2014-12-29 10:48:16

ሰንበት ዘብርሃን ታሕሣሥ 19 2007 ዓ.ም. (12/29/2014)


መዝሙር፡ አቅዲሙ ነገረ በኦሪት ከመ ይመጽእ ወልድ በስብሓት. . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 13፡8-ፍ፥ 2ጴጥ 3፡8-15፥ ግ.ሓ.26፡12-23፥ ማር 1፡1-8።
ምስባክ፡ ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፥ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ፥ ወውስተ አብያቲኪ እግዚኦ። “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ ንሳተን ይምርሓኒ፥ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስት እምባኻን ናብታ ማኅደሪኻ ዝኾነት ቤት መቕደስን የብጽሓኒ” መዝ. 43፡3~4
ብርሃን አምላኽ አብ መገዱ አብ ቤተ መቕደሱ ከብጽሓና ንልምን። አብ አምላኽ ገጹ ዝወስድ መገዲ ክንሕዝ ከሎና አብ መገድና ብርሃን አሎ ከይንዕንቀፍን ከምኡ መገዲ ከይጠፍአና ንሱ ብጸጋኡን ብርሃኑን ምሳና አሎ። ብርሃና አብሪህና አብ ምንጪ ብርሃን አምላኽ ገጽና ክንጉዓዝ ዝሕግዘና ስብከት።
ብርሃን ዝጎደሎ መዓልትን ሕይወትን ከቢድ እዩ፥ ምኽንያቱ ብርሃን ንኹሉ ክንርኢ ይሕግዘና ጽቡቕን ክፉእን ክንርኢ እንከሎና እንገብሮ ክንመርጽ ንኽእል። አብ ጸልማት ምርጫ የለን ምትእምማን የለን ከምኡ ጸልማት እትገብሮ አይትፈልጥ ዝመጽአካ አይትፈልጥ ስቓይ እዩ በዚ እዩ ኢየሱስ አነ ብርሃን ዓለም እየ ዝብለና፥ አብኡ ክንቀርብ ከሎና አብ ሕልናና አብ ልብና ብርሃን አሎ ሽዑ ንሓቂ ንሰላም ክንፈልጥ ንኽእል። ብርሃን ዓለም ንዝኾነ ክርስቶስ ክንቅበል ኢና እንሰናዶ ዘሎና እሞ ምሉእ ምቅርራብ ክንገብር ዕዉታት ይገብረና።
መዝሙር፡ “ወልድ ንጽዮን ቃል ተሓጓስ ኬስምዕ ከም ዝመጽእ ቀደም ብኦሪት ተናገረ፥ እንደገና ከአ ብአፍ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ተባህለ፥ ንሱ ንጻድቃን ዘብርህ ናብ ዓለም ዝመጽእ ብርሃን እዩ፥ ንዝጠፍኤ ኪረድእ ንዝተበትኑ ኪእክብ ንቤተ ክርስትያን መርዓዊአ ኰይኑ ናብአ መጸ” ይብል።
ክርስቶስ ብርሃንና ከምዝኾነ ፈልጢና አብኡ ክንመጽእ ክንቅበሎ ዘዘኻኽር መዝሙር። ነብያት አብ ክርስቶስ ዘቕርብ ቃል ተሓጓስ ከም ዝሰምዑ፥ ዳዊት ክርስቶስ እቲ ብሩኽ አምላኽ ከምዝኾነ ይነግር። ጻድቃን ብብርሃን ክርስቶስ ንኹሉ ክኢሎም አብ ሕይወቶም ንጽቡቕን ክፉእን ከለልዩ ስለ ዝኸአሉ ከም ዝተዓወቱ ንፈልጥ፥ ሎሚ እውን ንጉዓዞ ዘሎና ምጽአት ብርሃን ክርስቶስ ንዝጠፍአ ክረክብ ንዝተበተን ክእክብ ከምዝኾነ ይነግረና አሎ። ብርሃኑ ክንካፈል ንዕደም አሎና ሽዑ ንኻልኦት ከብርሃሎም እንልአኽ ንሕና ኢና።
ማርቆስ ወንጌላዊ አብ መባእታ ወንጌሉ ነቲ አስዒቡ ክብሎ ዝደሊ ክገልጽ ኢሉ ከም መቕድም ትሕዝቶ ወንጌል ይነግረና። አብዚ ኢየሱስ መን ምዃኑን ተራ ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ እንታይ ከምዝኾነን ይነግረና። ንኹሉ ትሕዝቶ ወንጌሉ ጠቕሊላ እትነግረና ሓሳብ “ጽቡቕ ብስራት ብዛዕባ ክርስቶስ ዝዛረብ ወንጌል” እናበለ ይጅምሮ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብል ሓሳብ ፍሉይ ትርጉም አልአ። መጀመርያ እዚ ወንጌል ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወትን ተልእኮን እዩ ዝነግር። ካልአይ ሓሳባትን እምነትን ትምህርትን (ቃልን) ኢየሱስ ዝሓዘ እዩ። ከምኡ እቲ ሓሳብ መግለጺ እምነት እዩ ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ እቲ መስሕ ወዲ አምላኽ ከምዝኾነ ይገልጸልና። እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ወንጌል አብዚ ሓሳባት ዝተጠቕለለ እዩ።
ማርቆስ ኢየሱስ ምልአት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ነቲ አብ ኢሳያስ ነብይን አብ ሚልክያስ ነቢይ ንዘሎ ሓዋዊሱ ዝረኽቦ ቃል እምነት ይጠቕሰልና (ኢሳ 40፡3፥ ሚልክያስ 3፡2 ከምኡ ዘፅ 23፡20)። ማቴዎስን ሉቃስን እዚ ጥቕሲ ንዮሓንስ መጥምቕ ከም ዘመልክት እዮም ዝገልጹ። ማርቆስ ግን ንኢየሱስ ከምዘምልክተ ገሩ እዩ ዘቕርቦ። ንማርቆስ ኢየሱስ ሓደ አብ በረኻ ዝተላእከ ልኡኽ አምላኽ ኮይኑ ነቲ ሰናይ ዜና ዘበስር እዩ። ንሱ ምልአት ናይ እቲ አብ ኢሳያስ አብ ሚልክያስን ዘፅአትን እንረኽቦ እዩ እናበለ ብዛዕባ ኢየሱስ ይነግረና።
ቅ. ዮሓንስ ከም ፊተውራሪ ኮይኑ አብ በረኻ ኮይኑ ንንስሓን ንጥምቀትን ክቕርብ ከምዝመጽአ ንርኢ። እዚ ጥምቀት እንብሎ ከም ናይ ክርስትያን ጥምቀት አይኮነን። ጥምቀት አይሁድ ካብ ኃጥአት አብ አምላኽ ምምላስ ዘመልክት እዩ። ቅ. ዮሓንስ ብኹሉ ንኤልያስ እዩ ዝመሳሰል ነሩ፥ ክዳኑ መግቡ ስብከቱ አብ በረኻ ምዃኑ ብኹሉ ንኤልያስ ይመሳሰል (2ዘነገ 1፡8)። በዚ እዮም ብዙሓት ኤልያስ ዲኻ እናበሉ ዝሓተትዎ።
ማርቆስ ዓወት ስብከት ዮሓንስ መጥምቕ ክነግር እንከሎ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ ኢየሩሳሌም ናብኡ ይመጹ ብኃጢአቶም እናተናዘዙውን አብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ከምዝነበሩ ይነግረና። ዮሓንስ ገሊጹ ንሱ እቲ ዝጽበይዎ ከምዘይኮነ ንሱ ስራኽ አሳእኑ እኳ ከፈትሕ ዘይበቅዕ ምዃኑ ነጊሩ፥ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ካብኡ ከምዝዓቢ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስ ከምዘጠምቖም ነጎርዎም። ንሱ ተልእኮኡ ከም ናይ ኩልና ተልእኮ ንሰባት አብ ክርስቶስ ምብጻሕ እዩ። ሎሚ አነ ንሰባት አብ መን አብጽሖም ሕቶ ኩልና ክኸውን ይግባእ።
ብምልኡ ናይ እዚ መባእታ ወንጌል እንተ አንበብናዮ ብዛዕባ ምጽአት ኢየሱስ እዩ ዝገልጸልና። ኢየሱስ ሎሚ እውን ይመጽእ አሎ ክንቅበሎ ንዕደም አሎና። ኢሳያስ ነቢ አብ 40፡1-11 ዘሎ እንተ አንበብና ድሕሪ ስደት ባቢሎን አምላኽ ነቲ አብ መንጎ ህዝቡ ዝነበሮ ኪዳን ከምዘጽንዖን ዝሕድሶን ይነግሮም። አብ ባቢሎን አብ ስደት ምኻዶም ነቲ አረጊት ባህልታቶም ከም ዝስዕቡ ገርዎም። ኢሳያስ መዓልቲ ስደት ከብቅዕ ከምዝኾነ ኩሉ ከምዝሕደስ አብ ዓዶም ከምዝምለሱ ይነግሮም። ከምቲ አብ ምዕ 6 ዝብሎ አምላኽ ባዕሉ እዩ ነቲ መገዲ ምምላስ ዘሰናድዎ።
እዚ ዘሎናዮ እዋን ናብ አምላኽ ክንምለስ ከምዘሎና ኢሉ ብኢሳያስ ነቢ ገሩ “ተመለሱ ናብ እግዚአብሔር ጸልዩ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ፥ ኃጥአን መገዶም ዓመጸኛት ከአ ሓሳቦም ይኅደጉ” (ኢሳ 55፡6-7) ይብለና። ኢሳይስ እስራኤላውያን ካብ አምላኽ ምስ ረሓቑ አብ ስደት እንከለዉ ክገብርዎ ዝግብኦም ነጊርዎም ኩሉ ዝወረዶም ግፍዒ ብሰንኪ ኃጢአቶም እምበር ጸላእቶም በርቲዖም ከምዘይኮኑ ገሊጹ ተዛሪብዎ፥። ሎሚ እውን ከምኡ እዩ ዘሎ ሕይወትና፥ ንአምላኽ ከም ካልኣዊ ሰሪዕና እንተ ጠዓመና ንዝክሮ እንተ ዘይጠዓመና ኸአ አብ ውራይና ንኸይድ እዚ እዩ ናይ ሎሚ ኃጢአት ካብ አምላኽ አርሒቑና ዘሎ።
ክንምለስ ንጽዋዕ አሎና። አብ ዓድና ሰብ ከምዚሎሚ ከይኮነ ብእግሩ ጥራሕ ክገይሽ እንከሎ አብ ጉዕዞ ቀራና መገዲ ከይጋገ ክሓትት አለዎ ምኽንያቱ መገዱ እንተ ሰሓተ ክጠፍእ አብ ሓደጋ ክወድቕ ስለ ዝኽእል ነታ ቀንዲ መገዱ ከይጋገ አፍልጦ ክህልዎ ይግባእ። አብ መንፈሳዊ ሕይወት ጉዕዞና ዘጋጊ ቀራና መገዲ ብዙሕ እዩ ሎሚ እምብአር ከይንጋገገ ቃል ወንጌል ተመለሱ ሒዝክምዎ ዘሎኹም መገዲ አይቅኑዕን እዩ ይብለና አሎ።
አብ ሓቀኛ ሕይወትን መገዲን ክንምለስ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ፡

ክርስቶስ ይመጽእ አሎ፡ ብርግጽ ነዚ ንፈልጦ ኢና ግን ልምዲ ባህሊ ከየዘንግዓና አብ ብርሃን አብ ሰላም ክንአቱ እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። አምላኽ ከማና ሰብ ስለ ዝኾነ ድኽመትና ክፍአትና ከምኡ እነሕልፎ ፈተና ብዝያዳ ስለ ዝፈልጦ ብድፍረት አብኡ ክንቀርብ ይግብአና። ፈተና ዓለም ሰይጣን ንሕይወትና ከዕንዎ አይግባእን፥ ንፈተና ክንስዕሮ አሎና ክንብል እንከሎን አብ ገለ እዋን ክንቅይር አሎና ማለት እዩ። አብ ፈተና ምህላው ንፈልጦ ኢና ከምኡ ካብ ፈተና ነጻ ምዃን እውን ንፈልጦ ኢና። ኢሳያስ ነብይ አብዚ እዋን አብ ፍቅሪ አምላኽ መሰረት ገርና ክንጉዓዝ ኢሉ “እንሆ እግዚአብሔር ነቶም ዝተበጀዎም ህዝቢ ኂዙ ብኃይሊ ኺገዝእ ይመጽእ አሎ፥ ንሱ ነመጓሰኤኡ ኸም ጓሳ ይከናኸነን ንዕያዉቱ አኪቡ አብ ሕቕፉ ይስከመን ነተን ዝጠብዋ ድማ ብህድአት ይመርሐን” (ኢሳ 4፡10-11) ይብለ።
ልደት ክርስቶስ ናይ አምላኽ ድለት ክፍልጠና፥ ምሳና ክኸውን፥ ካባና ሓደ ክኸውን እዩ ዝገልጸልና። እቲ ሰናይ ዜና አብ መአዲ አምላኽ እዩ ዝጅምር። ኢየሱስ ዝመጽአ ፍቕሪ አምላኽ ክገልጸልና ከምኡ አምላኽ አብ መንጎና ኮይኑ ንኹሉ ነገራትና ክቕይር እዩ መጺኡ። ማይ አብ ወይኒ ክልወጥ ይክአል፥ ንሕና ኸአ እቶም አምላኽ ዘፍቅሮም ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዚ መሰረት ገርና ኢና ጉዕዞ ምጽአትና ተተሓሒዝናዮ ዘሎና።
ካብቲ ተሓቢእናዮ ዘሎና ክንወጽእ እሞ ደቂ ብርሃን ኮና ክንልለ ክንፍለጥ ክንወጽእ አሎና። ካብ ዘሎናዮ እንተ ዘይወጻእና አምላኽ ክንረኽቦ ክረኽበና አይክእልን እዩ። አበሎኻ/ኺ እናበለ ይሓትት አሎ መልሲ ክንህብ የድሊ። ምናልባት ዓይንና ዓዊሩ እንተሎ፥ ልብና ደንዚዙ እንተሎ፥ ሕልናና ደኺሙ እንተሎ “ኩልኹም ዝደኸምኩም አባይ ንዑ ክሕድሰኩም ክቕይረኩም ስለ ዝብለና ዘሎ ሎሚ ካብቲ ተሓቢእናዮ ዘሎና ንውጻእ።
አብ ጸልማት ጸኒሕካ አብ ብርሃን ክትወጽእ እንከሎኻ ስለ ዝደጉሓካ ቀሊል አይኮነን እሞ ንብርሃን ክርስቶስ ክንስተማቕር አብዚ እዋን ምጽአት ብጣዕሳ ኃጢአትና አብ መንበር ንስሓ አቲና ንነሳሕ ሽዑ ንብርሃን ክንለምዶ ኢና።
አምላኽ አብ ሕልናና አትዩ ንኃጢአትና ንድኽመትና ርኢና እንኽእለሉ ብርሃን ጸግኡ ይዓድለና፥ ምቅርራብና ምቅርራብ እሙናት ሓዋርያት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.