2015-01-06 18:11:38

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ 20 ሐደስቲ ብፁዓን ጳጳሳት ካርዲናላት ሰይሞም ፡


RealAudioMP3 ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እንቋዕ ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም አብጻሐኩም ፡
ጳጳስ ዘመንበረ አስመራ ብፁዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ከምኡ ክአ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያን ኢትዮጵያ ሊቀ መንበር ረኪበ ጳጳሳትን ብጹዕ አቡነ ብርሃነ የሱስ ሱራፊኤልን ንልደተ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተሐላለፍዎ ቡራኬን መልእኽትን ክተከታተሉ ንዕድምኩም:
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ምስ ዝተረኸቡ ምእመናን ሐቢሮም ሰንበታዊ መልእክተ እግዚአብሔር ጸሎት ደጊሞም ።ፓፓ ፍራንቸስኮ ድሕሪ ፍጻሜ መልእከ እግዚአብሔር ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ የካቲት ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን 15 ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ሐሙሽተ ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎም 20 ሐደስቲ ካርዲናላት ከም ዝስየሙ ወግዓዊ መግለጺ ሂቦም። እቶም ሐሙሽተ ናይ ምምራጽ ዘይብሎም ሐደስቲ ካርዲናላት ንቤተ ክርስትያን ክብ ዝበለ አገልግሎት ዘበርከቱ ከርም ዝኾኑ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐብሬታ ሂቡ ።
እዞም ዕስራ ሐደስቲ ካርዲናላት ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ የካቲት ዕለት 15 ብኢድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሲመተ ካርዲናልነት ብወግዒ ከም ዝቅበሉ ተፈሊጡ አሎ ።
20 ሐደስቲ ካርዲናላት ካብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ዝተዋጽኡ ከም ዝኾኑ ክምልከት ከሎ እዚ
ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ዙርያ ዓለም ምስ ዝርከባ አብያተ ክርስትያናት ዘለዋ ጥብቂ ምትእስሳር ዘመልክት ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አገንዚቦም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብቶም ካርዲናል ዝተሰየሙ 20 ሐደስቲ ብፁዓን ጳጳሳት ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያን ኢትዮጵያ ብጹዕ አቡነ ብርሃነ የሱስ ሱራፊኤል ከም ዝርከብዎም ክዝከር እንከሎ ፡ ራድዮ ቫቲካን ክፍሊ ትግርኛን አምሐርኛን እንቋዕ ንስያሜ ካርዲናል አብጻሕኩም ይብል ።ብፁዕ አቡነ ብርሃነየሱስ ሱራፊኤል ብግዕዝ መራሕ ዕለት ብ7 ሐምለ 1940 በጨለለቃ አብ ሐራርጌ ተወሊዶም ብ27 ሰነ 1968 መዓርገ ጵጵስና ዝተቀበሉ ወሪ ጥሪ ዕለት 7 1990 ሲመተ ጵጵስና ዝተቀበሉ 3 ታሕሳስ 1992 ናይ ሰበኻ አዲስ አበባ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ከም ዝተሰየሙ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.