2015-01-20 15:26:22

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዑደት ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ቪየትናም


RealAudioMP3 ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ናይ ቪየትናም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዘቕረበሎም ዕድመ መሰረት ኣብ ስሪ ላንካን ፊሊፒንስን ንናይ ቅዱስ ኣቦና ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከሰንዩ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ፍጻሜ እዚ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቪየትናም ንሓደ ሰሙን ዝቕጽል ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 19 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ከምዝጀመሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር፣ ብፁዕነቶም ኣብ ቪየትናም ምስ ብፁዓን ጳጳስትን ካህናትን ደናግልን ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ሕዝበ እግዚኣብሔርን ክራኸቡ ምዃኖም ኣመልኪቱ።
ብፁዕ ኣቡነ ፊሎኒ ዕለት 20 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃኖይ ኣትዮም ምስ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቪየትናም ምስ ናይ ሰበኻ ሃኖይ ውሉደ ክህነት ከምእተረኸቡን ኣብ ካቴድራል ሃኖይ ብመላእ ናይ ሰበኻ ካህናትን ብፁዓን ጳጳሳትን ተዓጂቦም መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምዘዕረጉን ዕለት 21 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ሁንግ ሆአ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ዕለት 22 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ 1798 ዓ.ም. ማርያም ዝተገለጸትሉ ላ ቫንግ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ናይ መላእ ዓለምን ናይ ቪየትናምን ነሕዛብ ስብከተ ወንጌል ንማርያም ከወክፉን መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።
ዕለት 23 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ንናይ ቪየትናም ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ኣፍሆተ ወንጌል ምኽንያት ኣብታ ቅድሚ 400 ሚእቲ ዓመት ክርስትና ዝተቕበለ ከባቢ እትርከብ ኣርባዕተ ዘመን ዝዕድሜኣ ቁምስና ሆይ ኣን ክበጽሑ ምዃኖን ዝሓበረ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቡ፣ ኣቲ ከባቢ ዕለት 18 ጥሪ 1615 ዓ.ም. ክርስትና ብዝተቐበሉ ጃፓናውያን ብዝተሰነዩ ካህናት ማሕበር ኢየሱሳውያን ወንጌል ከምዝበጽሖን ክምኡ እውን ኣብ በዓል መበል ዝኽሪ 50 ዓመት ምስረታ ሰበኻ ቅድስተ ማርያም ዳን ናንግ ክሳተፉ ምዃኖም ኣመልኪቱ።
ዕለት 24 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ብፁዕነቶም ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ምስረታ ሰበኻ ሹዋን ሎክ ኣብ ካቴድራል ሹዋን ሎክ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ሰንበት ዕለት 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሳይጎን ኣብ ዝርከብ ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ክራኸቡን ቀጺሎም እውን ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ቅዱስ ዮሴፍ በጺሖም ኣብ ቪየትናም ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ከጠናቕቑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.