2015-01-17 16:49:07

ቅዱስ ኣቦና፦ ምግባረ ብልሽውና ካብ ድኻታት ምንዛዔ ሃብቲ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማኒላ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ቅኑዕ ሕይወት ብምንባር ነኣሽቱ ቅንዕና ዝነብሩ ጉጅለታት ናይ ምቛም ምኽንያት ይዅን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።
ድኻታት ማእከል ወንጌል እያቶም፣ ኩሉ ነቶም ካብ ሕብረሰብ ተነጺሎም ንኽነብሩ ዝተገዱ ቀረባ ክኸውንን ናይ ኣባይቲ ስድራ ናይ ምስጢረ ተኽሊል ውበትን ውህበትን ክምስክር ሓደራ ቢሎም ድኻታት ኣብ ልቢ ወንጌል እያቶም፣ ድኻታት ካብ ወንጌል እንተኣሊና ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከነስተውዕሎን ክንርድኦን ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ብናይ ዓለም እተሓሳስባ ዋጋ ዕዳጋ ኣይንግበር፣ ኣብ ማእከላይ ስምምዕ ንምእታው ኣይንዋገይ” እንክብሉ ነቶም ልኡካነ ክርስቶስ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ኣተሓሳሲቦም እቲ ዓለም ዘቕርቦ ትጽቢትን ተስፋታትን ነጺግና ብቓል እግዚኣብሔር ንኽንልወጥ ንፍቀድ” እንክብሉ እቶም ብወንጌል ምልዋጥን ኅዳሴን ዝፈርሑ ነቲ ናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ዘቕርቦ ትጽቢታትን ተስፋታትን ዘማዕድዉ እያቶም፣ ስለዚህ ብክርስቶስ ሃብታም ንምዃን ከም ክርስቶስ ድኻ ምዃን ግድን እዩ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ስፐራንዛ ሓቢረን።
ነቲ ናይ ኢማዕርነት ምኽንያት ምውጋእ፦ ቅሱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንማሕበረ ክርስቲያን ካብቲ ዓቢይ ስግኣት ዝኾነ ፈተና ንሱ ድማ ነቲ እነቕርቦ ምስክርነትን ዘዋግይ ኣብ ሕይወትና ሰለይ እናበለ ተባላሒቱ ዘጣጥሕ ነገርነትን ግኡዝነትን ግዙእ ከይከውን ኣተሓሳሲቦም፣ ርእሰ ፈታውነትን ኣምልኾ ርእሰ ፍትወትን ንኸነውግድ ገዛእ ርእስና ድኻታት ምስ እንገብርን ነቶም ድኻታት ኣሕዋትን ኣሓትን ክንመስል ይግባእ። እዚ ምስ እንገብር ኩሉ ነገር ብሓድሽ ብርሃን ክንጥምት ንበቅዕ እዚ ድማ ነቲ ዓለም ዘቕርቦ ብድሆ ብስራተ ወንጌል ብቕንዕናን ምልኣትን ዝተሰነየ ሱር በተኻዊ ወንጌላውነት ዓይነት ሕይወት ክርስትና ብምንባር ኣብቲ ዝተነጸሉን ክልተ ኣንጻራት ኣብ ምህላው ዝኣምን ባህልን እቲ ዘሕፍርን ጸያፍን ዘይማዕርነታውነት ብቑዕን ግቡእን መልሲ ንምሃብ የብቅዓና” ቢሎም ኣብ ፊሊፒንስ ቤተ ክርስትያን እቲ ሱር ዝሰደደን ናይ ፊሊፒንስ ሕብረሰብ ገጽ ዘበላሽውን ዘመዛብልን ምስቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ዝጻረር ናይ ዘይማዕርነትን ኢፍትሃውነት መንቀሊ ክትዋጋእ ዝተጸወዔት እያ” እንክብሉ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና እዚ ሓቂ’ዚ ኣረጋጊጾም፦ “ወንጌል ንነፍሲ ወከፍና ቅኑዕን ምሉእን ምንእቲ ሓባራዊ ረብሓ ዝዓዪ ክኸውን ይጽውዓና። ብውልቅን ከም ማሕበር ኣመንቲ ጉጅለ ቅኑዓት ንምፍጣርን በዚ ድማ በቲ ነቢያዊ ምስክርነት መታን ክልወጥ ናብ ሕብረተሰብ ዝሰፍሕ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን መብረብ ንኽንፈጥር ዝተጸዋዕና ኢና” ከምዝበሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።
“ሕብረሰብ ብወንጌላዊ ፍቕሪ ምሕናጽ፦ ፊሊፒስ ወንጌል ዝተቐበለትሉ መበል 500 ዓመት ንምብዓል ኣብ እተቀራረበሉ ዘላ እዋን ነቶም ዝሓለፉ ብፁዓን ጳጳሳት ካህናትን ገዳማውያንን ዝሓለፈ ወለዶን ብቓልን ሕይወትን ኣሰንዮም ሓዲገምዎ ዝሓለፉ ውርሻ ምኽንያት ንኣኣቶም ነመስግነሉን ብኣኣቶም ንጐይታ እነመስግነሉ እዋን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሕናጽ ጥራሕ ዘይኰነ ወንጌል ብምብሳርን ኣብ ኣስተንፎ መልእኽቲ ወንጌላዊ ፍቕርን ምሕረትን ምእንቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ምትሕብባር ዝጸንዔ ሕብረተሰብ ንምህናጽ እትብቅዕ ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጹ እያቶም” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ንመንእሰያት ካህናትን ጓሶትን ብምሕሳብ፣ እቲ ንዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ተቓሊዑ ዘሎ ምስጢረ ተክሊልን ስድራ ቤትን ጠቒሶም፦ ጓሶት ንመንእሰይ ወለዶ ምስ ድኻታትን ምስቲ ብጸቕጢ ድኽነት ኣብ ከበድ ሕይወት ዝነብርን ብዝርአይ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ተስፋ ቆሩጹ ኢዱ ሂቡ ኩሉ ሓዲጉ ቤት ትምህርቲ ዛሕዚሑ ዝቕየር ሓደ’ኳ የሎን ዝብል ኣብ ጉጉይ እማኔ ወዲቁ ግዳም ሓደር ኰይኑ ንዝተርፍ ቀረባ ኩኑ። ነቲ ዝቐርብ ናይ ስነ ጾታዊ ስምዒትን ስድራ ቤትን መርዓን ትምህርቲ ዝጻረር ዝዝሰፍሕ ኣደናጋሪ ባህሊ ዝተጠቕዔ መንእሰይ ናይ ክርስትያናዊ ሓዳር ሓቅነቱን ጽባቔኡን መስክሩ፣ ከም እትፈልጥዎ ስድራ ቤትን ምስጢረ ተክሊል ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ምፍጣር ዘመዛብሉን ነቲ ባህልኹም ቅርጺ ዝሃበ ክቡራት ዋጋታት ጽባቔ ናይቲ ጉግይ ትምህርቲ ዒላማ እዩ” ምስ በሉ እቲ ብእምነት ዝተቐርጸ ባህልኹን ዝድነቕ እዩ ኣሜን” ቢሎም ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ስፐራንዛ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.