2014-12-29 12:38:26

ብኣባ ንጉሠ ፍሥሓን ብኣባ ሙሴ ተሰፋዮሓንስ - ሲታዊን


ዘመነ ምጽአት- ብኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
ንባባት፡ ኢሳ. 40፡3-4; ሉቃ 3:3-14፥ ማር 13፡33-37
RealAudioMP3
ከም ስርዓት ሃገርና ካብ ኅዳር 15 ክሳብ ታሕሣሥ 29 ዘሎ ጊዜ ዘመነ ምጽአት ወይ ዘመነ ስብከት ይብሃል። ቃል ንቓሉ ክንርእዮ ከሎና ንብዓለ ልደት ብመንፈስ ተቐሪብና ክንጸንሕ ኢልና እንገብሮ ምስንዳው ወይ ምቅርራብ አብቲ ነብያት ቅድሚ ዘመናት ዝተነበይዎ መሰረት ገርና እናአስተንተናን እናጸለናን እነሕልፎ ጊዜ እዩ። ሰብ ብባህሪኡ ዓቢ ጋሻ ወይ ዝፈትዎ ሰቡ ክመጽኦ እንተ ኾነ ይሰናዶ ነቲ ጋሻ ይግባእ ወይ የሓጉሶ ኢሉ ዝገመቶ ምቅርራብ ይገብር። ግዚኡ ገንዘቡ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ኩሉ ይገብር። ዓቢ ጋሻ እንተ ኾነ ፍሉይ ምቅርራብ ይግበር፥ ከይንሓፍር አጋይሽ ከይ ክዕቡና ተባሂሉ ዝክአል ይግበር እዚ ንኸማና ዝበሉ ሰባት እንገብሮ ምቅርራብ እዩ።
አብ መንፈሳዊ ሕይወት ብፍሉይ እንእመነሉ ነገር እንተ ሎን ንሕና ድኹማት ስለ ዝኾና ኩሉ ጊዜ ዘዘኻኽር ከምኡ ዝሕግዝ የድልየና። ከምኡ ንሓደ ነገር ብግቡእ ክንገብሮ ክንቅረበሉ ክንሰናደዉሉ ክንሓስበሉ አሎና እዚ ኸአ ብኽልተ ምኽንያት እዩ መጀመርያ ድኹማት ውሱናት ስለ ዝኾና ጽቡቕ አፍልጦ ክህልወና ካልአይ እቲ እንገብሮ ፍረ ክህልዎ ተሰናዲና ክንገብሮ አሎና ሽዑ ብመጠኑ ምትእምማን ንገብር። ብሃንደበት ከይተሰናዶና እንገብሮ ኩሉ ጊዜ ጎደሎ እዩ ካብዚ ክንድሕን ኢላ ቤተ ክርስትያን ነዚ እዋን ምጽአት ብዓቢ ምስንዳው ክንፍጽሞ ትላበወና። ንክርስቶስ ዝኸውን ልቢ ሒዝና ክንጸንሕ ንሕተት አሎና።
ዓቢ ጋሻና ዝኾነ ክርስቶስ ልደቱ ክንዝክር ክነብዕል ንቀራረብ አሎና እንታይ እዩ እቲ ክንቅረቦ ዝግብአና ዘመነ ምጽአትከ እንታይ ክንገብር ይሓተና አስተንትኖን አስተምህሮን ዝሓዘ መልክዕ ገርና ክንርእዮ። ምሉእ ብሉይ ኪዳን ናይ ምጽአት ጊዜ እዩ። ካብታ አዳምን ሔዋንን ዝወደቑላ ንድሓር ዝነበረ ኩሉ ዘመን ምጽአት እዩ። ነብያት ነዚ ሰበኹ ህዝበ እስራኤል ብምልኡ ነዚ ብተስፋ እናተጸበየ ሓሊፉ፥ አብ መወዳእታ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ዮሓንስ መጥምቕ ክርስቶስ ቅድሚ ስብከት ምጅማሩ አብ በረኻታት ይሁዳ ንምጽአት መስሕ ንህዝቢ የሰናዱ ከምዝነበረ ወንጌላውያን ይነግሩና። አብ በረኻታት ይሁዳ እዩ ዝሰብኽ ዝነበረ አብ ከተማታት አይ ኮነን እዚ ምስቲ ደቂ እስራኤል አብ ምድረ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም አብ በረኻ ንአርብዓ ዓመት ኮለል ዝበለዎ የዘክረና። ንሶም አብ በረኻታት ኮለል ዝበሉ አብ አምላኽ እምነት ስለ ዘጉደሉ እዩ ካብቶም አብ ግብጺ ዝተወልዱ ዓበይቲ እያሱን ካሌብን ጥራሕ እዮም ንምድረ ተሳፋ ሰጊሮም ዝአተዉ። በረኻ እምብአር ቦታ ንስሓን ምንጻሕን ንበደልካ አብ ጽምዋ ቦታ ሕልናኻ አቲኻ ምስ አምላኽ ዕርቂ ምግባር እዩ። ንዮሓንስ እቶም ህዝቢ አብ በረኻ ይመጽእዎ ነሮም ንሕና ምናልባት አብ በረኻ ክንከይድ ግድን አይ ኮነን ግን አብ በረኻ ሕልናና አቲና ንአምላኽ ዝበቅዕ ሕልና ሕይወት ክንፈጥር አብዚ ቅዱስ እዋን ምጽአት ፍሉይ ምስንዳው የድልየና።
አብ ታሪኽ ስርዓት ልጡርግያ እንተ ረአና አብተን ቀዳሞት ዘመናት ፍሉይ ስርዓት ወይ አገባብ ነሩ ክንብል አይንኽእልን ካብ 4ይ ክፈለ ዘመን ንድሓር ግን ንብዓለ ልደት ንምዝካር ምቅርራብ ይግበር ከምዝነበረ ዝሕብር ጽሑፋት ብራናታት ንረክብ። አብ ገለ ስብከታት አበው ንብዓለ ልደት ምስንዳው ይግበር ከምዝነበረ ክጥቀስ ንርእዮ። አብ ስርዓት ላቲን አብ 590 ዓ.ም. አብ ዝተገብረ ሲኖዶስ ሰኑይ ሮቡዕ ዓርቢ ካብ ኅዳር 11 ክሳብ ልደት ዘሎ ብጾምን ጸሎትን ክዝክርዎ ከምዝተወሰነ ንረክብ። አብ ስርዓትና ብርግጽ አበናይ እዋን ከምዝጀመረ ዝሕብር የብልናን ግን አብ ገዳማትን አብ ዓበይቲ ደርብታትን ከምዝጀመረ ዘጠራጥር አይ ኮነን። ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ አብ ክልቲኡ ስርዓታት እቲ ምቅርራብ ንብዓለ ልደት ዝግበር ብጾምን ንስሓን ልክዕ ከምቲ አብ ጊዜ ጾም ፵ ዝግበር ከምዝነበረ ታሪኽ ይነግረና።
አብ ስርዓት ሃገርና እዚ እዋን “ስብከት ወይ ምጽአት” ተባሂሉ ይፍለጥ። ካብ ኅዳር 6 ጀሚሩ ዘሎ እዋን ንምጽአት ክርስቶስ እንሰናደወሉ እዋን እዩ። ካብ ኅዳር 15 ክሳብ ታሕሣሥ 29 ዘሎ ን44 መዓልታት ብጾምን ጸሎትን ንዝክር። አብ ዘመነ ዮሓንስ ልደት 28 ታሕሣሥ ስለ ዝውዕል ዘቅበላ 14 ኅዳር ይኸውን። እዚ እዋን ዝጽወም ጾም “ጾመ ነብያት” ተባሂሉ ይፍለጥ። አብቲ ነብያት ንምጽአት መስሕ ዝተነበይዎ መሰረት ገርና እናአስተንተና ንቀራረብ።
አብ ስርዓት ላቲን ዝኽተሉ ሉጥርግያዊ ሓዲስ ዓመት ምስ ቀዳማይ ሰንበት ዘመን ምጽአት ይጅምር። “Advent” ይብልዎ ካብ ቋንቋ ላቲን “Adventus” ካብ ዝብል ዝመጽአ እዩ ትርጉሙ ኸአ “ምጽአት” ማለት እዩ። ዓርባዕተ ሰናብቲ ዝሓዘ ኮይኑ ካሳብ ዕለተ ልደት ዘሎ ዕለታት ዝሓዘ እዩ። አብዚ እዋን ዝልበስ ልብሰ ቅዳሴ “Deep purple” እዩ። አብ ስርዓትና ዳርጋ ሕብሪ አልባስ አይውሰንን እዩ አብ ላቲናዊ ስርዓት ግን ጥብቂ ዝኾነ ሕጊ አልኦም። አብ ስርዓትና አብ ጸሎተ ሓሙስ ካህን ንልብሲ ገምጢሉ ይለብሶ ከምኡ አብ ሶሙነ ሕማማት ጸሊም ልብሲ ይልበስ አብ ካልእ ጊዜ ግን ዓይነት ሕብሪ ዝግድድ ሕጊ የለን።
አብ ስርዓትና አብ ጊዜ ምጽአት ዘሎ ሰናብቲ ከምኡ ካልእ ሰናብቲ ነናቱ ስም አልኦ። አብ ጊዜ ምጽአት ዘሎ ሰናብቲ “ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ” ተባሂሎም ይፍለጡ ሓድሓደ ጊዜ ከአ 4ይ “ዘመርዓዊ” ዝብሃል ይውሰኾ፥ ነፍሲወከፍ ሰንበት ነናቱ መዝሙሩን ነናቱ ምስባኽን ንባባትን ምስ ግዚኡ ዝሰማማዕ ንባባት አለዎ።
አብ ዝተፈላለ እዋንን ባህልታትን ነናቱ ፍሉይ ነግር አብ ጊዜ ምጽአት ከምዝማዕበለን ዝተወራረሰን ፍልልይ ክመጽእ ከምዝጀመረ አብ ታሪኽ ስርዓት ሉጥርግያ ክንርእዮ ንኽእል ግን ዘይልወጥ ሓባራዊ ዝኾነ ባህሊ እውን አሎ እዩ። አብ ስርዓትና እውን እቲ ቅድም ዝነበረ አገባብን ትርጉምን ምስ ዘመኑ ለውጥታት ከምዘርአየ ባዕልና ክንርእዮ ንኽእል። ንአብነት አብዚ ጊዜ ቅድሚ 20-30 ዓመት ኩሉ ክጸውም ዝኾነ ወራይ ከይግበር ይኽልክል ነሩ አብዚ እዋን ግን ዳርጋ ዝግድድ ሕጊ ዳርጋ የለን።
ዘመነ ምጽአት ከም ጾም አርብዓ ናይ ምስንዳው እዋን እዩ። ካብ ጾም አርብዓ ፍሉይ ዝገብሮ ንቅድሚት እናጠመትና ንዝዓበየ ነገር እንጽበየሉ እንሰናደወሉ እዋን እዩ፥ ክልተ ነገር ንጽበ መጀመርያ ዓመታዊ ብዓል ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ካልአይ ከአ ንዳግማይ ምጽአቱን። አብ ጊዜ አርብዓ እነዘውትሮ አብ አስተንትኖ ዝተመስረተ ምቕርራብ ኢና እንገብር።
አብ ጊዜ ምጽአት እምብአር ሰዓብቲ ክርስትና ክንገብሮ ዝግብአና ፍሉይ ነገራት አሎና። መጀመርያ ንብዓለ ልደተ ክርስቶስ ነቲ አብ ዓለም መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ዝኾነ ብግቡእን ንጹሕን ልቢ ዝግባእ ምቅርራብ ክንገብር። ሕይወትና ነቲ ንድሕነትና ዝመጸ መድሕን አብ ቅ. ቍርባን ክንቅበሎ ከሎና ምሉእ ሕልናዊ መርመራ ገርና ነጺሕና ክንቅበሎ። ካልአይ ንዳግማይ ምጽአቱ ብዝግባእ ተቐሪብና ነጺሕና ክጸንሕ። እዚ እዋን ዳርጋ ሱባኤ እንአትወለን ዕለታት እየን፥ ንኹሉ አወንዚፍና ውራይ ድሕነትናን አምላኽናን ክንከውን እሞ ነቒሕና ክንርስቶስ ቦትኡ ዝኾነ ልብና ክነጽሪ ፍቓደኛታት ክንከውን።
አብ ሕይወትና ንሓደ ነገር ደጋጊምና ንገብሮ እንተ ኾና አይሕደሰናን እዩ እዚ ናብ ዝኸፍአ ዝንጋዐ የውርደና፥ “ኩሉ ጊዜ እትርእያ ወርሕስ አይድምቕትን” ይብሃል። ልደተ ክርስቶስ ዓመት ዓመት ስለ እነብዕሎ ከም ልምዲ ዓመት ቆጺሩ ዝመጸ ከይንርእዮ ጥንቃቐ ይሓትት። ሎሚ ክርስቶስ ከምቲ ቅድሚ 2000 ዓመት ሥጋና ለቢሱ ዝመጸ ሎሚ እውን ዕለት ዕለት አብ መንጎና ክሓድር ድላዩ እዩ። ቤተ ክርስትያን ልደት ይኹን ካልእ ብዓላት ክንዝክር ከሎና ካባና እትደልዮ ስለ ዝኽሪ ዘይኮነ ህያው ክንገብሮ ሎሚ እውን ምሳና አሎ ክንበራበር ክንፈልጦ እሞ ክንቅደስ ኢላ እያ። ሰብ ዘንጋዒ ስለ ዝኾነ ዘዘኻኽር የድልዮ በዚ ዘመነ ምጽአት ነቲ ዓቢ መዓልቲ ልደት መድኃኒና ክንዝክር ከሎና ድሕነትና ክንዝክር ንማለት እዩ።
አብ ስርዓት ላቲን “Advent wreath” ዝብሃል ዝውቱር ባህሊ አብ ጊዜ ምጽአት ዝገብርዎ አለዎም። ብሓምላዊ ቆጽሊ ዝተተትዐ እሞ ከም ዓንከል ዝኾነ አብ ማእከለ ቀይሕ ሕብሪ ዘልኦ አብ ኩለን አብያት ክርስትያናትን አብ ገዛውቲን ዝገብርዎ ነገር አሎ። አብ ዓዲ ጀርመን ቅድሚ ክርስትና ምእታዉ አብቲ ብርቱዕ ቍርን ጸልማትን ወርሒ ታሕሣሥ ሽምዓ ወሊዖም ከም ምልክት ተስፋ ነቲ ዝመጽእ ሙቐት ወይ ዋዕን ነቲ ብርሃን ፀሓይ አብ አየት ክርእይዎ ዝምነዩ ከመልክት ኢሎም ዝገብርዎ ዝነበሩ ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘመናዊ አገባብራ ዘመነ ምጽአት አብ ክርስትና ብዝያዳ አብ ዓዲ ጀርመን ጀሚሩ ብ1930 አቢሉ አብ ኩሉ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ተዘርጊሑ።
አብዚ ብቆጽሊ ከም ክቢ ዝተተትዐ አርባዕተ ሽምዓ አለዋ ሰለስተ ድሙቕ ኩሕላዊ ሕብሪ አብ ጸሊም ዝዘንበለ እታ ሓንቲ ከአ ሮዛ እያ አብ ገለ አብያተ ክርስትያናት ከአ አብ ማእከል ሓንቲ ጻዕዳ አብ ዋዜማ ልደት እትትውላዕ ይገብሩ ምልክቱ ክአ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ከምዝኾነ ክገልጽ እዩ፥ ድሕሪ ብዓለ ልደት ክሳብ ብዓለ ጥምቀት ብዘይካ እታ ሮዛዊት ሽምዓ ነተን ሰለስተ ብጻዕዳ ሽምዓ ተኪኦም ይውልዕወን። ትርጉም ናይ እተን አርባዕተ ሽምዓ ከአ አርባዕተ ሰናብቲ ኮይነን አብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት በብተራ ይውልዓ። ነፍሲወከፍ ሶሙን ሓደ ሽሕ ዓመት ብድምር 4000 ዓመት ካብ ምፍጣር አዳምን ሔዋን ክሳብ ልደት መድኃኒና ዝሓልፈ ዘመን ንምዝካር ዝግበር እዩ። እቲ ጸሊም ኵሕላዊ ሽምዓ ብፍሉይ ዘመልክቶ ጸሎት ንስሓን ብምቅርራብ ዝሕግዝ ተጋድሎ ወይ መስዋዕትን ከምኡ ሰናይ ግብሪ አብዚ እዋን ዝውሰድ የመልክት። እታ ሮዛ ሽምዓ አብ ሳልሳይ ሰንበት (Gaudete Sunday) ትውላዕ አብ ጊዜ ቅዳሴ ካህንን ድያቆንን ሮዛ ልብሲ ይለብሱ፥ እዛ ሰንበት ናይ ሓጎስ ሰንበት ትብሃል ምኽንያቱ አመንቲ አብ ፍርቂ ናይ ምጽአት ስለ ዝበጽሑ ትጽቢቶም ፍርቂ ሓሊፉ አብ ልደት ንምብዓል ስለ ዝቃረቡ ዘለዉ ይሕጎሱ። እቲ ነተን ሽምዓ በብሓደ ምውላዕ ነቲ ናይ ክርስቶስ ምምጻእ እና ተቓረበ ከምዝኸደ ከምኡ ካልአይ ምምጽኡ ንሕያዋንን ሙታንን ክፈርድ ክመጽእ ምዃኑ ንምምልካት እዩ።
አብ ስርዓት ሃገርና አብ ቅዳሴ ክልተ ሽምዓ ጥራሕ እዩ ክውላዕ ዝፍቀድ ንሰን ከአ ንሥጋኡ ወደሙ ዘመልክታ እየን፥ ሕብራዊ ሽማዓ አይፍቀድን እዩ ኩሉ ጊዜ ጻዕዳ ክኸውን አለዎ እዚ ኸአ ምስ ትንሣኤ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ከመልክት እዩ።
አብዚ ፍሉይ ትምህርትን ምልክትን ንርኢ እቲ ሓምላይ ቆጽሊ ምልክት ቀጻሊ ሕይወት እዩ። እዚ ቆጻል ቆጽሊ አብ እምነት ዝርኢ እውን ክውሰድ ይክአል። “laurel” ዓይነት ተኽሊ ኮይኑ ቀዳሞት ግሪኻውያን አብ ዘርእይዎ ጸወታ ንዝተዓወተ ከም አኽሊል ተቲዖም አብ ርእሱ ዘንብሩሉ ዝነበሩ እዩ። አብ ዘመን ምጽአት ነቶም አብ ጊዜ ስደትን መከራን ዝተዓወቱ ምልክት ዓወት፥ ቅድስና፥ ዘይትመዉት፥ ጽንዓትን ሕውየትን ከም ዝኾነ የመልክት። እቲ ዝተተትዐ ቆጽሊ ሕብሩ ቀይሕ (Holly) ምልክት አኽሊል እሾኽ ክርስቶስ ዝተቐበሎ እዩ ዘመልክት። እዚ ክብሪ ወይ ዓንከል ዝኾነ መጀመርን መወዳእታን ዘይብሉ ናይ አምላኽ ዘለዓለማውነት፥ ናይ ነፍስና ዘለዓለማውነት፥ ከምኡ ነቲ አብ ክርስቶስ ዝርከብ መወዳእታ ዘይብሉ ሕይወት ይገልጽ። አብዚ ብቆጽሊ ዝተተትዐ ዓንከል ቍርብ ናይ ዝኾነ ኦም ፍረ፥ ፉል ወይ ካልእ ጥረምረ ነቲ ክቢ ዝኾነ ከመልክት ዝግበር ምልክት ሕይወትን ትንሣኤን እዩ። ብሓፈሻ ክንርእዮ እንከሎና እዚ ብቆጺል ዝተተትዐ ዓንከል አብዚ እዋን ምጽአት ዝግበር ናይ ነፍስና ዘለዓለማውነትን፥ ሓዲስ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብክርስቶስ ከም እንረኽቦ ዝተተስፈወና፥ ዘለዓለማዊ ቃል እግዚአብሔር አቦ አብ ዓለምና ሥጋና ለቢሱ ዝመጸ፥ አብ ልዕሊ ሞትን ኃጢአትን ብሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ዝተዓወተ ዘመልክት እዩ።
ወዲ ሰብ አብ ጉዕዞ ሕይወቱ ምልክት ሓበረታ ከምኡ ዝነግሮ ይደሊ በዚ እዩ ሓበረታ ዳርጋ ክፍሊ ሕይወት ስለ ዝኾነ ናይ ዘመና መራኸቢ ብዙኃን ቀንዲ ሃነጽቲ ሕይወት ሰብ ኮይኖም ዝርከቡ። ብርግጽ ጽሩይን ሓቅን ከመሓላልፉ እንከለዉ ህንጸት ምዕባሌ አሎ ግን ብናትካ ፍልስፍናን አተሓሳስባን ጥራሕ ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ ክትሃንጽ ከሎኻ ሞት ንእምነትን ባህልን እዩ። አብ ሓቀኛ ሓበረታ ዘይተመስረተ ሓበረታ ክልተ ነገር እዩ ዝጎድእ ንእምነትን ባህልን ሰብ ከአ ነዚ ክልተ ከጥፍእ እንከሎ ናይ መንንነት ተአምኖ የጥፍእ እሞ ኩሉ ጊዜ ዘይቅሱንን ዋሕስ ዘይብሉ ሕይወት ለቢሱ ይነብር እምብአር ሰብ ክብሪ ክህልዎ እምነትን ባህልን ክህልዎ ይግባእ።
አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ እቲ ዝዓበየ ግፍዒ ወይ እውን ዝመረረ ክብሃል ዝኽእል ሰባት “ባህልን እምነትን” ከጥፍኡ እንከለዉ እዩ። ባህሊ ዘይብሉ ህዝቢ ጨው ከምዘይብሉ መግቢ እዩ። ባህሊ መግለጺ መንነት ስለ ዝኾነ ክዕቀብ ይግባእ። መንግስቲ ገፋዒ ዝብሃል ባህሊ ከጥፍእ እንከሎ እዩ። አብ ታሪኽ ተራእዩ እዩ ንባህሊ ንእምነት ከጥፍኡ በብእዋኑ መጺኦም እንተ ኾነ አይተዓወቱን ግን አሳቕዮም አዋሪዶም። በዚ እዩ ደም ሰማዕታት ዛርዩ ንቤተ ክርስትያን ሕይወት ዝሃባ።
ባህልን ልምድን እምነትን ከአ ንስለ ባሂሊ ብስም ጥራሕ ክዝከሩ እንከለዉ ካልእ ሞት የምጽኡ። ሰብ ንእምነቱ ንባህሉ ሕይወት ክህቦ እንተ ዘይከአለ ባዕሉ ከጥፍኦ ክቐትሎ ይኽእል። እምነትና ክበራበር አለዎ በዚ ምኽንያት እዩ ዘመነ ምጽአት ዘመን ምብርባር ኢልና ክንጽውዖ እንኽእል።
እምብአር አብ ጊዜ ምጽአት ፍሉይ ነገራት ንእምነትናን አብ ሕይወትና ዘስዕብዎ ጠቐምቲ ነገራት ሓሲብና ክንክእል አሎና። ንአይ ከም አማናይ ከም ክርስትያን እዚ እዋን እንታይ ክገብር ይሓተኒ ኢልና አብ ሕልናን ክንአቱ ይግባእ። ንስለ ታሪኽ ወይ እውን ንስለ ዝኽሪ ልደት መድኃኒ ኢልና ጥራሕ ክነብዕል እንተ ኾና ጌኔ አይተሰቕረናን አሎ ማለት እዩ። ሰባት አብ ቅዱስ ዮሓንስ መጺኦም “እንታይ ክንገብር” ኢሎም ከምዝሓተቱ አነንስኹምን እዚ ሕቶ ንርእስና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንሓቶ ይግብአና እዩ።
ዘመነ ምጽአት ንልደት ክርስቶስ ኢልና እንቀራረቦ ንምዓልቲ ጎይታ ኢልና እናተቐራረብና እንጽበዮ እዋን እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ እንከሎና ንሰለስተ ምጽአት ክርስቶስ ኢና እንቀራረብ፡
፩ያ ንብዓለ ልደት ንምብዓል ንቀራረብ፡
ቅድሚ 2000 ዓመት ዝኾነ ልደት ክርስቶስ ንዝክር። አብዚ እዋን ልደት ዝዝከሮ ዝያዳ ዓለማዊ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ እዩ ዝዝከር እንርእዮ። አብዚ ዓዲ ህያባትን ከምኡ ዕዳጋታት ብዝያዳ ዝዕምረሉ እዋን እዩ በዚ ኸአ ዳርጋ መንፈሳዊ ትርጉሙ አጥፊኡ አብ ባህልን ካልእ ምስ እምነት ዘይ ከይድ ልምዲ ሒዙ ንረኽቦ። እቲ ሓቀኛ ትርጉም አብዚ እዋን ክነስተንትኖ ዝግብአና ነገር እንተሎ ልደት ክርስቶስ ምልአት ጸጋ አልቢሱ ዝተፈላለየ ህያባት መንፈስ ቅዱስ እንቕበለሉ እዋን እዩ። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽ አብ እተጸብዩሉ ዚጎድለኩም ውህበት ጸጋ የልቦን” (1ቆሮ 1፡7) ዝብሎ ምቅርራብ ልደት አብ ክርስቶስ ዘተኮረ ክኸውን ከም ዝግባእ ይነግረና። ወላ እኳ ግዙፍ ውህበታት ዘድሊ እንተ ኾነ አተኩሮና አብ መንፈሳዊ ውህበታት ክኸውን ይነግረና (1ቆሮ 12) ብዛዕባ ውህበታት ክነግር እንከሎ “ቃል ጥበብ፥ ፍልጠት፥ እምነት፥ ናይ ምፍዋስ ውህበት፥ተአምራት ምግባር፣ ትንቢት ምዝራብ፥ መናፍስቲ ምልላይ፥ ቋንቋታት ምዝራብ፥ ቋንቋታት ምትርጓም” (1ቆሮ12፡8-11) ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ንነፍስወከፍና ከምዝውሃበና ይነግረና። ጳውሎስ ብዝያዳ ነተን ዝዓበያ ውህበታት ጸዓቱ ይብሎም (1ቆሮ 12፡31)። እምነት ተስፋ ፍቕሪ። እሞ ንሕና ነዘን ዝዓበያ ውህበታት ክንሕዝ እንታይ ጻዕሪ ንገብር? አብ ጊዜ ምስንዳው ንምጽአት ጎይታ እምብአር ልዕሊ ዝኾነ ክነተኩረሉ ዘሎና ውህበት እምነት፥ ውህበት ተስፋን ፍቕርን እዩ።
ቅ. ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ሃብታማት ኢኹም ይብሎም (1ቆሮ1፡5-6) እዚ ሃብቲዚ ንብረታዊ ሃብቲ ዘይኮነ መንፈሳዊ ሃብቲ እዩ ማለት ጽሩይን ጽኑዕን አፍልጦን ምስክርነትን አብ ክርስቶስ ስለ ዘርኢ እዩ። ቤተ ክርስትያን ነዚ መሰረት ገራ ልደት መንፈሳዊ ብዓል እዩ፥ አብ መንጎ እዚ ጉያ ዝመልኦ ሕይወት ዓለም ከይንጠፍእ ኢላ ክነስተውዕል ክንቅረብ ትነግረና። አየናይ ህያብ እየ ክቕበልን ክህብን ተቐሪበ ዘሎኹ ክንብል አሎና። አብ መንጎ ስድራታት መጀመርያ ፍቕሪ ክርስቶስ ምሕረት ሕድገት ክንውሃሃብ እንተ ኸአልና ልደትና ፍረ ክህልዎ ሓጎስ ክፈጥረልና እዩ ነዚ ኢና ክንቅረብ ዘሎና።
ምቅርራብና ዕዉት ክኸውን ቅድሚ ክሉ ንስሓ ሕይወትና ክንገብር ይግባእ። ክንሳሕ እንተ ኸአልና ሽዑ ንምአዲ ድሕነት ክንሳተፍ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል ምሉኣት ሰባት ክንከውን ኢና። ኢሳያስ ነቢ ነዚ (40፡4) ከምህር ኢሉ “ሽንጥሮ ዘበለ ልዕል ይበል፥ ኵሉ አኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፥ ቄናን ይቕናዕ፥ ድንጕር ከአ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን” ይብለና። አምላኽ አብ ማእከልና ክሓድር ስለ ዝኾነ ንአኡ ዝኸውን ሕይወት ልቢ ጠባይ መንፈስ ሒዝና ክንጸንሕ ንሕተት አሎና። ዝግባእ ምቅርራብ ዝገበረ ሰብ “አንታ/ቲ ናይ አቦይ ብሩኻት እቲ ዓለም ክፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ኽትወርሱ ንዑ” (ማቴ 25፡34) ክብለና እዩ። ክንሳሕ ምስ ከአልና ጥራሕ እዩ ሓቀኛ ምቅርራብ ገርና ክንብል እንኽእል።
አብ ጊዜ ልደት እታ ዝዓበየት አዋጅ ዝተዋህበት ሰላም እያ። መላእኽቲ ሰማይ “ክብሪ ንአምላኽ አብ አርያም፥ ሰላም ከአ አብ ምድሪ አብ መንጎ እቶም እግዚአብሔር ዚሕጎሰሎም ሰብ” እናበሉ አበሲሮም። እዚ ብስራት ሎሚ ብዳግም ክእወጅ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሰላም አብ ውሽጥና የድሊ፥ ስለዚ ንርእስና ክንሓትት ምስ ሓውና ሓፍትና ምስ ጎረበትና ከመሎና ኢልና ክንሓትት ይሕግዘና። ሰብ ሰላም ስኢኑ ዝዘርግ በዚሑ ኃጢአት ነውሪ ምዃኑ ተሪፉ ዘይ ኩሉ ዝገብሮ እዩ እናተባህለ ሕማቕ ባህልን ጠባይን ይነግስ ከምዘሎ ኩልና እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። እሞ እንታይ ንግበር ኢልና መንፈስ ንስሓ ለቢስና አብ ቅድሚ አምላኽ ንቕረብ። ሎሚ እውን ተነስሑ ብኃጢአትኩም ተአመኑ ዝብል ሰሚዕና አብ መንበር ኑዛዜ ቀሪብና አፍልብና እና ወቓዕና ብኃጢአትና ንተአምን እሞ ንመገዲ ድሕነት ንተሓሓዞ።
፪ይ ንዳግማይ ምጽአት ንቀራረብ፡
ዳግማይ ምጽአት፡ አብ መወዳእታ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹልና ክፈርድ ክመጽእ እዩ፥ ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ተሰናዲና ምጽአቱ ክንጽበ አሎና። ክንቀራረብ ቀንዲ ካልእ ምኽንያት ዝኾነና ስለምንታይ እዩ ክርስቶስ አብ መንጎና ተወሊዱ ኢልና ክንሓትት ሓጋዚ እዩ። ክርስቶስ ካብ ድንግል ከማና ማንም ሰብ ኮይኑ ክውለድ ዝደለ ንሕና ክንድሕን ብሰንኪ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና ስለ ዝተጎዳእና አብቲ ናይ ቀደም እኳ ድአ አብቲ ዝዓበየ ክብረት ክመልስና ስለ ዝደለ ንአና ምሉአት ክገብረና ኢሉ እዩ። ነዚ ክንርዳእ ክንሓስብ የድሊ። ሕጂ ክመጽእ እዩ ብኹሉ ተሰናዲና ቅሩባት ኮና ክንጽበዮ የድሊ። አብ ጸሎተ ሃይማኖት “ንሕያዋንን ሙታንን ክፈርድ ክመጽእ” እዩ እናበልና ንጽሊ ስለዚ ሕጂ እውን ብዘይ ተሓስበ ዕለት ክመጽእ ስለ ዝኾነ ተሰናዲና ክንጸንሕ ግቡእ እዩ። እዚ ዳግማይ ምጽአት ንብሎ።
ቀዳሞት ክርስትያን ዳግማይ ምጽአቱ አብ ጊዚኦም ዝፍጸም ይመስሎም ነሩ ስለዚ ብዙሕ ምስንዳው ይግብሩ ነሮም ገሊኦምስ ምስራሕ እውን አቋሪጾም ነሮም እንተ ኾነ ከምኡ ከምዘይኮነ ምስ ተረድኡ እቲ እዋኑን ሰዓቱን አይትፈልጡን ኢኹም ዝብል ስለ እተረድኦም አብ ዝኾነ እዋን ክከውን ከም ዝኽእል ግን ኩሉ ጊዜ ብንቕሓት ክጽበዩ ከምዝግባእ ተረዲኦም። ንሕና እውን ሎሚ ካባና ዝድለ እዚ እዩ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ኮና ክንጸንሕ። አብ ኃቲአት ከሎና ዓለምና ከይውዳእ።
፫ይ ምጽአት አብ ዕለታዊ ሕይወትና፡
እዚ አምላኽ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክአቱ እንከሎ ምሱእ ክንከውን ክንስዕቦ ክጽውዓና እንከሎ እዩ። አምላኽ አብ ቤተልሔም ብኢየሱስ አቢሉ ጥራሕ አይ ኮነን መጺኡና ወይ እውን አብ መጨረሻ አብ ዳግማይ ምጽአቱ ንኹልና አብኡ ክንመጽእ ክፈርደና ኢሉ ጥራሕ አይ ኮነን ዝመጽእ፥ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ አብ ዝኾነ እዋን ይመጽእ እዚ ኸአ ብዝኾነ ሰብ ወይ እውን ብዝኾነ ዝጓነፈና ተመክሮ ክኸውን ይኽእል። “ኩሉ ጊዜ ምሳኹም አሎኹ” (ማቴ 28፡20) ኢሉና እዩ። እግዚአብሔር አብ ኢየሱስ ክርስቶስ አሚኑኤልና እዩ።
ሰብ አብ ቅድሚ ህላዌ አምላኽ ከምዘሎ ምስ ዘንግዐ እዩ አብ ኃጢአትን ክፍአትን ዝወድቕ። አብ ዘረባና አምላኽ አይፈርህን እንድዩ፥ ከመይ ኢሉ/ላ ነዚ ክፍአት ፈጺምዎ አምላኽ አይፈርህን እንድዩ ንብል። “እግዚአብሔር ይርእየኒ አሎ” ዝብል መንፈስ ንሰብ ጽንዓት ተስፋ ሓይሊ ይህቦ። አብ ጊዜ ጸበባ አብ ጊዜ ራህዋ አብ ኩሉ እዋን አምላኽ ምሳና አሎ ስለዚ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ኮና ክነብር ይግብአና። ንዝጓነፈና ፈተና እምቢ ክንብል ነቲ ጊዝያዊ ድለትና ክነርዊ ኢልና ንአምላኽ ምሳና ከምዘሎ ክንዝንግዕ አይግባእን እሞ አምላኸይ ከይጠልመካ ከይክሕደካ ሓግዘኒ ንበሎ።
መዓልታዊ ምጽአት ኢየሱስ አብ ሕይወትና ዓይነት ጉዕዞ ወይ ፍጻሜ እዩ ማለት ኢየሱስ መን ምዃኑ ብዕምቆት ክንርዳእ እሞ ምስቲ ናቱ ራእይ ክንወሃሃድን ትርጉም ሕይወት እንታይ ከምዝኾነ ክንርዳእን እዩ። ነዚ ክንገብር እንተ ኸአልና ምስ አምላኽ ሓደ ክንከውን ጥራሕ አይ ኮናን ሃረር እንብል ክንረክቦን ምስኡ ሓደ ክንከውን ንህንጠ። አብ መዝሙር ዳዊት “እራብ ንዓይኒ ማይ ከምእትናፍቕ አነ ኸአ ኦ አምላኽ ንአኻ እናፍቕ አሎኹ” (መዝ 42፡1) ዝብል አብ አምላኽ ዘሎና ናፍቕትን ፍቕርን ይገልጽ። ልዕሊ ኹሉ አብ አምላኽ ምቕራብ ከምዘሓጉስ ክገልጽ እንከሎ ኸአ “ናብ ቤት እግዚአብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ” (መዝ. 122) ዝብል ንረክብ። ነዚ ኹሉ አብ ልብና አሕዲርና እንተ ተቐረብና ልደትና ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ንገብሮ።
አብዚ ግዜና አበዓዕላ ልደት ካብቲ ናይ ወንጌል አበዓዕላ ቀይሩ ንረኽቦ። ብዝርአ ከተማታት ገዛውቲ ኩሉ ይሽለም ሳንታ ክላውስ፥ናይ ልደት ካርድ፥ ዓቢ ምስሓ ምስንዳው ምምጋብ ወዘተ ዝአመሰለ አትኩሮ ተዋሂብዎ ንርኢ። ልደት ግን ንዝሓለፈ ፍጻሜ ዘኪርና እነብዕሎ ጥራሕ አይኮነን። ልደት ትርጉም ዝህልዎ አብዚ ዘሎናዮ እዋንን አብ ዝመጽእን እንታይ ትርጉም የምጽእ አሎ ኢልና ክንፈልጥ ክነለሊ ከሎና ጥራሕ እዩ።
እዚ ሰለስተ ምጽአታት አብ ነነድሕዱ ዝተወሳሰበ እዩ። ናይ ክርስቶስ ምምጻእ አብ ኢየሩሳሌም መሰረት ናይ እቲ ምስኡ ዝህልወና ርክብ ናይ ሕጅን ናይ መጻኢ ሕይወትናን እዩ። ንሱ ዘይመጽአ እንተ ዝኸውን ሎሚ ንሕና አበይ ምሃሎና። ክርስትያን አይምተበሃልናን ስለዚ ንኹሉ ዝፈልጥ አምላኽ እዩ ምስኡ ሓደ ክንከውን ደልዩ። ዳግማይ ምጽአት እንብሎ እቲ ምሉእ ሕይወትና እንሰናደዎ እዩ። ንሕና አብዚ ዓለም ዝመጻእና ንሓደ ምኽንያት ጥራሕ ኢና ንሱ ኸአ ብምሉእ ምስኡ ሓደ ክንከውን ተፈጢርና። ቅ. መጽሓፍ ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ኢና ተፈጢርና እናበለ ይነግረና። ቅ. ጴጥሮስ ንትስብእቲ ክርስቶስ ክገልጸልና እንከሎ “አማልኽቲ” ኮና ይብል። አብ ባኅሪ ክርስቶስ ተዋሂድና። እዚ እዩ አምላኽ ንፍጡሩ ሰብ ዝዓደሎ ጸጋ። ሰብ ግን ነዚ ዓቢ ጸጋ ይዝንግዖ እሞ ንመገዲ ጥፍአት ሒዙ ይህውትት ሽዑ ንነፍስወከፍና ኦ ወደይ ኦ ጓለይ አበሎኻ እናበለ ይደልየና። ዝተሓባእና መሲሉና አብቲ መሪጽናዮ ዘሎና ጸልማት ዝተጎልበበ ሕይወትና ኮና አብዚ አሎኹ ንብል አሎና። አዳምን ሔዋንን አብዚ አሎና እንተ ዘይብሉ ምናልባት ተስፋ ድሕነት አይ ምተዋህቦምን ይኸውን ግን አብዚ አሎና ኢሎም ቦታ ጥፍአቶም ከለልዩ ስለ ዝኸአሉ ተስፋ ድሕነት ተዋሂብዎም። በሉ ካብቲ ዘዓወተኩም መሲልኩም ዘሎ ዝተሓባእክምዎ ውጽኡ ኢልዎም። አብ ቃልዕ ውጹ ኢልዎም ሽዑ ጥርሖም ከምዘለዉ ተፈሊጥዎም ይብለና ቃል አምላኽ።
ሎሚ ንነፍስወከፍና ካብቲ ተሓቢእናሉ ዘሎና ዱር ኃጢአትና ክንወጽእ እሞ ክንእመን ይደልየና አሎ። ኦ ወደይ አበሎኻ/ኺ እናበለ ፍቕሪ ወላዲ ዓዚዝዎ ንግብርና ንኽፍአትና ዋጋ ከይሃበ ይደልየና አሎ አብዚ አሎኹ ኢልና አብዚ ዘመነ ምጽአት ክንእመን ክንሕደስ አብ ቃልዕ ወጺእና ምሰቦና ክንዕረቕ እሞ ተስፋ ድሕነት ክንገረና ንዕደም አሎና።
አብ ሉቃስ 15 ዘሎ ብምልኡ ነዚ እዩ ዝነግረና። እቲ አቦ ነታ ወዱ ሒዝዋ ዝኸደ መገዲ ጥፍአት እናጠመተ ኩሉ ጊዜ ይጸበ ከም ዝነበረ ነንብብ። ሎሚ አምላኽ ንአና እውን ነቲ ንጥፍአት ዝወሰደትና መገዲ መገዲ ቅርሕንቲ፥ መገዲ ቂምታን ሓመታን፥ መገዲ ስሳዐን ትዕቢትን፥ መገዲ ክፍአትን ጥልመትን ሓዲግና ናብኡ ክንምለስ አብ አፍደገ ሰማይ ኮይኑ ይጽበየና አሎ ክንምለስ ምሰቦናን ቤተ ሰብናን ክንዕረቕ ሎሚ እውን ይሓተና አሎ።
ነዚ ብዝመስል ወንጌል ማርቆስ ክንቅረብ ከምዘሎና ክሕብረና ኢሉ “ እቲ ጊዜኡ መአስ ምዃኑ አይትፈልጡን ኢኹም እሞ ተጠንቀቝ ንቕሑን፤ጸልዩን” (ማር 13፡33) ይብለና። ነዚ አብነት ክህብ ኢሉ ሓደ ሰብ ንአገልገልቱ ንነፍሲወከፎም መመዞም ሂቡ ዝገሸ አብ ምምላሱ ጸብጻብ ክህቡ ብዘይ ትሓስበ ጊዜ ከም ዝመጽእ እናበለ ብምሳሌ ይነግር። እቲ ዋና ክልተ ነገር ይገብር ነቶም አገልገልቱ ቅድሚ ምጋሹ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂብዎም ገሹ፥ ነቲ ሓላው ማዕጾ ነቒሑ ክሕሉ ይነግሮ። “እቲ ብዓል ቤት ምአስ ከምዝመጽእ አይትፈልጡን ኢኹም እሞ. . ብሃንደበት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ ንቕሑ” ይብሎም። አብዚ ብዛዕባ መጨረሻ ዓለም ዘይኮነ ብዛዕባ ናይ ነፍስወከፍና መወዳእታ እዩ ዝዛረብ። ብዙሓት ካባና ሓንቲ ወረ ወይ ሓበረታ ዘይብልና እንከሎና ሞት ክትመጽአና እያ፥ ዓለምና ክውዳእ እዩ። እዚ ካብኮነ ዕጫና ኸስ ተሰናዲና ክንጸንሕ ክንቀራረብ ግድነት እዩ። እንታይ ዓይነት ሕይወት እነብር አሎኹ ምስ ሰባት ከመይ ዝበለ ርክብ አሎኒ፥ ኢልና ርእስና ክንርኢ አድላዪ እዩ።
ንአምላኽ አብቶም አብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ክንረኽቦ አሎና። መዓልታዊ ሕይወትና ምስ አምላኽ ዘራኽብ ክኸውን አለዎ። ኢየሱስ ክረኽበና ምሳና አብ ጥቓና አሎ። አይንንጸጎ አብ ገለ እዋን ደም እናጠዓመና ክንሰምዖ ክንቅበሎ አሎና። አብ አምሳሉ ክልውጠና፥ አብ አምሳል አምላኽ ክቕይረና፥ አብ ምሉእ ሰብ ሓቂ፥ ፍቕሪ ሓልዮትን ነጻነትን ሰላምን ዝአምን ክኸውን ነፍቅደሉ።
አብ መወዳእት ምቅርራብ አብ እንገብረሉ ንበይንና አይኮናን። ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹሉ ጸጋታቱ ምሳና አሎ። ሰበኽቲ ወንጌል ልኡኻት አምላኽ ምሳና አለዉ ንበይንና አይኮናን ሓንትስ ልብና አብ አምላኽ ንምለስ እምበር። ንምጽአት ኢየሱስ ናተጸበና ትጽቢትና ከለዓዕለና ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ተበራቢርና ክንጸበ ከም ዘሎና ክንሓስብ ይግባእ። ጸጋ ክርስቶስ ክንቅበል እንደሊ እንተ ድአ ኮና ምሉእ ምቅርራብ ይሓተና።
እምብአር ጋሻና ዝኾነ ክርስቶስ ክንቅበል ብግልናን ብሓባርን ምሉእ ምቅርራብ ክንገብር ይግብአና እሞ አሕዋተይ ቀለዓለም ዘየድልዮ ጉዳይ ኢና ንሕተት ዘሎና ሕልናና ንርአ ጸሎት ንግበር ብኃጢአትና ንተአመን ብኽፍአተይ ብዓቢ ኽፍአተይ እናበልና አፍልብና ንህረም። ካብቲ ዘሎናዮ መንፈሳዊ ሞት “ተንሢአ ደአ ናብ አቦይ ክኸይድ እሞ አቦ አብ ቅድሚ ሰማይን አብ ቅድመኻን ኃጢአት ገበርኩ ደጊም ወድኻ ጓልካ ኽብሃል አይ በቅዕን እየ ከም ሓደ ካብ ገላውኻ ግበረኒ” (ሉቃ 15፡1819) ንበሎ። ሽዑ አምላኽ ንመገዲ ንስሓ ተተሓሒዝናያ አብኡ ገጽና ምስ ቀረብና ኽድንግጸልና ጎዩ “እዚ ወደይ እዛ ጓለይ ሞይቱ/ታ ነይሩ ሓውዩ ጠፊኡ ነሩውን ተረኺቡ እዩ” ክብለና እዩ። አብ መወዳእታ ጉዕዞ ምጽአት ዝያዳ ዘስተማቐረት ካብ ደቂ ሰብ ማርያም እያ ንሳ ወዳ መን ምዃኑ ተነጊርዋ እዩ አደ አምላኽ ስለ ዝኾነት ምልእተ ጸጋ ስለ ዝኾነት ልዕሊ ኹልና እያ ንአምላኽ አብ ከርሳ ተቐቢላቶ። ከምዝበልካዮ ይኹን ምስ በለት ሕይወታ ብምልኡ ንአምላኽ ሂባ። አምላኽ ከአ ኩሉ ጸጋታቱ ሂብዋ፥ ንአና አሰራ ክንክተል ክንስዕባ ኢሉ ኢንሃ አደኹም ኢሉና ንሳ ኸአ መቐረት ወዳ ክነስተማቕር አብ ሕይወትና ተአምራት ክንርኢ ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብልና ስለዚ ሎሚ እውን ማርያም አደና ገርና ንምዓልቲ ልደት ንሰናዶ ንሳ ክትበጽሓና ክትሕግዘና ድላያ እዩ።
“እንታይ እሞ ንግበር” (ሉቃ 3፡10፥ ግ.ሓ. 2፡37)

ልደት ክርስቶስ ክነብዕል ንቀራረብ አሎና። ምቅርራብና ዓለማዊ ወይ ንግዙፋዊ ነገራትና ዝርኢ ዘይ ኮነ ንመንፈሳዊ ርክብና ምስ አምላኽ እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ሰብ ንብዙሕ ነገራት ይቀራረብ፥ ንውላድ፥ ንመርዓ፥ ንሞት፥ ንመርመራ፥ ንውግእ፥ ንሰላም፥ ንክፍአት፥ ንዕርቂ ብዓል ንምብዓል . . . . እቲ ምቅርራብ ንብዙሕ ነገር ኽኸውን ይክአል እዩ።
ክትቅረብ እንከሎኻ አብ ሓሳብካ ክልተ ነገር እዩ ዝመጽአካ፡ 1. ክትዕወት፥ ነቲ እትቀራረበሉ ዘሎኻ ከምቲ እትደልዮ ክኾንልካ። 2. ክትዕወት ኩሉ ዝክአለካ ትገብር አብ ገለ እዋን ወላ ሕይወትካ እውን ትሸይጥ (ንአብነት አብ ፖሎቲካ)። ምቅርራብ እምብአር ሓደ ካብቲ ክንዕወት እንገብሮ ነገራት ሓደ እዩ፥
ንአምላኽ ክንቅበል እንጸርጎ ነገር አሎና፡
ናይ ሎሚ ምቅርራብና ነቲ መድሕና ዝኾነ ክርስቶስ ብዳግም አብ ልብና ክነሕድሮ፥ አብ መንጎና ክርከብ እሞ ብኹሉ ተሓዲስና እሙናት ደቂ አምላኽ ክንከን እንገብሮ ምቅርራብ እዩ። ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ንሰባት ንምጽአት መስሕ ዝቕርብ ዝነበረ መጨረሻ ነብይ እዩ ነሩ። አብ በረኻታት ይሁዳ ኮይኑ “ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ መገዱ እውን አቕንዑ” እናነለ ይሰብኽ ነበረ ህዝቢ ኸአ አብቲ ዝነበሮ ይመጽእዎ ነሮም ክንስሑ ብኃጢአቶም ክእመኑ ይነግር ነሩ። ንሱ አብ በረኻታት ይሁዳ እዩ ዝሰብኽ ዝነበረ። በረኻ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንአምላኽ እትረኽበሉ ንኹሉ ናይ ዓለም ነገር ሓዲግካ ንአምላኽ ጥራሕ እተድህበሉ ፍሉይ ቦታ እዩ፥ እስራኤላውያን አብ በረኻ ሲናይ ንአርብዓ ዓመት “ኮለል ኢሎም ክንስሑ ምእንቲ” ንሕጊ አምላኽን ንኪዳኑን ብምሉእ ብእምነት ክሳብ ዝሕልዉ ኮለል ኢሎም። ብኻልእ ክርአ እንከሎ በረኻ ቦታ ጽምዋ ቦታ ንስሓ ቦታ ተጋድሎ እዩ፥ በዚ ምኽንያት እዮም ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያን አብ በረኻታት ዝሰፍሩ ዝነበሩ ከምኡ ገዳማት አብ በረኻ ዝምስርቱ ዝነበሩ ንአብነት ገዳም ቅ. ካተሪን ብዓልቲ አለክሳንድርያ አብ በረኻ ሲናይ ከምኡ ካልኦት ገዳማት አብ በረኻታት ግብጽን ዓዲ ዓረብን ተደኲኖም ንርኢ።
ናይ ሎሚ ምቅርራብና አብ በረኻ ልብና ክንአቱ እሞ አብኡ ንአምላኽ ክንረኽቦ ኢና እንቀራረብ ዘሎና። አብ በረኻ ልብና አቲና ነቲ ኩሉ ካብ አምላኽ ዘርሕቐና ሓዲግና አብኡ ክንምለስ አብ ነነድሕድና ሰላም ፍቕሪ ክንገብር ንመገዲ አምላኽ ክንሕዝ ኢና ንቀራረብ ዘሎና።
ቅ. ዮሓንስ መስሕ ይመጽእ ስለ ዘሎ ንአኡ ዝግባእ ምስንዳው ገሮም ክጸንሑ ይነግር ነሩ። ቅድሚ ዮሓንስ እውን እግዚአብሔር ካብታ ቀዳሞት ወለድና ዝወደቑላ ዕለት ጀሚሩ በብእዋኑ ከድሕኖም ከምዝኾነ ብዝተፈላለየ መገዲ የሰናድዎም ነሩ። ነብያት ምጽአቱ ሰበኹ። ሎሚ እንሰናደዎ ምጽአት ነቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ምእንታና ሥጋና ባህርና ዝለበሰ አምላኽ ልደቱ ክንዝክር እንከሎና ንሕና አብ ሕወትና ክንገብሮ ዘድሊ ነገር ስለ ዘሎ እዩ።
ንአምላኽ ምምሳል እዩ ተፈጥሮና፡
ዕለተ ልደት ክርስቶስ ዘተኵሮ አብቲ አምላኽ ባህርና ለቢሱ ንአና ዝመሰለሉ እዩ ዘተኵር። አምላኽ ንአይ ካብ መሰለ አነ ኸአ ሎሚ ንአኡ ክመስል ንማለት እዩ። ንአምላኽ ክመስል እንታይ የድልየኒ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ግቡእ እዩ።
ሰብ ብአምሳልን አምላኽን እዩ ተፈጢሩ። ተፈጥሮናከስ ንአምላኽ ምምሳል እምበር ንኻልእ ምምሳል አይኮነን። ዝዓበየ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና ክመስልዎ ዘይግብኦም ንኻልእ ስለ ዝመሰሉ እዩ፥ ኃጢአት ምስ ገበሩ መልክዕ አምላኽ አጥፊኦም ካልእ መሲሎም። ሓደ ሰብ ብሕማም እንተ ማሰነ ሕብሩ መልክዑ ሰውነቱ ስለ ዝቕይር ንጋገዮ ካልእ ስለ ዝመሰለ። ዝወረስናዮ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና ዘይናትና ምምሳል እዩ። ድሕሪ ልደት መድኃኒና እውን እዚ ዝንባሌ ኃጢአት አይሓደገናን ኩሉ ጊዜ ካልእ ክንመስል ንደሊ። ዓመት ዓመት ንብዓለ ልደት ክንቅረብ እንከሎና ነቲ ካልእ መሲልናዮ ዘሎና ሓዲግና አብቲ ንአምላኽ ዘምስል መልክዕ ክንምለስ ንማለት እዩ።
እሞ ሎሚ አነ ንመን እመስል አሎኹ ክንብል ንሕልናና ንርእስና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ብርግጽ መልክዕና ናይ ገለና ብመጠኑ ዝቐየረ ክኸውን ይኽእል እዩ ናይ ገለና ኸአ ጨሪሹ ካልእ መልክዕ ለቢሱ ይህሉ እዩ እሞ እስከ አብ መስትያት ሕልናና አብ አምላኽን ምልስ ኢልና ገጽና ልብና መንፈስና ሕይወትና ንርአ እሞ ነቲ ካልእ አምሲሉና ዘሎ ንእለዮ። አንቲ ሓፍተይ አንታ ሓወይ ካልእ እምበር መሲልካ ዘይወገና ዘይናትና መሲልካ ተጋጊናኪ ተጋጊናካ እናበልና መልክዑ መልክዓ ቀይሩ ቀይራ ንዘላ/ሎ ንምከሮም።
ክርስቶስ መልክዖም ቀይሮም ካልእ መሲሎም ንዘለዉ አሕዋትና እንተ ኸኣልና ንበይንና ወሲድና ዓገብ ክንብሎም ምስማዕ እንተ አበየና ኸአ ክልተ ወይ ሰለስተ ወሲድና ክንመክር አብዚ እንተ ዘይተዓወትና እውን ንቤተ ክርስትያን ክነግር ይነግረና። እዚ ዝሕብሮ ንሓውናን ሓፍትና አብቲ መልክዕ አምላኽ ዝኾነ ተፈጥርኦም ክሳብ ዝምለሱ ከይንሕለል ከይንደክም ንማለት እዩ።
ሰብ ሎሚ ሓላው ሓወይ አይኮንኩን ባዕሉ ይፈልጥ ግብ ይበል አብ ምባል ጥራሕ ይርከብ፥ ፍቕሪ ሕይውነት ከምኡ ብሓደ ካብ ምዃን ክፈላለ ዝጽዕር ብዙሕ እዩ፥ ዓለም ዝህወኹ ዝጨኻኸኑ ዝፈላለዩ ዝጻልኡ በዚማ። እንተ ኾነ ድላይ አምላኽ ከምኡ አይኮነን ንዝጥፍአ ክንደሊ እንልአኽ ንሕና ኢና ብዓልና ምልአት ክረክብ ኩልና ደቂ ሓደ ቤት ዝኾና ብሓደ ክንውዕል ክነብዕል እዩ። ሓው ካብ ሓዉ ሸፊቱ እንተ ወዓለ ዝተዓወተ ዝመስሎ ብዙሕ እዩ ግን ዓወት አብ ሓደ ምዃንን ንአምላኽ ብሓደ አብ ምልማንን እዩ ዝርከብ።
ልደት አብ አምላኽ ክንምለስ የዘኻኽረና፡
አምላኽ አብኡ ክንምለስ ዕለት ዕለት ብዝተፈላለየ መገዲ ይቐርበና እዩ። አብዚ እዋን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ብርእሱ አብ መንጎና ምስ ሓደረ ዝቀረበና ምኽንያት ክንገብር እዩ ዝድለ ዘሎ። ቅ. ዮሓንስ “ቃል ሥጋ ኾነ አብ መንጎና ኸአ ኃደረ” ይብል ዕሞቕ ምስጢር ትስብእቲ ክርስቶስ ከረድኣና ኢሉ። አምላኽ ብዘይካ ኃጢአት ንነፍስወከፍና መሲሉ ምሳና አሎ። እዚ ንአና ክብሪ አብ ባህሪ አምላኽ ምስታፍ እዩ፥ ቅ. ጴጥሮስ “አማልኽቲ ኢኹም፥ ደቂ እቲ ልዑል ኢኹም” ይብለና። ቅ. ጳውሎስ ከአ መሳርሕቲ አምላኽ አምባሳደራት ክርስቶስ ኢኹም ይብለና። ስለዚ ክርስቶስ ዝሃበና ማንም አይሃበናን። ተዘክሮ ልደት ነቲ አምላኽ አባና ዝገበሮ ክንዝክር ንማለት እዩ።
እንታይ ንግበር፡
ጭቡጥ ምቅርራብ ልደት ከምዝገበርና ዝገልጽ ከምቲ ሰባት ንቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ዝሓተትዎ ክንሓትት እንተ ኸአልና ጥራሕ እዩ ንሱ ኽአ “እንታይ ክንገብር” አብ ዝብል ክንአቱ ከሎና እዩ። ነዚ ክንብል እንተ ኸአልና ኃጢአትና ክፍአትና ውድቀትና ክነለሊ ክኢልና አሎና ማለት እዩ። ሰብ ክቕየር እንተ ኾይኑ ጣዕሚ ልደት መድኃኒ ከስተማቕር እሞ አብ ሓጎስ ልደት ክሳተፍ እንተ ኾይኑ ርእሱ ርእዩ ክኽእል አለዎ። ርእስኻ ምርአይ ማለት አብ ሕልናኻ አቲኻ ነቲ ድኽመትካ ክፍአትካ ትዕቢትካ ኮታስ ኃጢአትካ ብምልኡ ርኢኻ ምኽአል እዩ። እንታይ እግበር ኢለ ምስ ርእሰይ ክዛረብ ክፍትሽ ዝዕድም እዋን። እዚ ብዓል ዝአትወና ዘሎ ብግልናን ብሓባርን ክንቅረበሉ ዝሓትት እዩ። ክሕደስ፥ ክቕየር፥ ክዕረቕ፥ ክነጽሕ፥ ክምሕር፥ ካብዚ ካብ አምላኽን ካብ ሰብን ዓጊቱኒ ዘሎ ክፍአተይ ክወጽእ እንታይ ክገብር ይግብአኒ ክንብል ጠቓሚ ሕቶ እዩ።
ከም ሰብ እቲ ዝኸበደን ዘይንቕበሎን ንርእስና ክንከስስ ብበደልና ክንእመን ከይንስዓር ዝብል እዩ፥ ሎሚ ግን ክንስዕሮ ከም እንኽእል ሰማዕት ዮሓንስ ይነግሩና። ደፊሮም ልቦም ከፊቶም ንልኡኽ አምላኽ እንታይ እግበር እናበሉ ሓቲቶም ለባምን ፍርሃት አምላኽ ዝመለኾ ሰብ ዝብሎ። ዝተዋህቦም መልሲ “ተነስሑን ምሕረት ሕተቱን” ዝብል እዩ።
ሎሚ ክንስሓሉ ዝድለ ዘሎ እንታይ ዓይነት ኃጢአት እዩ? ናይ ዘመና ኃጢአት ብፍሉይ እንፍለጠሉ ክፍአት ኃጢአት እንታይ አሎ? ብርግጽ ሓደ ክንብሎ እንኽእል ሰይጣን ንልቢ ብዙኃት ማሪኹ አብ መገዲ ጥፍአት ክአትዉ የሸንፍ ከም ዘሎ ኩላትና እንዕዘቦ እዩ። ቅትለት፥ ውግእ፥ ሓሶት፥ ጥልመት፥ ዓመጽ፥ ስም ሰባት ምክፋእ፥ ምቕያም፥ ስርቂ ዝሙት፥ ጥልመት፥ ወገንነት፥ ንአይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ዝብል. . . . እዝን ካልእን ልብሰብ መሊኹ ዓለምና ትሳቐ አላ። ነዝን ካልእ ግላዊ ኃጢአትናን ክነጥፍ ክንስሓሉ ዝዕድም ግዜ ኢና ዘሎና።
ቅ. ዮሓንስ ንፈሪሳውያን ንሰዱቓውያን ንወተሃደራት ነናቶም በደል እና ነገረ ክንስሑ ይነግሮም ነሩ፥ ሎሚ ንነፍስወከፍና ነናትና ክፍአትን ድኽመትን ክንእርም ሽዑ ከም ማሕበር ክርስቶስ አብ ሓደ መአዲ ክንጽመድ ኢና ንሕተት ዘሎና። ናይ ግልናን ናይ ሓባርን ኃጢአት አሎና፥ ብግልና ባዕልና እንፈልጦ ዝፈጸምናዮ እዩ፥ እቲ ናይ ሓባር እንብሎ ንዓመጽ ክፍጸም እንከሎ ሱቕ ምባል ፈሪሕካ እንታይ ገደሰኒ ባእሉ ይፈልጥ ኢልና ክነብር እንከሎና ንምሉእ ማሕብር ንብድል። ሕብረተ ሰብ ከምኡ ቤተ ክርስትያን ብሰባት ዝቖመት እያ ሓደ ክሓምም እንከሎ ንብዙሓት ክልክም ይኽእል እዩ። ሎሚ ሓደ ካብቲ ከቢድ ኮይኑ ዘሎ ሓደ ንብዙሓት አብ ናይ ክፍአት መአዲ ከምዝወድቁ ይገብር ንሶም ክአ ፈሪሖሞ ድዮም ወገኖም ኮይንዎም ድዩ ወይስ ጥቕሚ አልይዎም ይሰምዕዎ ይስዕብዎ እንተ ኾነ አብ ቅድሚ አምላኽ ብግልና እምበር ናይ ሓባር ሕይቶ አይቀርበናን እዩ። ምስ ብዓልም መን ነርካ ብዛዕባ ካልኦት አይ ኮነን እንሕተት ገግብርና ኢና እንሕተት ስለዚ ንግላዊ ግብርና ሓላፍነት ለቢስና አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና መልሲ ክንህብ ንቀራረብ። መንግስተ ሰመይ ብወፈራ አይ ኮነትን እትእቶ ብፍቕርን ብምምሓሓርን እያ እትእቶ።
ልብሲ መርዓ ምልባስ የድሊ፡
ብዓለ ልደት ናይ ሰላም ናይ ሓጎስ ናይ ዕርቂ ብዓል እዩ። ንአኡ ዝበቅዕ ኩነት ክንፈጥር አሎና። ምሉእ ሓድነት መንፈስን ግብርን ለቢስና ብሓደ ክንርከብ እዩ ድላይ አምላኽ። አብ ዝተፈላለየ ልቢ አምላኽ ክአቱ አይክእልን እዩ።
ልብሲ መርዓ ክንለብስ ንቀራረብ። አብ መርዓ ዝዕደም ሰብ ዝበለጸ ዝበሎ ልብሲ እዩ ዝለብስ ብፍላይ አብ ባህልና እንተ ረአና ደቂ ተባዕትዮ እጀጠባብ ከምኡ ተቐምቂሞም ኩሉ ዝግባእ ግሩም ባህላዊ ልብሲ ለቢሶም አብ መርዓ ይሕወሱ፥ ደቂንስትዮ እውን ተሓኒነን ዙርያ/ጥልፊ፥ ከምኡ ኩሉ ዘማዕርገን ለቢሰን ይቐርባ፥ ነዚ ዘየማልአ ሰብ ድሓንድዩ/ድያ እናተባህለ ይዝረበሉ። ኩሉ አብ ሓጎስ አብ አኽብሮት ሓደ ልቢ ኮይኑ ይውዕል። አብ ወንጌል ልብሲ መርዓ ዘይተኸድነ አብ ግዳም አብ ስቓይ ቦታ እዩ ዝድርበ ምኽንያቱ እቲ ዝግባእ ልብስን ክብርን ገሩ ስለ ዘይቀረበ።
ንልደት ጎይታ ከምኡ ንመዓልቲ ምስ አምላኽ ሓደ ዝኾናላ ዘበሰረት ዕለት ንምብዓል እንታይ ክንገብር ይግብአና። አብ ሓደ ልብን መንፈስ ክንአቱ እዩ እቲ መሰረታዊ መጸዋዕታ። ብግዙፋዊ ልብስና አጻዕዲና ኩሉ አማሊእና እንተ ቐረብና ግን ልብና እንተ ዘይነጽሐ ብዓልና ጎደሎ እዩ። ልብሲ መርዓና ሎሚ ትሕትና ፍቕሪ ዕርቂ ሰላም ምግባር እዩ። ነዚ ዝለበሰ ሰብ ናይ ብሓቂ ልብሲ መርዓ አብ ልቡን ሕይወቱን ለቢሱ “አቱም ናይ አቦይ ብሩኻት ካብ ዘለዓለም ንዝተሰናደወልኩም ክብሪ ክትቅበሉ እተዉ” ዝብል ይሰምዕ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠቓሚ ሓሳብ “ስለምንታይ እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ” ኢልና ክንሓትት መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ስለምንታይ ኢልና ክንሓትት እንተ ኸአልና መልሲ ክንህብ አሎና መልስና ኸአ “አምላኽ ኩልና ደቂ ሰብ ክንድሕን ደቂ ሰማይ ኮና ንዘለዓለም ምስኡ ክነብር ስለ ዝደለ እዩ”። ድላይ አምላኽ ክነለል ይግባእ። ድላይ አምላኽ ክትሰምዕ ክተተግብር ጽን ኢልካ ምስማዕ የድሊ። አምላኽ አብ መንጎና አሎ ይዛረብ አሎ ጸጊሙ ዘሎ ዝሰምዕ ውሒዱ፥ ዘተግብር ውሒዱ ኩሉ ዳርጋ ጸማም እዝኒ ሒዙ ይጉዓዝ አሎ። እስከ ሎሚ ህድእ ንበል እሞ ነቲ ዝመጸና ዘሎ ክርስቶስ ንቀበሎ ንስምዓዮ አብ አፍደገ ገዛና ኮይኑ ይኵሕኵሕ አሎ ንኽፈተሉ።
ልብና ከፊቱ ካብ ኃጢአትና አንጺሑ ብርሃን ልደቱ የካፍለና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
ሓዲስ ሕይወት ምስ ሓዲስ ዘመን፣
ሓድስ ሰብ ምስ ሓድሽ ዓመት
ብኣባ ሙሴ ተሰፋዮሓንስ - ሲታዊጊዜ፡ ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ህያብ ኣምላኽ እዩ። ኵሉ ሠናይ ዘበለ፣ ጠቓሚ ዘበለ ኣብ ጊዜን ምስ ጊዜን እዩ ዚስራሕን ዝሕነጽን። ዘለዓለማዊ ድሕነትናን ሕይወትናን ከይተረፈ፣ በዚ ሕጂ ዚውሃበና ዘሎ ህያብ ጊዜ እዩ ዚውሰን። ምንትዚ ንጊዜ ብግቡእ እንተ ተጠቐምካሉ ዓስቢ ኣለዎ፣ ብሕማቕ እንተ ተጠቐምካሉ ኸኣ ዕዳ ኣለዎ።
“ጀንዋሪ”፣ ብናይ ጸዓዱ ናይ ሓዲስ ዓመት መጀመሪያ ወርሒ፣ ካብ “ጀኑስ” ዚብል ክልተ ገጽ ዘለዎ፣ ማለት እቲ ሓደ ገጹ ናብ ዝሓለፈ ዚጥምት፣ እቲ ኻልኣይ ገጹ ኸኣ ናብ ዚመጽእ ዚጥምት ናይ ሮማውያን “ኣምላኽ ምስሊ” ዝመጸ ስም እዩ። እዚ ነቲ ዘሕለፍናዮ 2014 ዓመት ተመሊስና ክንጥምትን፣ ከምኡውን ነዚ ዚውሃበና ዘሎ ዓቢ ህያብ 2015 ዓመት ኣተዂርናን ኣርሒቕናን ክንጥምትን የተሓሳስበና።
ነፍስ ወከፍና ንርእሱ ክሓቶ ዘለዎ ሕቶ፤ ነቲ ንድሕነተይ ዝተዋህበኒ ዝሓለፈ ዓመት፣ ብኸመይ ኣሕሊፈዮ፧ ተጠቒመሉዶ፣ ኣፍርየሉዶ፣ ነቲ ዝተፈጠርኩሉ ዓላማ ድሕነተይ ተጠቒመሉዶ፧ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወተይ፣ ኣብ ሰብኣዊ ርክበይ፤ ምስ ስድራ ቤተይ፣ ምስ መሳርሕተይ፣ ምስ ኣዕሩኽተይ፣ ምስ ከባቢአይ ከመይ ተኻይደ፧ ኣበየናይ መዳይ ሕይወተይ ተዓዊተ፣ ኣበየናይከ ከሲረ፧ እቲ ከሓይሎ ዘሎና ኣወንታዊ ወገን ኣየናይ እዩ፣ እቲ ክጽዕረሉን ከመሓይሾን ዘሎኒ፡ ኣሉታዊ ወገንከ ኣየናይ እዩ፧ ነዚ ኣምላኽ ብምሕረቱን ብፍቕሩን ዚህበኒ ዘሎ ህያብ ሓዲሽ ዓመትከ ብኸመይ ክቕበሎ መዲበን ወሲነን ኣሎኹ፧
“ራእይ ዜይብሉ ሕዝቢ ስዲ ይኸይድ፣ ሕጊ እግዚኣብሔር ዚሕሉ ሰብ ግና ብፁዕ እዩ።” (ምሳ.29፡18)። ንስኻ ብኾንካ ኹን፤ ቈልዓ፡ መንእሰይ፣ ሽማገለ ዕድመኻ ብዘየገድስ፤ ወዲ፡ ጓል፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፣ ፆታኻ ብዘየገድስ፣ ደረጃኻን ዓይነት ስራሕካን ብዘየገድስ፤ ኣበየናይ ቦታ ትርከብን ትነብርን ብየገድስ፤ በቲ ኵሉ ዚኽእልን ዚፈልጥን ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከብን ልዑል ኣምላኽ ዝተፈጠርካን፣ ዝተመረጽካን፣ ዝተፈቶኻን ክቡርን ብሉጽን ፍጥረት ኢኻ። ልክዕ ከማኻ ቅድሚ ሕጂ ኣይተፈጥረን ድሕሪ ሕጂውን ኣይፍጠርን እዩ። ንስኻ/ ንስኺ ኣብዚ ዓለምዚ ኮነ ኣብቲ ዝመጽእ ዓለም እንኮ (ዩኒክ) ኢኻ። ኣብ ቦታኻ/ኪ ንኣኻ/ኺ ዚመስልን ዚትክእን የልቦን።
ካብ ዓበይትን ሃብታማትን ስለ ዝተወለድካ ኣይኮንካን ክቡር እትኸውን። ወይ ፈላጥ ስለ ዝኾንካ ኣይኮንካን ብሉጽ እትኸውን። ወይ ድማ ሓያልን መልክዐኛን ስለ ዝኾንካ ኣይኮንካን እትፍቶ። ካልኦት ዘለዎም ህያባትን ጸጋን እንተ ዘይብልካ፣ ካብኣቶም እትጐድልን እትንእስን ኣይምሰልካ። ንስኻ ዘይፈለጥካዮን ዘይረኣኻዮን ንሳቶም ዘይብሎም ዘቕንእ ጸጋ ከምዘሎካ ኣይትረስዕ። ስለ ዘሎካን ስለ ዝገበርካን ኣይኮንካን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እትፍቶ፣ ከምታ ዘሎኻያ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕሩይን ብሉጽን ሉልን ኢኻ። ንኻልኦት ኣይተማዕዱ፣ በቲ ዘሎካን፡ ብዅነትካን ተሓጐስ። ንኣምላኽ ከኣ ምስ መዘምር ዳዊት ሓቢርካ፤ “ንኹለንትናይ ንስኻ ፈጠርካዮ፣ ኣብ ማሕፀን ወላዲተይ ኣለምካኒ: ንስኻ መስተንክር ኢኻ፣ ድንቂ ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከመስግነካ እየ። ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ኣነውን ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ። ኣዕጽምተይ ምስተፈጥራ፣ ኣብ ማሕፀን ኣደይ ከኣ ብጥንቃቐ ምስተሠርዐ፣ ኣብኡ ብሕቡእ ክዓቢ ኸሎኹ፣ ኣብኡ ኸም ዘሎኹ ረኣኻኒ፣ እቲ ምዱብ ዕድመይ ገና ኸይጀመረ ኸሎ፣ ኵሉ ኣብ መፅሓፍካ ፅሑፍ እዩ።” (መዝ.139፡13-16) እናበልካ ኣመስግኖ።
ባዕልኻ ከምዘይተፈጠርካ ፍለጥ፣ ወይ ድማ ወለድኻ ስለ ዝደለዩኻ ( ወላ ንሳቶም እንተ ዘይደለዩኻውን) እቲ ንኹሉ ዝርኢ ኣምላኽ ግን ደልዩን ፈትዩን እዩ ፈጢሩካ። ካብ ዘለዓለም መሪጹካ እዩ። ኣባኻን፡ ምስኻን፡ ብኣኻን ገቢሩ ክፍጽሞ ዝመደቦ ዓቢ መደብ (ፕሮጀክት) ኣሎዎ። ስለ ዝፈትወካን ዘኽብረካን፣ ነጻነትካ ስለ ዝሕሉን፣ ኣይግድደካን እዩ። ብነጻ ድላይ ምስኡ ክትትሓባብር እዩ ዚዕድመካ። ኣወንታዊ መልሲ ክሳብ እትህቦ ኸኣ ይጽበየካ።
እምበኣር እንሆ ድምጺ ሓዲስ ዓመት!
ንተንስእ፡ ንበራበር፤ “ኣብ ኣብዚ ሓዲስ ዘመን ሓዲስ ሕይወት ንልበስ፣ ኣብዚ ሓዲስ ዓመት ከኣ ሓዲስ ሰብ ንልበስ።” ንፍጥረት ንተዓዘብ፤ “ንኹሉ ገጊዜኡ ስለ ዘለዎ”፣ ወቕቱን ጊዜኡን ሓልዩ፣ እናተሓደሰ እዩ ዚነብር። ንሕናውን ኣብዚ ሓዲስ ዓመት ንተሓደስ። ሓዲስ ክትለብስ እንተ ደኣ ኾይንካ፣ ነቲ ኣረጊት ኣውጺእካ ክትድርብዮ ጥራይ እዩ ዘሎካ። ከመይ ሓዲስን ኣረጊትን ብሓንሳብ ኣይከይድን እዩ። ነቲ ሓዲስ ሰብ ንልበሶ። “ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፣ በተሓሳስባኹም እውን ተሓደሱ። ነቲ በርኣያ እግዚኣብሔር፣ ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበስዎ።” (ኤፈ.4፡22-23)። እዚ ሓዲስ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዓለም ሓዲስ ዚብሃል ነገር እንተ ደኣ ኣልዩ፣ ኢየሱስን እቲ ንሱ ዝበሎን ዝገበሮን ነገር ጥራይ እዩ። ብዙሓት ሰባት፣ በበቲ ክእለቶምን ህያባቶምን፤ ገለ ብፖለቲካ፣ ገለ ብሳይንስ፣ ገለ ብሃይማኖት፡ ገለ ብሕክምና፣ ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ዓበይቲ ነገራት ምሂዞም። እዚ ዅሉ ገይሮም ከብቅዑ ግን ንሞት ፈውሲ ክረኽቡላ ኣይከኣሉን። ኢየሱስ ግን ድንቂ ነገራት ጥራሕ ኣይኮነን ጌኢሩ፤ መንም ሰብ ገይሩዎ ዘይፈልጥ፤ ንዝሞቱ ሰባት ኣተንሢኡ፣ ኣብ መጨረሻ ኸኣ ንርእሱውን ካብ ዓዲ ሙታን ተንሢኡ።
ከም ኢየሱስ ኣቢሉ ነዛ ዓለም ዝለወጣን ዝገልበጣን የሎን፤ ኣብዛ ዓለም ሓዲስ ኣተሓሳስባ፣ ሓዲስ ኣነባብራ፣ ሓዲስ ኣገባብራ፤ ፍቕርን፡ ሰላምን፡ ታሕጓስን ዝመልኦ ሓዲስ ሕይወት ዘምጽአ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ። እምበኣር ኣብዚ ዓለምዚ ክንሕጐስ፣ ምስ ስድራ ቤትና ኾነ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር፣ ትርጉም ዘለዎ፣ ቅሳነት ዘለዎ፣ ተስፋ ዘለዎ ሕይወት ክንነብር፤ ንኢየሱስ ክንለብሶ የድሊ፤ ማለት ድላዩ ድላይና፣ ኣተሓሳስባኡ ኣተሓሳስባና፣ ዘረባኡ ዘረባና፣ ፍቕሩ ፍቅርና፣ ተግባሩ ተግባርና፣ ሕይወቱ ሕይወትና ክንገብሮ ኢልና ክንጽዕር የድሊ። በዚ ኸኣ እዩ እቲ ንሕይወት ኢየሱስ ብምሉኡ ዝለበሶን “ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፣ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብሥጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፣ በቲ ዘፍቀረኒ፣ ምእንታይ ከኣ ንርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘሎኹ።” (ገላ. 2፡20) ክሳብ ምባል ዝደፈረ ቅዱስ ጳውሎስ፤ “እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ” (ፍሊጵ. 2፡5) እናበለ ንሕይወት ኢየሱስ ሕይወትና ክንገብሮ ይመኽረናን የተባብዓናን ኣሎ።
ኣብዚ ዓለምዚ ትርጉም ዘለዎ ሕይወት ክንነብርዶ ንደሊ ኢና፧ ኣብቲ ዝመጽእ ዓለምከ መንግሥተ ሰማይ ክንወርስዶ ንደሊ ኢና፧ መልስና እወ! እንተ ደኣ ኾይኑ፣ ሕጂ ኣብዚ ሓዲስ ዓመት ክንውስንን ክንመርጽን የድሊ። እቲ መገዲ ፍሉጥ እዩ፤ ነየናይ ክንሓድግ፣ ነየናይ ክንወስድ ከምዘሎና ካባና ብዙሕ ዝተኸወለ ኣይኮነን። “ኣነ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣሎኹ” ኢሉ ቃል ኣትዩልና ኣሎ። ንቓሉ ዚጠልም ጐይታ ኣይኮነን። እንድሕሪ ኢልዎ፣ ካልኣይ ጊዜ ኣይደግሞን እዩ። ክፍጽሞ ኸኣ እዩ።
“ንስጉምትና መብራህቲ፣ ንመገድና ብርሃን” (መዝ. 119፡105) ኪኾነና ቅዱስ ቃሉ ሓዲጉልና ኣሎ። ንምንታይ ዘይንብቦ፣ ዘይንምገቦ፣ መምርሒ ሕይወትና ኪኸውን ዶ ኣይኮነን ጽሒፉ ሂቡና ዘሎ። እንታይ ክነመኽኒ ኢና፧ ንእኡ ዝኸውን ጊዜ የብልናን፧ እወ! እዚ ናይ ጊዜ ሕቶ ዘይኮነስ ናይ ምርጫን ናይ ውሳኔን ጕዳይ እዩ። ኣብ መዓልቲ ዓሠርተ ደቒቕ ወይ ርብዒ ሰዓት ቃል ኣምላኽ ምንባብ፣ ናይ ጊዜ ሕጽረት ኣይኮነን ናይ ውሳኔ ጕዳይ እዩ።
መንፈስና ከይደክምን ከይስልክን፣ እምነትና ከይጐድልን ከይምህምንን፤ መግቢ ኪኾነና፣ ሓይሊ ኪህበና ምሥጢራት ገዲፉልና ኣሎ፣ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ኼድና ቊስልና ክንፍወስን፣ ክንሓውን ክንሕደስን፤ ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቁርባን ቀሪብና ክንምገብን ክንሕይልን፣ በዚ መኣዲ፣ በቲ ኸኣ ቤት ሕክምና-ነፍሲ ሰሪዑልናን ከፊቱልናን ኣሎ። ካብዚ እንሕረመሉን እንዕቀበሉን ብቑዕ ምኽንያትዶ ይልወና ይኸውን፧
ምሸት ክንድቅስ፣ ንግሆ ክንትንሥእ፣ ገጽና ዓቲብና፤ ንሠለስተ ደቒቕ ምስ ኣምላኽና ተራኺብናን፡ ንኣምላኽና ኣመስጊናን ዘይንድቅሰሉን ዘይንወፍረሉን ምኽንያት ናይ ጊዜ ምስኣን ድዩ፧ እወ! እዚውን ናይ ጊዜ ሕቶ ኣይኮነን፣ ናይ ምርጫን ውሳኔን ሕቶ እዩ። ነቲ ዝመረጽናዮ ኸኣ እዩ ኪውሃበና። ሕጂ ንኣኡ ዝኸውን ጊዜ እንተ ዘይብልና፣ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ፣ ንሱውን ንኣና ዚኸውን ጊዜ የብሉን። ሕጂ እንተ ዘይፈለጥናዮን ተላለናዮን፣ ንሱውን ድሓር ኣይክፈልጠናን ኣይከለልየናን እዩ።
እወ! እቲ ምርጫ ሕጂ እዩ፣ እቲ ውሳኔ ሕጂ እዩ፣ ንሕይወትካ ምምራሕን፡ ዘዋጽኣካ መደባት ምስራዕን፡ ሕጂ እዩ። እወ! ሕጂውን እቲ ጐይታ ጊዜ ብምሕረቱን ፍቕሩን ነዚ ዓቢይ ህያብ ናይ 2015 ዓ.ም. በመልክዕ መኽሊት ይልግሰልና ኣሎ። ከከም ጸዋዕታናን፡ ኣነባብራናን፡ ትሕድርትናን ኣሜን ኢልና ተቐቢልና፣ ከምቲ ሓሙሽተ መኽሊት ተቐቢሉ ካልእ ሓሙሽተ ዘፍረየ እንተፍረና፣ ከምቲ ክልተ መኽሊት ተቐቢሉ፣ ካልእ ክልተ ዘፍረየ እንተፍረና፤ “ኣታ እሙን ኣገልጋሊ፣ ንዓ ኣብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” ዚብል ናይ ታሕጓስን ናእዳን ቃል ኢና ክንሰምዕ። ንምቕባል ሸለል እንተ በልናን፣ ወይ ድማ ተቐቢልና፣ ከምቲ ሓንቲ መኸሊት ተቐቢሉ፣ ሓንቲ ከየፍረየ፣ ዝቐበራ እሞ፤ ካብ ጐይታኡ፣ “ኣንታ ሃካይ ኣገልጋሊ” ዚብል ወቐሳን፣ ዜንቀጥቕጥ ፍርድን ዝተቐበለ፤ ንኣናውን ከምኡ ከይረኽበና፣ ንመጥንቐቕታ ተጻሒፉልና ኣሎ።
“እምበኣር ተጠንቀቑ፣ እቲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፣ ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፣ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር ዓያሹ ኣይትኩኑ። ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፣ ናብ ዕብዳን ስለ ዜብጽሕ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ ብልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን ከኣ፣ ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ኹሉ ነገር ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ መመስግንዎ።” (ኤፈሶን፡ 5፡15-20)።
ፍቁራት ኣሕዋትን ኣሓትን፤ ናይ ጊዜ ህያብ ክብሪ ንሓሉ፣ ጊዜ ኣይንሓሽሽ። ጊዜ ንድሕነትናን ንጥቕምናን እዩ ዚውሃበና ዘሎ። “ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብዚከኣል እናሠራሕኩምሉ ምስቶም ዘይኣምኑ ብጥበብ ንበሩ። ንነፍስ ወከፍ ብቑዕ መልሲ ሂብኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፣ ኣዘራርባኹም ኵሉ ሳዕ ብጸጋ ዝመልአ፣ ብጨው ዝተቓመመ ይኹን” (ቆላስያስ፡ 4፡5-6)። ንዚብል ቅዱስ ቃል ነስተውዕለሉ።
እንበኣር ነቲ፤ “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን፣ ናባይ ንዑ፣ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ።” (ማቴ.11፡28) እናበለ ዚዕደመና ዘሎ ጐይታ ንዕድሜኡ ኣኽቢርና ንቀበሎ፣ ንኣና ክሕሸና። ሕይወት ክንረክብ፣ ክንሕጐስ፣ ክንጻናናዕ፣ ተስፋ ክንረክብ፣ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክንወርስ። ነዚ ህያብ ሓዲስ ዓመት፣ ሓንጐፋይ ኢልና ብምስጋናን ብሓጐስን ንቀበሎ። ተቐቢልና ኸኣ ንስርሓሉን ነፍርዮን።
ልዑል ኣምላኽ ዓመት ጸጋን፡ በረከትን፡ ዓመት ጥዕናን ድሕነትን፣ ዓመት ቅድስናን ልምዓትን፣ ዓመት ራህዋን ሰላምን ይግበረልና። ኣሜን።
ሓውኹም ኣባ ሙሴ ተሰፋዮሓንስ -ሲታዊ








All the contents on this site are copyrighted ©.