2014-12-23 19:48:48

መንፈሳዊ ሕማማት ንምፍዋስ መርመራ ኅልና የድሊ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም የማናይ ኢዶም ዝኾኑ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ አብ መንበረ ሮሜ ዘማኽርዎም ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ከማኡ እውን ካህናትና ደናግልን ምእመናንን ናይ በዓለ ልደት ሠናይ ምንዮት ክገልጹን ብአካል ሰላም ንክብልዎምን ንመራሕቲ አብ አደራሽ ክለመንቲና ንካልኦት ከአ አብ አደራሽ ጳውሎስ 6ይ ተቀቢሎም አብ ሰላምታ ምስ አቅረቡ “ኩርያ ሮማና ወይ ጉባኤ ሮማ ንእሽቶ አብነት ቤተ ክርስትያን ኢዩ፣ እዚ እንተጥዕዩ ኩሉ ጥዕዩ ማለት ኢዩ፡ እቲ ሓደጋ በዘን ዝስዕባ ዓሠርተ ሓሙሽተ ሕማማት ክግለጽ ይከአል” እንክብሉ ነተን መንፈሳውያን ሕማማት ቤተ ክርስትያን ክኾና ዝኽእላ በብሓደ ዘርዘሮም፣
እዚ አካል ቤተ ክርስትያን ከም ሓደ አካል ጥ ዑይን ህያውን ኮይኑ ምስ ክርስቶስ ንክወሃህድ ክንክን የድልዮ እንተዘየሎ ከም ማንም ሠራሕተኛታትን ሰብ ውዕለትን ኰና ከምቲ ካብ ጕንዲ ዚፍለ ጨንፈር ክንነቅጽ ዚከአል ኢዩ፣
መንፈስ እግዚአብሔር እንከዋህድ መንፈስ ጸላኤ ሠናያት ግን ይፈላሊ፣ ስለዚ ዝኾነ ሕማም ፍልልይ ካብ ጸላኢ ስልዝኾነ ሕልናና መርሚርና ክንሳሕን ክንዕረቅን ጊዜኡ ኢዩ፣ አስተው ዕል አቢልና እንተተመልከትና ቀዳማይ ሕማምና ዘለዓለማውያን ኮይኑ ክስመዓና እንከሎ ከምቲ ዓሻ ሃብታም ነፍሰይ ደስ ይበልኪ እናበለ እንከሎ እግዚአብሔር ሎሚ ለይቲ ነፍስኻ ክወስድዋ ኢዮም ዝበሎ ንመስል፣ ስለዚ መወቲ ከምዝኾና ንሕሰብ፤ ቦታ መቃብር ዘወር ቢልና ምርአይ ክሕግዘና ይኽእል፣ ንዘለዓለም ዝነብር የብልናን ወላውን እቶም ካብ ደረጃ ናብ ደረጃ እናደየቡ ጐይቶት ኮይኑ ዝስምዖም ከይተረፉ እታ ዕለት ምስ በጽሔት ክሓልፉ ኢዮም፣ ካብዚ ቀጺሉ ሕማመ ማርታን ሕማመ መንፈሳዊ አልዘማየር አሎ፣ ሕማመ ማርታ እንብሎ ከም ማርታ ላዕልን ታሕትን እናበልና ነቲ ማርያም ዝኃረየቶ ቀንዲ ነገር ንዝንግዕ፣ አብ ሥራሕ ጥራይ ምጽማድ ሓደገኛ ኢዩ፣ ኩሉ መደባት ንሥራሕ ጥራይ እንተኾይኑ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ አይህቦን ዝገደደ ከአ ነቲ ካል አይ ሕማም ናይ ምርሳዕ መንሽሮ አልዝማየር ዝበሃል ነቲ ቀንድን መንፈሳውን ሕይወትን ታሪኽን ረሲዕካ ምስ ጐይታ ክትራኸብን ክትዋሳእን ከምዘሎካ ምርሳዕ የጋጥም በዚ ከአ ባርያ ናይቲ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ሥራሓትን መደባትን ኰና ንተርፍ፣ ከም ሳዕቤን ናይዚ ከአ ናይ ውድድርን አነ እሓይሽን መንፈስ ይነግስ፣ እዚኦም ግን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎም ተጻይ መስቀል ክርስቶስ ኢዮም፣ ዝገደደ ከአ ካልእ ብሥጋውን ሥነ አእምሮአውን ሕማማት እስኪዞፍረንያ ዝበሃል አብ ሓደ ሰብ ክልተ ባህርይ ማለት እንክኸውን ናይ እግዚአብሔር ሰብ ተባሂልካ ክልተ ሕይወት ምንባር አብ ቅድሚ ሰብ ከም አምሰሉ ተሓቢእካ ከአ ካልእ ሕይወት እናነበርካ አንጭዋ ክልተ ባላ ኰንካ አይነቲ አይነዚ ምንባር እውን ዝሓሰመ ሕማም ክኸውን ይኽእል፣
ካብ ኩሎም ዝሓሰመ ራዕዲ ሕሜታን ቤላ ቤለውን፣ እዚ እቲ ዝሓሰመ መንፈሳዊ ሕማም ኮይኑ ክውገድ ዘለዎ እንክኸውን ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከአ ንሓለፍቲ ማዕረ እግዚአብሔር ብምሥራዕን ንሥልጣን ምቅድዳምን ክንዲ ን እግዚአብሔር ንሰባት ከተምልኽ ምርካብን ስለዝፈጥር ካብዚ እውን ምህዳም የድሊ፣ እዚ ብወገን ሓለፍቲ ይኹን ሠራሕተኛታት ሓደገኛ ሳዕቤን ስለዘኸትል ብእዋኑ ምፍዋሱ የድሊ፣ ካብዚ ዘይፍለ ከአ ምስ መሳርሕትኻ ዘይምውሳእ አሎ፣ ገጽካ ትኪ አምሲልካ ካብ ቀብሪ ዝምለስ እናመሰልካ አብ ቤት ጽሕፈታት ምንባር ነቲ ወትሩ ብጐይታ ተሓጐሱ ዝብል ለበዋ ሓዋርያ ዘኪርና ቍሩብ ዋዛን ሰሓቅን ቀመም ሕይወት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ ከምዘድሊ እውን አዘኻኺሮም
ካልእ መስደመም ዝኾነ ከአ ፈላሲ ተባሂልካ መዓት ንብረት ምእካብ እንክኸውን እዚ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምቅይያር አብ ዝግበረሉ ጊዜ አብ ቃልዕ ይወጽእ፤ ሓደ ሐዋርያ ነቲ ናይዚ ዓለም እዚ ባዶነት ንክመልእ ወላእውን ዘየድልዮ ክንሱ ርግጽነት ምእንቲ ክስምዖ መዓት ንብረት እንክእክብ ዓገብ ዘብል ኢዩ፣ ቀደም ንኢየሱሳውያን ሰብ ቍሩብ ጾር ይብልዎም ነሮም ሓደ ጊዜ ሓደ ኢየሱሳዊ መንእሰይ ካህን ቦታ ክልውጥ እንከሎ በጣሕ ዚአክል ንብረትን መጻሕፍትን ክጽ ዕን ምስ ተዓዘቦ ሓደ ሽማግለ ኢየሱሳዊ ካህን አየኸ እዚ ድዩ ኢየሱሳዊ በዓል ቍሩብ ጾር ዚበሃል በሉ፣ ሽሕኳ አነ ደሓን ኢየ ንብል እንተኾና ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቅየር እንከሎና ጉድና ይግለጽ፣
ቀጺሎም ቅዱስነቶም አብቲ ዝርዝር መንፈሳዊ ሕማማት ምልስ ብምባል ከም መንሸሮ ቤተ ክርስትያን ዝገለጽዎ ወገነይ ወገንካ ጉጅለይ ጉጅለኻ ብማለት ዝፍጠር ዕጽው ጕጅለታት ክሳብ ክንደይ ጐዳኢ ምዃኑን ምስ ምሕላፍ ጊዜ እዚ ነቶም አባላት ባሮት ብምግባር ንብዙሓት ዕንቅፋት እናኾነ ነቶም ናቱ ከምዚ አብ ውግእ ብጌጋ ብገዛእ ብጾቶም ዝውግኡን ዝሞቱን ዓይነት ኮይኑ የዕኑ ምስ በሉ ዓለማዊ መኽሰብን ረአዩለይ ስምዑለይ ዘስ ዕብ ጃህራን እውን ክፍሊ ናይዞም ሕማማት ኮይኖም ም እንቲ ዚኦም ቢልካ ክሳብ ስም ብጾትካ ምጽላምን ምክፋእን ከምዝብጻሕ አብሪሆም፣
ሕማምካ ምስ ፈለጥካ ጥ ዕና ትደሊ እንተደአ ኰንካ ሕክምና ኢኻ ትጐዪ ንቤተ ክርስትያን ሓኪማ ከአ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ስለዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ንክንሓዊ ይሕግዘና፣ ንክነጺሕ እውን ይድግፈና፣ ካባና ዝድለ ሠናይ ድላይ ጥራይ ኢዩ፣ እኖና እግዚአትነ ማርያም ነዚ ናይ ኃጢአት አቍሳልና አሕዊና ንቤተ ክርስትያንን ኩርያ ሮማናን አሕዊና ንካል ኦት ከነሕዊ ጸጋ ከተውህበና ንለምና፣ እንክብሉ ዘረባኦም ቅድሚ ምዝዛብ ብዛዕባ ካህናትን አበርክቶኦምን ከምዚ ቢሎም፣
ካህናት ከም ነፈርቲ ኢዮም ሰማይ ሰማይ ክበሩ እንከለው ዝግደሰሎም የሎም እንተወዲቆም ግና አርእስተ ዜና ኮይኖም ኩሉ ብዛዕባኦም ይዛረብ፣ ስለዝኾነ ከአ ብዙኃት ብዛዕባ እቶም ዝወደቁ ካህናት ይፈርዱን ይሓምዩን ግን ም እንታ አቶም ዝጽልዩ ቍሩባት ኢዮም፣ ኮይኑ ግን ብዙኃት ከይወደቁ ዝነፍሩ ካህናት ከምዘለውና አይንዘንግዕ፣ እንክብሉ ም እንታኣቶም ክጽልዩ ሓደራ ብማለት ሠናይ ምንዮት ልደት ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.