2015-01-13 15:55:29

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ነጻጊ ባህሊ ውግእ ይወልድ ናይ ምእንጋድ ባህሊ ሰላም የምጽእ


ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ማልታ ልዑል ወተሃደራዊ እዚን ከምኡ እውን ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ወከልቲ ዝርከብዎም ንናይ 180 ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ዕለት 12 ጥሪ ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2015 ዓ.ም. መልእኽቲ ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ኣመልኪተን።
ቅዱስነቶም እቲ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዘድምን ዘሳቕን ዘሎ ውግእን ውጥረትን ግጭትን ዝወልዶ ስእነት ሰላምን ስእነት ምርግጋእን ኣማእኪሎም ዘስምዕዎ ዘረባ ሰላም እቲ ዝለዓለ ክቡር ዋጋ ምዃኑ ዘተሓሳስብን እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ መብልዒ ማል ናይ ንጽገትን ዘይምቕባልን ባህሊ ዘመልክት፣ ኢየሱስ ከም ሓደ ግኡዝ ነገር ዝተራእየሉን እቲ ነጻጊ ባህሊ ዘጉልሕ ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ንፍጥረት ዘርኢ ሰብን ንእግዚኣብሔር እውን ዘርሕቕን ኣይፋልን ዝብልን ዓመጽን ሞትን ዝወልድ ነጻጊ ባህሊ ኰኒኖም፦ “በቢ ዕለቱ ዝንገር ማእለያ ዘይብሉ ጸብጻብ ፍጻሜታትን ዜናታትን ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ፓሪስ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቀት ኣብ ሕልናናን መቓልሕ ሓዘን እዩ። ፍጥረት ሰብ ካብቲ በዓል ቤት ነጻነት ካብ ምዃኑ ሓንሳብ ናይ ዝተፈላለየ ኣገባባት ሓንሳብ ናይ ስልጣን ሓንሳብ ናይ ሃብቲ ገንዘብ ገለ ገለ እዋን ድማ ናይቲ ግጉይ ሃይማኖታዊ ኣገባብን ናይ ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ናይ ጊሊያነት ተግባራት ግዙእ ይኸውን፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ዅሉ ተጻብኦነትን እቲ ብምግባረ ብልሽውናን ዝተበከለ እንተዘይኰይኑ ሰላም ንምስዓብ ዝድርኽ መገዲ ሰናይ ክርኢ ዘይኽእል ልብን ብቐጻሊ ዝረአይ ዓመጽን እናተዀላለፈ ዝካየድ ውግእ ዓለምን ምስ እዚ እተሓሒዞም ኡክራይን ጠቒሶም፦ ተጻባኢነትን ውግእን ሁከትን ንምግታእ ኣብ ዘብቅዕ መዳይ ኵሉ ሓይሊ ኣብቲ ናይ ሓባር ዘተ ከድህብ ሓደራ እብል” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን፦ “ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ቅድም ቢሉ ነጻጊ ባህሊ እናስፍሔ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዘስካሕክሕ ህልቂት መጋበሪያ ንገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር እውን ዝነጽግን እግዚኣብሔር ኣብ ሓደ ርእየት ዓለም ዝቕይድ እዩ። ማሕበርሰብ ዓለም ኣብ ቅድሚ እዚ ዓይነት ኵነት ዘይምግዳስ ከየርእይን መራሕቲ ሃይማኖታትን ናይ ፖለቲካን ምሁራት ኣካላትን ብፍላይ ድማ ናይ ምስልምና ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ፖለቲካን ምሁራት ኣካላትን ብሓባር እቲ ግብረ ዓመጽ ምኽንያታዊ ዝግበር ኩሉ ዓይነት ትርጉም ኣኽራርነትን ቀጥዒ ኣልቦ ሕሉፍ ሃይማኖት ክቃወሙ እላበው” ቢሎም እታ ዓመጽ ዝረኣየላ ናይጀሪያ እውን ጠቒሶም “እቲ ንዅሉ ሕዝቢ ናይጀሪያ ዘድምይ ዘሎ ዓመጽ ሕጂ እውን ዝቕጽል ዘሎን ሰባት ናይ ምጭዋይን ምዕጋትን ዝኣመሰሉ ብፍላይ ድማ ደቀ ንስቲዮ ንዝተፈላለየ ጸያፍ ተግባር መጋበርያ ክኾና ኣሚቱ ዝፍጸም ግብረ ምጭዋይ ዝረአየላ ሃገር፣ እዚ ዓይነት ጽሉእ ንግድ ክቕጽል ዘይብሉ ጸያፍ ተግባር እዩ። እዚ ጸያፍ ተግባር’ዚ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ልዑል ክብሪ ዝግህስን ውሳጣዊ ምዃናን መንፈሳውነት ክብራ እውን ከይተረፈ ዝዕምጽ ተግባር ጠሪሹ ካብ ሓንጎላ ንሓዋሩ ክትኣልዮ ዘይከኣላ ስምብራት ዘንብር ማሕበራዊ ሳዕቤኑ እውን ኣዚዩ ልዑል እዩ። ምእንቲ’ዚ ነዘን ናይ ከምዚ ዓይነት ጸያፍ ተግባር ኣደዳ ዝዀና ዜጋታት ምንጻግን ዘይምግዳስን ብፍርሒ ካብ ምጥማት ብምልቓቕ ንኻልእ ብናይ ምቕባል ባህሊ ዝተሰነየ ምትሕብባርን ደገፍን ክግበረለን ይግባእ” ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ስድራ ቤት ቤታውን ሰብኣዊ ምትእስሳር ዝበትኽ ዋሕዲ ውላድ ዝብል ባህሊ ዘስፍሕ ስድራ ቤት ዘይኰነስ ምእንቲ ናይ ማሕበራዊ ረብሓ ስድራ ቤት ዝድግፍ ናይ መንግስቲ መምርሒታት ካብ ምቛም ዝርሕቑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ብሄረ ምዝማድ ሕሉፍ ርእሰ ፈታውነትን ንኣይነትን ዘተባባዕን ዝድግፍን ነጻጊ ባህሊ ናይ ዘተኣታትው ተግባር ቐንዲ ዒላማ ስድራ ቤት እያ” ምስ በሉ ሕዝቢ ኢጣሊያ በቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኩነት ተደሪኹ ካብቲ ንመጻኢ ወለዶ ምንጪ እማኔ ዝዀኖ ናብ ሰላም ዝመርሕ ተግባራት ከይቦክርን ናብ ግጭትን ዓመጽን ከየድሃበ እቲ ናይ ባህላ መሰረት ዝኾነ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ምድግጋፍን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ኣብ ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ክትጸንዕ ኣተሓሳሲቦም፣ ናብ እስያ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 19 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ጠቒሶም ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ኰርያ ናይ ሓባር ዘተ ክተባባዕ ሓደራ ቢሎም፣ ኣብዚ ዝተኣትወ ሓድሽ ዓመት 2015 ዓ.ም. ጠመተና ኣብ ተስፋ ቍርጸትን ሰናይ ክመጽእ ቢልካ ዘይሕሰብ እዩ ኣብ ዝብል ፈተና ከየውድቕና ናይ ምርኻብን ዘተን ባህሊ ከነተባብዕን ናይ ርክብ ባህሊ ዝከኣል ምዃኑ ድማ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ኵይባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተበገሰ ሓድሽ ርክብ ከምዘረጋግጾ ሓቢሮም፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ጓንታናሞ ቤት ማእሰርቲ ንምዕጻው ዝወሰዶ ውሳኔ ዝነኣድ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ቡርኪናፋሶን ፊሊፒንስን ኮሎምቢያን ቨነዝዋላን ከምኡ እውን ኣብ ኢራን እቲ ኣብ ኑክሊየስ ዘማእከለ ዘተ ናብ ናይ ሓባር ስምምዕ ከብጽሕ ብተስፋ ተመንዮም ድሕሪ ፍጻሜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምቛም ዕላማ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘኪሮም፣ መደብ ልምዓትን ክንክን ናይ ከባቢ ኣየርን ኣብ ዘተኰረ ተግባር ክተግህ ተላብዮም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.