2015-01-20 15:18:36

ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ሕልና ዘበራብር እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስሪ ላንካን ፊሊፒንስ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ማኒላ ብዘዕረግዎ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ምእመናን ብዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ክፍለጥ እንከሎ ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ዑደት ኣመልኪቶም ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ፊሊፒንስ ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ዘገልገሉ ኣባል ማሕበር ጓነሊያን ኣባ ልዊጂ ደ ጃምባፕቲስታ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሕሊና ዘበራብርን ብሓቂ ማራኽን ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ ኣብ ዙርያኦም ተኣኪቡ ቃሎም ምዕዳኖም ስብከቶምን ክሰምዕ ዝተራእየሉን ንስሪ ላንካን ፊሊፒንስን ጥራሕ ዝዛረብ ብዘይምዃኑ ድማ እቲ ባህርይ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ዘቃልሕ ብምዃኑ ሕዝቢ ዓለም ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሃን ዝተኸታተሎ እዩ፣ ኣብ ፊሊፒንስ ወንጌል ዝተሰበኸሉ መበል 500 ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሔ ዑደት እዩ ኢሎም።
ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ከምዝበልዎ ቅዱስ ኣቦና ሓዊ ቅዱስ መንፈስ ዘምጽኡ እዮም፣ ብሓቂ ድማ ከምኡ እዩ፣ ሓዳስን ለዋጥን ሓዊ ቅዱስ መንፈስ ሒዞም ዝመጹ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዮም። ሓውን ርእደ መሬትን ሞትን መቑሰልትን ዕንወት ዘምጽእ እዩ፣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘምጽእዎ ሓውን ርእደ መሬትን ግና መንፈሳውን ለዋጥን ሓዳስን ወንጌል ጽባቔን ውህበትን ዘረጋግጽን ኣብ እምነት ዘጽንዕን እዩ። ማሕበረ ክርስቲያን ፊሊፒንስ ወንጌላዊ ልኡኽ መስካሪ እምነት ናይ ተስፋን ምትሕብባርን ነቢይ ኣብሳሪ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብዑምቀት ዝተረዳኣሉ ጸጋ እዩ ምስ በሉ፣ እዚ ተልእኾ’ዚ ድማ ናብ ኩሉ ናብ ዝተናዕቁን ድኻታትን ሕዙናትን ዝተነጸሉን ዝብል እዩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ከምዝብልዎ ድኻታት ሓቀይና መጋበርያ ኣስፍሆተ ወንጌል እያቶም፣ እስያ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ካብ ምዕራብ ክፍሊ ዓለም ብዝተላእኩ ልኡካነ ወንጌል ክርስትና ተቐቢሉ ሎሚ ንምዕራብ ከባቢ ዓለም ወንጌላዊ ልኡኽ ኰይኑ በተራኡ ኣብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገልግሎት ይርከብ፣ እቲ ዝተላእከ ወንጌል ኣብ ምቕባሉ ንነብር ኣሎና። ናይ ወንጌል ሕዳሴን ውዕዉዕ ንመንፈስ ዳግም ርኽበት የድልዮ እቲ ዝማርኽን ዝልውጥን ልቢ ዝትንክፍ ወንጌል ደኣ እምበር ዝተራቀ ምዕባለ እደ ጥበብ ኣይኰነን፣ ምዕራብ ዓለም ዝተራቅቀ እንተተራቅቀ ልቢ ዘወዓዉዕ ክቡር ዋጋ የድልዮ፣ ስለዚህ እውነተይና ለውጢ ልባዊ እዩ። ድኻታት እውነተይና ኣብሰርቲ ወንጌል ሰባኬ ወንጌል እያቶም፣ ኣብ 1989 ዓ.ም. ወንጌላዊ ልኡክ ኰይኖም ናብ ፊሊፒንስ ምስ ተላእኩ ኣብ ከባቢ ወደብ ማኒላን ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ መእለዪ ሕሙማን ደዌ ከምዝኸዱን ኣብኡ ድማ ከምቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ዝተባርከን ዝተቐደሰን ሥፍራ እታ ድኽታት ዝነብርሉ ከባቢ ዝተባርከ ብምዃኑ ሰንደልካ ኣውጺእካ ዝቕረብ መሬት እዩ። ስለምታይ ክትሰብኽ ቢልካ ምስ እትኸይድ ኣብቲ ሕዝቢ ወንጌል ክሳብ ክንደይ ከምዝሰረጸ ትርዳእ፣ ናብቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ብዝተፈላለየ ሕማም ናብ ዝተጠቕዑን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንከላ ናብ ዘጓነፎም ቀሪብካን ደጋዊ ክፍለ ከተማማትን ናይ ህላዌ ደጋዊ ክፍሊ ወንጌል ምብጻሕ ንገዛእ ርእስኻ እዩ ዝልውጠካ፣ ወንጌል እተብጽሓሉ ድኻ ንኣኻ ተመሊሱ ህያው ወንጌል የቕርበልካም ይምስክረልካን ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ከምዝበልዎ ድኻታት ናይ ወንጌል ልብን ማእከልን እያቶም፣ ስለዚህ ድኻታት ማእከል ከይገበርካ ወንጌላውነት የሎን፣ እዚ ማለት ድማ ርእየተ ዓለም መሰረት እንነብረሉ ዓለም ድኻታትን ሃብታማትን ቢልካ ንኽልተ ምምቃል ማለት ዘይኰነስ፣ እቲ ዘለዎ ምስ ዘይብሉ ተኻፊሉ ክነብር ኣለዎ ዝብልን፣ ገዛእ ርእስኻ ከፊትካ ብምልኣት ወንጌል ንኽትቕበል ዘብቅዕ ንርኽበት ውሽጣዊ ናጽነት ዘበራብርን ኣብ ሓልዮት እግዚኣብሔር እማኔ ዝብል እውን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.