2015-01-03 17:23:04

ብጸሎተ ማቶኒ ሰላም ክህነጽ ይክአል : ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ :


RealAudioMP3
ብጸሎተ ማቶኒ ሰላም ክህነጽ ይክአል ኢዩ ፡ ሰላም አልቦ ክንበር አይክአል ኢዩ “ሞ ኩሎም ክርስትያንን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ንሰለም ክቆሙ ሰላም ክሰፍን ክጽዕሩ ከም ዘድሊ ጽሎት ምንጪ ሰላም ስለ ዝኾነ ክአ ጸሎት ከም ዘድሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድሚ ትማሊ ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ መልአ እግዚአብሔር ጸሎት ክደግም ዝተአከበ ህዝበ ክርስትያን ከም ዘተሐሳሰቡ ይዝከር ።ናይ ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ናይ ወጻኢ ጉዳያት አውራ ሐላፊ ፕሮፈሶር አልበርቶ ኳትሩቺ ሰላም ብዚምልከትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰላም ብዚምልከት ዘስምዕዎ ቃልን አተኲሮም መግለጺ ሂቦም።
አብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝተአወጁን ዘይተአውጁን ግጭታት ያካየዱ ከም ዘለዉ ብጠንቂ ግጭትን ጭቆናን ማሕበረ ሰባት ይበታተኑ ከም ዘለዉን እዚ አዝዩ ዘሕዝን ከም ዝኾነንን ዘመልከቱ ፕሮፈሶር ሮበርቶ ኳርቱቺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾነ ይኹን ግጭት ወይ ክአ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ሕይወት ሰባት ብኸንቱ ክጠFኣ ከም ዘይብብሉ ባህሊ ዘተን ምጽውዋርን ክምዕብል ዘተኮረ አባታዊ ምኽር ከም ዝለገሱ አገንዚቦም። ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ዓመት ሐደ ግዜ መባእታ ሐዲሽ ዓመት ወርሒ ጥሪ ዕለት ሐደ ዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም አኽቢራ ከም ትውዕል ዘኪሮም ክአቅድሚ ትማሊ ሐሙስ መባእታ ሐዲሽ ዓመት 20015 ናይዚ ዓመት”ዚ ዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም ክብ ብዝበለ አገባብ አክቢራ ከም ዝውዓለት ጠቂሰም አርእስቲ ናይዚ ዕለት”ዚ ባርነት ይገታእ ሕውነት ይማዕብል ዝብል ከም ዝነበረ ዘኪሮም ወዲ ሰብ ካብ ናይ ኲናት ባርነት ካብ ኩሉ እኩይ ነገራት ርሒቁ ንሰላም ከቋምት ተሐሲቡ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።
ባርያ ባራዩ ባርነት እዚ ቃል”ዚ ነቲ ቅድሚ ብዙሕ ክፍለ ዘመናት ዝነበረ ዝሐለፈ ነገር ዘዘክር ይምሰል ይኸውን ዝበሉ ፕሮፈሶር ሮበርቶ ኳርቱቺ አይፋል ብሐዲሽ መልክዕ ሰፊኑ ዘሎ ዘበናዊ ባርነት ከም ዘሎን እዚ ክግታእ ከም ዘለዎን አገንዚቦም።
ውግእ ንወዲ ሰብ አብ ባርያ ከም ዝልውጥ ብዙሐት ዝተፈላለዩ መንግስታት ንህዝቦም ብባርነት ከም ዝሕዝዎ ብዘይ ሕጊ ሰባት ካብ ሐደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምዝውዋር ምሻጥ ምልዋት ውሽጣዊ አካል ሰባት ምሻጥ ንዓቅመ ሔዋንን አዳምን ዘይበጽሑ ሕጻናት አብ ውትህድርና ምኽታብ ዝአመሰሉ ሰብአዊ መሰል ሰባት ዝግህሱ ተግባራት ከም ዝርአዩ ክአ ገሊጾም። ዱልዱል ዝኾነ መሰረተ ሰላም ንምህናጽ አብያተ ትምህርቲ ሰላም ክብዝሑን ሐቀይናን ትርጉም ሰላም ክምህሩን መሳርሒ ሰላም ንምኳን ዘድልዩ አምራት ከማዕብሉን ባህሊ ሰላም ክብቡር ባህሊ ከም ዝኾነ ከገንዝቡን ከም ዝግባእ ናይ ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ተጸዋዒ ፕሮፈሶር ሮበሮ ኳርቱቺ አፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.