2015-01-20 15:24:09

ሲሜት ሓድሽ ጳጳስ ኣብ ሰበኻ ፋኤንዛን ሞዲሊያና


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ቢሳርቾ ስዩም ጳጳስ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ቶሶ (ኣባል ማሕበር ሳሊዛውያን) ናይ ፋኤንዛን ሞዲሊያና ሰበኻ ጳጳስ ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምእተሰየሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ቶሶ ኣብ ኢጣሊያ ሞሊያኖ ቨነቶ ዕለት 2 ሓምሌ 1950 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 16 ነሓሰ 1967 ዓ.ም. ከም ኣባል ማሕበር ሳሊዛዊ ቀዳማይ ማሕላ ዝፈጸሙን ዕለት 22 ሓምሌ 1978 ዓ.ም. ድማ ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን፣ ኣብ ቶሪኖን ኣብ ዝርከብ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን መንበረ ጥበብ ዝተመረቑን፣ ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊክ ቅዱስ ልበ መንበረ ጥበብ ብፍልስፍና ኣብ 1978 ዓ.ም. ቀዳማይ ሊቅነት ደሓር ድማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሳሊዚያን መንበረ ጥበብ ብፍልስፍና ዝለዓለ ሊቅነት ኣመስኪሮም ኣብታ መንበረ ጥበብ ካብ 1980 ዓ.ም. ጀሚሮም ናይ ፍልስፍና መምህር ኰይኖም ከገልግሉ ጀሚሮም ኣብ 1991 ዓ.ም. ናይ ፍልስፍናዊ ህልዮ መምህር ኰይኖም ከምዘገልገሉን ካብ 1994 ክሳብ 2000 ዓ.ም. ናይቲ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ጨንፈር መጽናዕቲ ፍልስፍና ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ቶሶ ናይ ጳጳሳዊ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ከይኖም ምስ ተሰምዩ ዕለት 12 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም. ሲመተ ጵጵስና ከምእተቐብሉ የመልክት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ባህርዳርን ደሴን ነዘቖምዎ ሓድሽ ኤጳርቅና ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣዲስ ኣበባ መንበር ርእሰ ኤጳርቅና ሊቀ ጳጳስ ሓጋዚ ከይኖም ዘገልግሉ ንዘለዉ ንብፁዕ ኣቡነ ልሳነ ክርስቶስ ማተዎስ ሰማሁኝ ጳጳስ ንኽዅኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝቖመ ሓድሽ ኤጳርቅና ማሕበር ካፑቺን ኣሃው፣ ሲታውያንን ኮምቦናውያንን ላዛሪስትን ኢየሱሳውያንን ልኡካነ ወንጌል ኣገልገልቲ ድኻታትን ከምኡ እውን ማሕበር ደናግል ደቂ ቅድስቲ ሃናን ደቂ ፍቕርን ቀርመሌሳውያንን በነዲክታውያንን ናይ ፍቕሪ ልኡኻት ደናግል ማሕበርን ደናግል ልኡካነ ኣፍሪቃን ዝተዋፈሩሉ ከባቢ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ብፁዕ ኣቡነ ልሳነ ክርስቶስ ማተዎስ ሰማሁኝ ዕለት 19 ታሕሳስ 1959 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ጉራጌ ዝተወልዱን ዕለት 8 ግንቦት 1988 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መንበረ ጥበብ ብስነ መንፈሳዊ ቲዮሎጊያ ተመሪቖም ኣብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካውያን መንእሰያት ማሕበር ቆሞስ፣ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰባኻ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኰይኖ ኣብ ዘገልግልሉ ዝነበርሉ እዋን ዕለት 18 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም. ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰበኻ ሓጋዚ ጳጳስ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባህር ዳር ፍሉዩ ሓዋርያዊ ሓላፊ ንኽዀኑ ከምዝተሰየሙ ኣዘኻኺሩ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካውያን ስደተይናታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊ እውን ኰይኖም ከገልግሉ ከምዝጸንሑን ብፁዕነቶም ቋንቋ እንግሊዝን ጣልያንን ቋንቋ ሊጡርጊያ ግእዝን ትግርይናንን ኣምሓረይና ቋንቋታት ዝፈልጡ እውን ምዃኖም ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.