2015-01-15 15:33:14

ኣባ ኪራት፦ ቅድስት ማርያም ዘማድሁ ትእምርቲ ሰላም ንስሪ ላንካ


RealAudioMP3 ቅድስቲ ማርያም ዘማዱሁ ቅዱስ ስፍራ ንማሕበረ ካቶሊካውያን ስሪ ላንካ ዘለዎ ዓቢይ ትርጉም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ እስያ ናይ ዝከታተል መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓላፊ ኣባ ኣንሰልሞ ኪራት ኣብቲ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብ ዝከታተሉ ጉጅለ ልኡካን ጋዜጠይናታት ራዲዮ ቫቲካን ኣባል ጋዜጠይና ሲልቮነ ፕርቶዝ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ማድሁ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረን ዓሌት ታሚል ዝቕመጥሉ ከባቢ ክኸውን እንከሎ ቅድስቲ ማርያም ዘማዱሁ ትእምርቲ ሰላም ተባሂላ እያ እትግለጽ፣ እቲ ከባቢ ናይ ዕርቂ ትእምርቲ እዩ፣ ብዙሓት ካቶሊካውያን ምእመናን እውን ዝርከብሉ ከባቢ እዩ፣ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ኣብቲ ከባቢ እየ ዝቕመጥ ዝነበርኩ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካይድ ብዝነበረ ውግእ ብዘይ ወለዲ ዝተረፉን ዝዘኽተሙን ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝሰኣኑ ብዘይ ኣባይትን ንብረትን ብዝተረፉ ዜጋታት ዝተመልአ እዩ። ዘለዎም እምነት ድማ ብሓቂ ዝነኣድን ኣብነትን እዩ፣ ዕዙዝን ዝነኣድን ሱታፌ ኣብ ቅዳሴን ዘማርን ማሕበረ ክርስቲያን ዝርከበሉን ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝማዕቆብን ኣማላድነታ ዘፍቅርን መርያማዊ መንፈሳውነት ዝዓሰሎ ምዃኑ ገሊጾም። ናይ ሰበኻ ማናር ጳጳስ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘማዱሁ ኣብ መላእ ሃገር ስሪ ላንካ ዑደት ክፍጽም ወሲኖም እዚ መንፈሳዊ መደብ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ድማ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ደው ንምባል ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ሓይልታት ናይ ሰላም ዘተ ተጀመረ። እዚ ድማ ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተዓደልናዮ ዓቢይ ጸጋ እዩ፣ ካብ ውግእ ገላጊላትና፣ እቲ ቅዱስ ስፍራ ትእምርቲ ሰላም ኰይኑ ካብ መላእ ሃገረ ስሪ ላንካ ብዝመጹ መንፈሳዊ ነጋዶ ዘዕለቕልቕ ኰይኑ ንናይ ሰላማዊ ሓባር ናብራ መሰረት ኰይኑ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.