2015-01-15 15:43:34

ብፁዕ ኣቡነ ኣንድራዲ፦ ሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ ንቕዱስ ኣቦና ዘፍቕሩ እያቶም


RealAudioMP3 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስሪ ላንካ ኣመልኪቶም ናይ ሰበኻ ኣኑራድሃፑራ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኖርበርት ማርሻል ኣንድራዲ ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሲልቮነይ ፕርቶዝ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅድም ቀዳድም ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስሪ ላንካ ንሃገርን ሕዝብን ነታ ኣብ ስሪ ላንካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ቡራኬ እዩ። እቲ ኣብ ዕርቅን ዘተን ዘማእከለ ንሰላም ዘተባብዕን ሰላም ኣብ ምሕናጽ ክንተግህ ምሉእ ሓይልና ከነወፍይን፣ እዚ ድማ ብምፍቃርን ይቕረ ብምብህሃልን እምበር ብሕነ ምፍዳይ ዘይምራሕ ደላይነት ሰላምን ሰናይን ዘተሓሳስብ ዓሚዩቕ ንካቶሊክ ማሕበረሰብ ስሪ ላንካ ጥራሕ ዘይኰነስ ንመላእ ሕዝቢ ስሪ ላንካን ከምኡ ድማ መልእኽቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምዃኑ ብዘለዎ ኵላውነት ባህርይ ኣቢሉ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ዝዛረብ እዩ።
ንብዙሃን ክፍሊ ሕብረተሰብን ንውሁዳንን ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝሓስብ መልኽቲ እዩ ምስ በሉ ኣብቲ ንሶም ዝመርሕዎ ሰበኻ ብዝሒ ካቶሊካውያን ምእመናን ምስቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዝኽተሎ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ክነጻጸር እንከሎ ሓደ ሚእታዊ እዩ ዝኸውን። ገለ ገለ ኣዋን ዝረአይ ብናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መኽረርቲ ዝፍጠር ዘርጊ እንተዘይኰኑ፣ ኣብ ኅብረ ባህልን ኅብረ ሃይማኖትን ዘማእከለ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ብሓቂ ሰናይ እዩ። ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ቀጻሊ ርክብን ዘተን ሰለ ዘካይዱ ብሓፈሻኡ እቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ደላይ ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክኸውን የተባብዕ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ማሕበራዊ ናብራ ሰላማዊ እዩ ኢሎም፣ ሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃን መራሕትን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንኽራኸቡ ምስ ዓደምናዮም ብሓቂ ዝተሰምዖም ሓጐስ ልዑል እዩ ኔሩ ምስ በሉ፣ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ እዚዩ ዘሐጐሶምን ኣብ ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ እምነት ከንብሩ ዝገብሮም ድማ ቅዱስነቶም ንዝሳቐዩን ንድኻታትን ዘለዎም ፍሉዩ ፍቕርን ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ከይተሓለሉ ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ዘቕርብዎ ምዕዳንን ቆራጽ ሓሳብን እዩ። ኣብ ፍልስጥኤምን እስርኤልን ቱርክን ኣብ ኣልባኒያን ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ንድኻታትን ሕዙናትን ዘለዎም ፍቕሪ ልዑል ምዃኑ ብምእመናንን ብሃይማኖት ቡድሃ ተፈታዊ ገይርዎም እዩ። ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኻታት እያ። ቅዱስ ኣቦና ፈታው ድኻን ምስ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ዝራኸቡ ብሓባር ዝዝትዩን ብምዃኖም ብዅለን ሃይማኖታት መራሕትን ምእመናንን ተኸባርን ተፈታውን ገይርዎም እዩ።
እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ እምነት ኣጽኒዑናን ኣተባቢዑናን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዝተወለዱላ ሃገር ገና ከይበጽሑ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክበጽሑ ምርኣይ ብሓቂ ይገርም፣ ኣብ ኣርጀንቲና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይድ ድማ እምነ ቢሎም ተልእኾ ኣብ እምነት ምጽናዕ ምእመናን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዀነ ይዅን ሃገር ብዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እምነት እዮም ዘጽንዑ፣ ንመላእ ካቶሊካውያን ዓለም እዮም ኣብ እምነት ዘጽንዑ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.