2015-01-06 10:54:23

ብፁዕ ኣቡነ ስታሊያኖ፦ ግልጸት፣ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሰብ ናይ ዘለዎ እምነት መርትዖ እዩ


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 6 ጥሪ 2015 ዓ.ም. በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ከምዘብዓለት ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10 ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር እውን ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም።
በዚ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኖቶ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ስታሊያኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ በዓለ ግልጸት የዕንትና የዕንቲ እምነት እንኸፍተሉን፣ እቲ ናይ እምነት ሓቂ ከነስተንትን ናይ እምነት የዕንትና እንኸፍተሉ ዕለት እዩ። እቲ ሓቂ ድማ ናይ ሰብ ግርማን ዕብየትን ዝገልጽ እዩ። ወልደ እግዚኣብሔር ሕጻነ ኢየሱስ ናይ ሰብኣውነት ዕብየት ግልጸት እዩ። ግርማን ዕብየትን ሰብኣውነት፣ እቲ ቃል ስጋ ለበሰ እዚ ድማ ስጋ ብቕዓት እግዚኣብሔር ለበሰ ማለት እዩ፣ ነዚ ዘብቅዖ ድማ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምዃኑ ስለ ዝገልጽ እዩ። ስጋ ማለት ኣብ ግዜን ስፍራን ምንባር ማለት እዩ። ምስ ካልኦት ተራኻብነት ምንበር ማለት እዩ፣ ተራኻብነት ማለት እዩ፣ ስለዚህ ግልጸት፣ እግዚኣብሔር ዘዘንትውን ብዛዕባና ብዙሕ ዝንታወ እዩ። ሰብኣውነትና ኣብቲ ዝተሰግወ ቃል ዝተሓስበ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ዓቢይ ናይ እምነት ምስጢር እዩ ኢሎም።
እቶም ናይ ስነ ከዋኽብቲ ተመራመርቲ ሰብ ጥበብ ንኢየሱስ ክርእዩን ምሳኡ ክራኸቡ ናብቲ ጐይታ ዝተወልደሉ መብልዒ ማል ይኸዱ፣ በዓለ ግልጸት እዚ ኵነት’ዚ ዝገልጽ፣ ርክብ ሰብ ጥበብ ምስ ጐይታ፣ እቲ ናትና ናብ ኢየሱስ ምኻድ እነብዕለሉ ዓቢይ ዕለት እዩ፣ እቲ መብልዒ ማል መስትያት ናይቲ ሰብኣውነት ዕብየትን ውህበት ውበትን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ እቶም ሰብ ጥበብ ናብ ጐይታ ዝኸዱ። “ኢየሱስ ናይ ሕይወትና ዓቐንን ሚዛንን ንስኻ ዅን” ከም ዝበልዎ እዩ ዘስምዕ። ከምኡ ድማ ኣንሕና ኣመንቲ ናብቲ መብልዒ ማል ኢየሱስ ክንርኢ ክንከይድ እንከለናን ኣብ ቅድሚ እቲ ሕጻን ኢየሱስ ክንርከብ እንከለና፣ ናይቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ምውላዱ ዘዘንትዎ ጭቡጥ ምስሊ ጽባቄ ንምድናቕን ደጋዊ ርክብ ንምንባር ዘይኰነስ፣ እቲ ኣብቲ መብልዒ ማል ዘሎ ጭቡጥ ታሪኽ መግለጺ ሰብኣውነት ንምስትንታን እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ናብቶም ዝተናዕቁን ብቑርን ኣስሓይታን ድኽነትን ሕማምን ዝተጠቕዑ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ደጋዊ ክፍሊ ኅላዌ ንዝርከቡ ዜጋታት ንበጽሕ፣ ግልጸት እቲ ሓድሽ መገዲ ዝተረጋገጸሉን ናይ ምትሕስሳብን ተኻፊልካ ምንባር ምልክት፣ ብዓብዩ ናይ ፍቕሪ ናይ ሕውነት ናይ ሱታፌን ምሕዝነትን ሰላምን ምልክት እዩ። ግልጸት እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሰብን ንሰብን ዘለዎ እምነት ምርትዖ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.