መርዓ ርግኣት ምንዋጽ ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ናይ ተፋራይነት ባህርይ እውን ስግኣት እዩ። እዚ ድማ ናይ ሰብ ሓዳር ቀጻሊ ሓደኣዊ ናብራ ብዛዕባ ዝገልጽ ሓቂ ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጉም ብምሃብ ምክብባር ዘጉድልን ፍቅራዊ ምፍታው እውን ዘርሕቕ ይኸውን። ስለዚሕ ንስኻትኩም ደያኑ እትፍጽምዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓድነትን ኣብ ዕዮኹም ምእንቲ ንናይ ሰብ ሓዳር ሰናይ ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ክትፍጽሙን ብፍላይ ድማ ናይ ብቅልውላው ሓዳር ኣዚዮም ተጠቐዕቲ ዝዀኑ ሕፃናት ሓልዮ ዝኣመተ ሓዋያርያዊ ግብረ ኖልዎ እተካይዱ ክትዀኑ እላበው። ምስጢረ ድሕነት ኣብቲ ዓንቀጽ ሕግታት ካብ ምቕያድ ምጥንቃቕ የድሊ፣ ካብቲ ሰብ ዝነብሮ ዕለታዊ ጽንኵር ናብራ ዝረሓቐን ኣፍልጦን ርክብን ዘይብሎም ኣይትኹኑ፣ ስለዚህ እቶም ቃል ኪዳን ክኣስሩ ዝደልዩ ናይ ዘቕርብዎ ክሌኣዊ ስምምዕን ድላይም ሓቅነቱ ኣብ ምምርማር ትጉሃት ኩኑ፣ እቲ ዛዕባ ጉዳይ ሰብ ሓዳር ዝምልከት ቤት ፍርዲ ዝህቦ ኣገልግሎት ብናጻ ክኸውን እላበው፣ ቅዱሳት ምስጢራት ብናጻ ዝተዓደሉና እያቶም ዝሽየጡን ዝልወጡን ኣይኰኑን፣ ጸጋታት እያቶም ብዛዕባ ቃል ኪዳን ዝከታተል ቤት ፍርዲ ንምስጢረ ተኽሊል ዝምልከት እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ብናጽ ዝወሃብ ኣገልግሎት እንተዝኸውን ክንደይ ባህ ምበለኒ፣ ብናጻ ዝቐርብ ኣገልግሎት ክኸውን እላበው” እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ክምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ታማሮ ማሶቲ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.