2015-01-03 15:59:39

ጋና
ብፁዓን ጳጳሳት ጋና ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ኢግብረ ጋባዊ ሕይወትን


RealAudioMP3 ምግባረ ብልሽውናን ምስፋሕ ዕጸ ፋርስን ኢግብረ ገባዊ ሕይወትን ንሃገረ ጋና ዓቢይ ስግኣት ምዃኖም ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብናይ ኮኖጎ ማፖንግ ጳጳስ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኦሰይ ቦንሱ ፊርማ ዝተነብሮ መልእኽቲ ብምኽንያት በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ከምዘመሓለለፈ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ ኣፍሊጡ።
ምስፋሕ ምግባረ ብልሽውና፦ እቲ ንጋና ኣዚዩ ዝሃስይ ዘሎ ናይ ብላዕን ቀጻሊ ምድንጋራትን ባህሊ ዘስፍሕ ዘሎ ዓቢይ ሃገርን ሕዝብን ንሓደጋ ዘቃልዕ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣባይቲ ፍርድን ደያኑን ኣባላት ሃይሊ ጸጥታን ሓይሊ ምክልኻልን ኣባይቲ ጽሕፈትን ክሳብ መጋብያን ንዅሉ ዝትንክፍ ንሃገር ዝብክል ዘሎ ኢግብረ ገባዊ ልምዲ እንተትውገድ ጋና ካብቲ ዘላንትሉ ኣዚያ ብልጽቲ ሃገር ምስ ኰነት ዝብል ሓሳብ ዝሰፈሮ መልኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ጋና ኣስዒቡ፦ ምስፋሕ ዕጸ ፋርስን ናይ መስተ ኣልኰል ውሉፍነት ኩነት ኩሉ ብዘይሸለልተይናነት ብሓቂ ተጊሁ ክዋጋእን ክርስቲያን ኣስላምን ናይ ቡድሃን ሂንዱን ሺንቶይን ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ባህላዊ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ኵሉ እቲ መሰረተ ሃይማኖት ዝዀነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታት ዝርከብ ናይ ግብረ ገብ መምርሕን መሰረትን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ነቲ ምግባረ ብልሽውና ጸረ መጻኢ ሃገር ዝዀነ ተግባር ክዋጋእ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም እምነትንካን ሃይማኖትካን ብትኽክልን ቅንዕናንን ንምስዓብ ንምንባርን ንኹለን ሃይማኖታት ሰዓብቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቀሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ጋና ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ውሉደ ክህነት ካህናትን ገዳማውያንን ወንጌላዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ንምጪ እቶት ከይገብርዎን፣ እቲ ዘወፍይዎ ኣገልግሎት ናይቲ ብነጻ ዝተዓደልዎ ምድሓን ኣምላኽ መጋበርያ ምዃኑ ክርድኦ ብምትሕስሳብ፣ ዝህብዎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ዘቃልሕን ዘበስርን ክኸውን ኣለዎ። ናይ ምእመናን ጽቡቕ ድላይ ንናይ ውልቃዊ ረብሓ መጋበርያ ከየውዕሉ እውነተይና ኣገልግሎቲ ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቤተ ክርስትያንን ንቤተ ክርስቲያንን ክዀኑ ዓቢይ ጸዋዕታ ብምንባር መሰኻኽር ሓቂ ክኾኑ ብዝብል ሓሳብ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከምዘጠቓሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግልቶ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.