2015-01-17 16:43:19

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ውራ ስነ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ቤተሰብ ኣይፋል


ነቲ ናይ ቤተሰብ ንቡር ትርጉሙን ምዃኑን ዝኽሕድ ዘመዛብልን ብሓፈሻኡ ኩለንተና ስድራ ቤት ዘዕንው ኣብ ልዕሊ ቤተሰብ ዝወርድ ባዕዳዊ ስነ ሓሳባዊ መግዛእቲ ክንቃወምን ኣይፋል ክንብልን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ምእመናን ኣባይቲ ስድራ ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦም፣ ክርስትያን ኣባይቲ ስድራ ካብቲ ባዕዳዊ ስነ ሓሳባዊ መግዛእቲ ንመንነቶም ክከላኸሉ ይግባእ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቦሮም።
ኣባይቲ ስድራ ቤት በቲ ንምዃኑ ከዕንው ዝወጣወጦ ጸዋዲ ብልሒ ከይታለሉን ከምቲ እግዚኣብሔር ስሓሰቦ ክሓስቡን ከስተንትኑን ለዋህት ከም ረጋቢት በላሓት ከም ኣትማን ክኾኑን ብዘይ ምቁራጽ ኣብ እግዚኣብሔር ክእመኑን፣ እቲ ሓቀይና ቡሶላ ከይሰሓት ሓደራ እንክብሉ ነቶም ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ኣባይቲ ስድራ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝጠፍኤ ሰብኣዊ ተተምናዪ ባህርዪ ክኹስኩሱ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም ብዘይ ትምነያ ስድራ ቤት ምሓሳብ ዘይከኣል እዩ፣ ስለዚህ ስድራ ቤት ትምኒቱ ኣብ ስድራ ቤትን ምስ ስድራ ቤት ክኽውን ኣለዎ ቢሎም፣ ብሓባር ዝጽልን ንደቁ ጸሎትን ግቡእን ትኽክለይናን ክቡራት ዋጋታት ብቓልን ሕይወት ዘመሓላልፍን ምስ ኢየሱስ ዝኸውን ኣብ ዙሪያ ኢየሱስ ዝሓብርን ንዓለም ባርኾት እዩ። በንጻሩ ካብቲ ንስድራ ቤት ካብ ምዃኑ ዘመዛብልን ዘዕንውን ምስ ስድራ ቤት ምንም ዓይነት ርክብ ዘይብሉ ባዕዳዊ ርእየተ ዓለማዊ ውራ ምክልኻል ኣድላዪ እዩ ከምዝበሉ ኣመልኪቶም።
ከምት ህዝብታትን ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ እዋን ኣብ ብስለት ምስ በጽሑ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ባዕዳዊ (ፖሊቲካዊ) ርእየተ ዓለማዊ ውራ ኣይፋል ዝብሉ፣ ንሕና እውን ከም ስድራ ቤት ብሓቂ ልዑል ጭሙት ኣስተውዕሎ፣ ልቦናን፣ ብርታዔን ንዝኾነ ይዅን ንስድራ ቤት ዝሓስብ ዝመልስ በንጻሩ ንምዃንን መንነትን ስድራ ቤት ዘዕንው ዝስበኽ ባዕዳዊ ፖሊቲካዊ ርእየተ ዓለማዊ ውራ እይፋል ክንብል ይግባእ። ነቲ ብጻይ መልእኽ ዝዀነ ቅዱስ ዮሴፍ መዓስ ኣይፋል መዓስ እነኹ ቢልና ሕራይ ንምባል ከምዝግብኣና ኣስተንፍሶ ከንብረልና ንሕተቶ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ብሰፊሑ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኣብቲ ደቡብ ዓለም ገና ሕጂ እውን ስሑል ወሳኒ ዘይኰነ እዋናዊ ትዕይንቲ ናይ ስድራ ቤት መሰረታዊ ኣምር ክገማምዕን ከጥፍእን ዝፈታተን ተግባር፣ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ሰብኣዊ ሕይወት እተሰየት ዓውዲ መልእኽቶም ነቲ ኣብቲ እዋን ዝብገስ ዝነበረ ናይ ስድራ ቤት ኣብ ምፍጣር ባህርይ እግዚኣብሔር ብእግዚኣብሔር ዝተዓደሎ ሱታፌ ዝሓክኽን ዝጻረርን ኣመለኻኽታ ክቃወም እንክብሉ ዘንበርዎ ሓሳብ ጠቒሶም ሓደራ ምዃን ስድራ ቤት ዘምክን ርእየተ ዓለም ንቃወም ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ስድራ ቤት ንብዘይ ህላወ ውላድ ዝድርኽ ርእየተ ዓለም ንገዛእ ርእሱ ንስድራ ቤት ስግኣት ምዃኑ ገሊጾም፣ ጓሳ ነፍሳት ኣባጊዑ ካብቲ ብዝተፈላለየ ሰናይ ተመሲሉ ዝቐርብ ጸረ ስድራ ቤት ካብ ዝዀነ ዝስበኽ ተዅላ ርእየት ክከላኸል ዝተጸውዔ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም ከም ሕያዋይ ጓሳ ዝምዕዱ፣ ሎሚ ካብ ቤተ እግዚኣብሔር ኰይኖም ቡራኬኦም የንብሩልና ከምዝበለዉ ርግጸይና እየ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ኣማኪሎም፣ “ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ድቃስ እንከሎ ይሓልም፣ ኣብ ድቃስ ሕልሙ ድማ ምስ መልኣኽ ይራኸብ፣ እቲ መልኣኽ ድማ ማርያምን ኢየሱስን ካብ ሄሮዶስ ንኸድሕኖም ንጹር ተልእኾ ይነግሮ፣ እቲ ቅልውላው ምስ ኣብቅዔ ናብ እስራኤል ሒዝዎም ክምለስ ይሕበሮ፣ ንቕዱስ ዮሴፍ ኣዚየ ዘፍቅሮ ምዃነይ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እሕብረኩም። ቅዱስ ዮሴፍ ብርቱዕን ብሱል ጽንታ ዝነብርን እዩ። ኣብ ቤተይ ኣብ ዘሎ ናይ ዕዮ ጠረጴዛ ቅዱስ ዮሴፍ ደቂሱ እንከሎ ዘርእይ ስእሊ ኣሎ፣ ደቂሱ ኣንከሎ ንቤተ ክርስቲያን ይከላኸል፣ ከምቲ ንማርያም ኢየሱስን ካብ ሓደጋ ከድሕኖም ብሕልሚ ደቂሱ እንከሎ ዝተቐበሎ መልእኽቲ ዝነበሮ ኩነት ዝገልጽ እዩ። ሓደ ዓቢይ ጸገም እንተሎኒ ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ወረቐት እቲ ሽግር ጽሒፈ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ምስሊ የንብሮ፣ ኢሎም ንድኻታት ክረክብን ምስኣቶም ክራኸብ ናብ ፊሊፒንስ መጺአ ከምዝበሉ ዝዘከሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ፦ “ኣባይቲ ስድራ ንድኻታትን ስደተይናታትን ሕዙናት ዝተሓባበሩን ዘጸናንዑን ኣብ ጸገምን ሽግር ንዝርከቡ ዝድግፉን ክዀኑ ይግባእ። ብዙሓት ብዝተፈላለየ ሽግርን ሰባኣውን ማሕበራዊ ጸገም ተነጺሎም ዝነብሩ እያቶም ነዚኣቶም ንሕሰብ ቀረባኦም ንዅን” ቢሎም ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ መንበሪ ዝኽታማት ማእከል በጺሖምን ምስቶም ዘኽታማት ከምእተራኸቡን ኩነታት ዘኽታማትን ድኻታትን ድማ ልቦም ከም ዝተንከፎም ገሊጾም ቤተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ስድራን ነቢያዊ ድምጺ ክኾና ሓደራ ከምዝበሉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.