2015-01-10 15:42:31

ስሪ ላንካ፦ ማኢትሪፓላ ሲሪሰና ሓደሽ ርእሰ ብሔር


RealAudioMP3 ኣብ ስሪ ላንካ እቶም ብ51.3% ሕዛባዊ ድምጺ ዝረኸቡ ማይትሪፓላ ሲሪሰና ኣብ ልዕሊ እቶም ንሳልሳይ ሳዕ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ንኽኾነ ዝወደሩ 47.6% ሕዝባዊ ድምጺ ዝረኸቡ ማሂንዳ ራጃፓክሳ ተዓዊቶም ናይታ ሃገር ብወግዒ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ንምዃን ከምዝበቕዑ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግልቶ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብታ ሃገር ዝቐውም ሓድሽ መንግስቲ ናይ ሰላምን ናይ መላእ ሕዝቢ ምዕባለ ዝውሕስ ክኸውን እቲ ዝተኻየደ ሓድሽ ምርጫን ዝረጋገጾ ውጽኢት ምኽንያት ካብ ጎረቤት ስሪ ላንካ ሃገረ ህንድን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ናብ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ማይትሪፓላ ሲረሰና ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ከምእተመልከትን ኣብቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝተሳዕሩ ነበር ርእሰ ብሔር ማሂንዳ ራጃፓክሳን ክስዕሩ ዝነበሮም ተስፋ ነቲ ናይ ሕዝቢ ድላይ ንዘረጋገጾ ውጽኢት ዝግዛእ ምዃኑ ድሕሪ እቲ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ተቖጻጻሪ ድርገት ዝሃቦ ጸብጻብ ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ምኽንያት ከምዝገለጹ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፣ ኣብ ስሪ ላንካ ምስ ታይገር ታሚል ንነዊሕ ዓመታት ዝካይድ ዝነበረ ውግእ ከብቅዕ ዝገበሩ ነበር ርእሰ ብሔር ራጃፓክሳ ክስዕሩ እዮም ዝብል ዓቢይ ግምት ከምዝነበረ ክምልከት እንከሎ ኣብቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝሰዓሩ ሲሪሰና ቅድም ክብል ኣካይደምዎ ኣብ ዝነበረ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ኣበርቲዖም ክቃለሱን ናይ ሕግን ፍትሕን ስልጣን ናይ ማንም ፖለቲካ ጽልዋ ዘይብሉ ናጻ መንግስታዊ መዋቕር ኰይኑ ንሃገርን ሕዝብን ዘገልግል ክኸውንን ኣበኪሮም ክዓዩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ከምዝነበሩን ኣመልኪቱ፣ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ካብ ናይ ህንዲ መራሔ መንግስቲ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩምን ሰናይ ምጅማር ኣገልግሎት ምንዮት ዝተነብሮን ንናይ ሰላምን ምዕባለን ስሪ ላንካ ናይ ሃገረ ህንዲ ምትሕብባር ዘረጋገጽ መልእኽቲ እንከተሓላልፉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ከርይ ናይ ሃገሮም ምትሕብባር እውን ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.