2014-12-30 16:04:21

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ስዊዘርላንድ፦ ሓደስቲ ግብረ ባርነት ምውጋእ


RealAudioMP3 ናይ ስዊዘርላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሕዝቢ ዓለም ንሞትን ሕስረትን ዝዳርግ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ ጸረ ሰብኣዊ ጸያፍ ተግባር ዘስፍሕ ዘሎ ሓደስቲ ግብረ ባርነት ምውጋእን ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ጻውዒት መሰረት ገይሩ ብናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማርኩስ ቡከል ኣብ ናይ ሓደስቲ ባርነት ግዙኣት ዘይኰነስ ኣሕዋት ኢና ኣብ ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ብወግዒ ዝመሓላለስፍ መበል 48 ዓለም ለኻዊ መልእኽቲ ሰላም ጠቒሱ ንናይ’ታ ሃገር ፈደራላዊ ሕዝባዊ ባይቶ ብሓባር ግብረ ሓደስቲ ባርነት ንዋጋእ ዝብል ክፉት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ስዊዘርላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ የመልክት።
ኩሉ ኣብ ጸረ ሓደስቲ ባርነት ተግባር ክተግህ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት ከኽብርን ክለብስን ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ዘቃልሔ ክፉት መልእኽቲ ብፁዕ ኣቡነ ቡከል ምዝመዛን ኣድልዎን ብፍላይ ድማ ሃብቲ ገንዘብ ንምድላብ እናተብሃለ ዜጋታትን ስደተይናታትን ዘይሕጋውያን ስደተይናታት መጻኢ ዘይብሎም ዘትርፍ ምዝመዛን ብዙሓት እውን በቲ ዘጓነፎም ድኽነት መነባብሮ ናይ ውሽጢ ስበነት ኣካላቶም ከይተረፈ ክሳብ ኣብ ንግድ ዘውዕሉን እዚ ተግባር’ዚ ዘተባብዑን ብዙሓት መንእሰያት ናይ ዝተፈላለየ ውግእን ግጭት መጋበርያ ክኾነ ብስገዳድ ኣብ ናይ መንግስትን ናይ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይሊ ወተሃደራት ክዀንን ብዙሓት ኣብቲ ጸያፍ ሕይወት ኣመንዝራነት ዝዳርግ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኩሉ ብሓባር ክዋጋእን ብፍላይ ድማ መንግስታት ነዚ ጸያፍ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክዋግኡ ነዚ ጸያፍ ተግባር ብምክትታል ነቶም ናይዚ ተግባር ኣለምትን ፈጸመትን ንምቁጽጻር ብቑዕ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ከቑሙ ከምዘተሓሳሰቡ ናይቲ ቤት ምኽሪ መግለጺ የመልክት።
ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ናይ ሰላም መልእኽቲ ዝበልዎ ናይቶም ናይ ሓደስቲ ባርነት ኣደዳ ዝዀኑ የሕዋትን ኣሓትን መጻኢ ተሓተቲ ኩላትና ኢና ምእንቲ’ዚ ይብሉ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ስዊዘርላንድ ኩሉ በቢ ሓላፍነቱ ነቲ ጸረ ሰብኣዊ ጸያፍ ተግባር ተጊሁ ክዋጋእ መታን መንግስቲ ነዚ ቅዱስ ተግባር ዘሰንይ ኵለ መዳያዊ ምትሕብባር ክገብርን ብፍላይ ድማ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝምልከት ሕጊ ነቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብተዘዋዋሪ መገዲ ዘተባቦ ከይከውን ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መትከል ዝቖመ ኰይኑ ስደትን ድኽነትን ንናይ ገበን ጉጅለታት ጸያፍ ተግባር ልሙዕ መሬት ከይከውን ድኻታትን ስደተይናታትን ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝቖመ ክንክንን ደገፍን ክግበረሎም ናይ ስዊዘርላንድ ብፁዓን ጳጳሳታ መልእኽቲ ሓደራ ቢሉ፣ ምግባረ ብልሽውናን ዘይሕጋውነትን ብግብረ ሠናይን ግብረ ገብን ሕጋውነት ብምንቕቓሕ ኩሉ በቢ ሓላፍነቱ እንተድኣ ክዋጋእ ተጊሁ ነቲ ንሓደስቲ ባርነት ዝዳርግ ተግባር ዕድል እናጽበበ ኣብ ምውጋዱ ዓቢ ኣስተዋጽዖ ከምዘበርክት ዘየጠራጥር ምዃኑ ዘመልከተ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት መልእኽቲ መንግስታት ብሔራውን ዓለም ለኻውን ስምምዓት ብምኽባር ኩሉ ጸያፍ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኣብ ምውጋእ ክተግሁ ብምትሕስሳብ ኣብ ጸረ ሓደስቲ ባርነት ተግባር ኵሉ ይትጋህ እንክብሉ ናይ ሰላም መሰረት ፍትሒ እያ ብዝብል ሓሳብ ክፍት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.