2015-01-15 15:38:45

ይቕረ ምብሃሃልን ምምሕሓርን ጥራሕ እዩ ናብ ሰላም ዘብጽሕ


RealAudioMP3 ኣብ ስሪ ላንካ ዝካየድ ዝነበረ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ሓዲግዎ ዝሓለፈ በሰላ ኣመልኪተን ኣባል ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ ኢየሱስን ማርያምን እናቴ ዮጋራኒ ራጃራዛኒ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ስሪ ላንካ ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት እቲ ዝሓለፈ ውግእ ሓዲግዎ ዝሓለፈ በሰላ ብቐሊሉ ክትርስዖ ዘይከኣል ንመላእ ሕይወትካ ዘሰንይ እዩ፣ በቲ ውግእ ዝደመየ ሕዝቢ ስሪ ላንካ ቅዱስ ኣቦና ክቕበልን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክብጻሕን ብሓቂ ዓቢይ ጸጋን ዕድሎትን እዩ፣ ታሪኻውን ናይ ቡራኬን ዓቢይ ኣገዳሲ ኩነት እዩ፣ ንዓሌት ታሚል ጥራሕ ዘይኰነስ ንቺንጋለዝን ንመላእ ሕዝቢ ስሪ ላንካ እዩ ኢለን።
ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝተሰውእዎም ብዙሓት ብዘይ ወለዲ ዝተረፍሉን ኣባላት ስድራ ቤቶም ኣበይን መዓስን ከምዝተቐትሉን ዝተሰውኡን ብዘይ ፈልጡ ብዙሓት ዜጋታት ዝተመአ ከባቢ እዩ፣ ብዙሓት ሕጂ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒይኖም ኣለዉ። በቲ ውግእ ምኽንያት ብዙሓት ኣልቦ ቤትን ንብረትን ኰይኖም እዮም፣ ክሳብ ሕጂ እውን ግዳም ሓደር ኰይኖም ዝተረፉ ብዙሓት እያቶም፣ ስለዚህ ኣብዛ ሃገር መደብ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ግብረ ሰናይን ምክያድ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደ ካብቲ እተበርክቶ ኣገልግሎት ድማ እዩ። እቲ ዝነበረ ውግእ ንዓሌት ታሚል ጥራሕ ዘይኰነ ንቺንጋለዚ እውን ዓቢይ ጸገም እዩ ኔሩ። ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ወትሃደራት ቺንጋለዘ በቲ ውግእ ምኽንያት ዘኽቲሙ እዩ። ብኸምዚ ዓይነት ሽግር ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ስሪ ላንካ ብቕዱስ ኣቦና ክብጻሕ ብሓቂ ምጽንናዕ እግዚኣብሔር ተዓዲሉ እዩ። እቲ ውግእ ሓዲግዎ ዝሓለፈ በሰላ ንሕነ ምፍድዳይ ዝድርኽ ከይኰውን ድማ ይቕረ ምብህሃልን ምምሕሓርን ዕርቅን ይቕረን ምትብባዕ ኣገዳሲ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ድማ ነዚ እዮም ዘተባብዑና፣ ዕርቂ ንሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ መሰረት እዩ ኢለን።
ዕርቅን ይቕረ ምብህሃልን ጥራሕ እዩ ኅብረ ባህልን ኅብረ ሃይማኖትን ዘቃርብ፣ ምክብባር ይቕውም፣ ባህላውን ዓሌታውን ፍልልያት ብምቅርራብ ድማ ሃብቲ ክኸውን ይድርኽ፣ እቲ ፍልልያት ተቐቢልካን ኣኽቢርካን ይቕረ ብምብሃሃል ጥራሕ እዩ ብሓባርን ብሰላምን ንምንባር ዝከኣል እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.