2015-01-20 18:00:35

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ሜትሮፖላዊት ኮይና ርእሳ ክተማሐድርን ፡ጳጳስ ዘመንበረ አሥመራ ብጹዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ሊቀ ጳጳሳት ክኾኑን አሥመራ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ክትከውንን ውሳኔ ሂቦም።



RealAudioMP3 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አቡነ ፍራንቸስኮስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ካብ ናይ አዲስ አበባ ሜትሮፖላዊት መንበረ ሊቀ ጳጳስ ተፈልያ ፣ ሜትሮፖላዊት ርእሰ ምሕድርቲ እመ አህጉር ክትከውን መንበረ ሊቀ ጳጳስ አብ አሥመራ ክኸውን ፡ ጳጳስ ዘመንበረ አስመራ ብጹዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ክአ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ሐዋርያዊ አገልግልግሎ ክህቡ ወሲኖም አለዉ ፣ክቡር ካህን አባ ግርማይ አብርሃ አባል ገዳም ሲታውያን ብዛዕባ፡ዚ ሐዲሽ ክስተት”ዚ ንስማዕትና መብርሂ ክህቡ ተወኪስናዮም አለና እቲ ነባ ግርማይ ዝቀረበ ሕቶታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ”ሞ ንምሉአ መልሲ mp3 ጠዊቅኩም ክትከታተልዎ ትክእሉ ።ሰላም አባቴ ድሐንዶ ውዒልኩም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አቡነ ፍራንቸስኮስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ሜትሮፖላዊት ርእሰ ምሕድርቲ ርእሳ ዝኽአለት ክትከውን ወሲኖም አሎዉ”ሞ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ንሰማዕትና ክተብርሁሎም > ሐላፍነትን ጊደን ሊቀ ጳጳስ እንታይ ኢዩ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ነተን አርባዕተ ኤጳርቅናታት ኤርትራ የማእክል ማለት ድዩ እቲ መልሲ እወ እንተኾይኑ አገባብ ማእከልነቱ ከመይ ኢዩ ዝመስል ፣ አብ አርባዕቲኤን ኤጳርቅናታት ኢርትራ ማለት አሥመራ ሰገነይቲ ከረንንን ባረንቱን ቁጽሪ ካቶሊካውያን ክንደይ ከም ዝኾነ ዘነጽር ሰለዳ አሎ”ዶ
ብስለስተ ጳጳሳትን ብሐደ ሊቀ ጳጳስን ዝቆመ ረኪበ ጳጳሳት ኤርትራ ክህሉ ኢዩ እዚ ሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርትስያን ኤርትራ ዘጽንዕን ዝከታተልን ኮይኑ ምስ ናይ ምብራቃውያን አብያተ ክርስትያናት ማሕበር ቀጥታዊ ርክብ ክህልዎ ኢዩ ማለት ድዩ ፣ሐዳስ ሜትሮፖላዊት ርእሰ ምሕድርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ መበል 22 ምብራቃውያን አብያተ ቤተ ክርስትያን ኮይና ማለት ኢዩ አይኮነን ድዩ ፣
ብድሕሪ”ዚ ክስተት”ዚ ምስ ናይ አዲስ አበባ ሜትሮፖላዊት መንበረ ሊቀ ጳጳሳት እንታይ ዓይነት ርክብ ኢዩ ክህሉ ዝኽእል >እዚ ትማሊ ብቅድስቲ መንበር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዚምልከት ዝተዋህበ ውሳኔ
ታሪክ ናይታ ቤተ ክርስርትያን አብ ግምት ብምእታው ግዚኡ ዝሐለወ”ዶ ይምስለኩም ደንጉዩ ዝክሰት ዘሎ ኢዩ ትብሉ ፣ ብዛዕባ”ዚ ዝተዛረብንሉ ርእሰ ክተተሐላልፍዎ ትደልዩ መልእኽቲ ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.