2014-12-20 16:17:12

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ምስሊ ልደት ኣብ መብልዒ ማልን ዓቢይ ገረብን (ጽሕዲ) መልእኽቲ ብርሃንን ተስፋን ፍቕርን እዩ



ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዝቖመ ምስሊ ልደት ኢየሱስ ኣብ መብልዒ ማልን ዓቢይ ናይ ልደት መግለጺ ኦምን ብኹሉ ክብጽሓን መንፈሳዊ ንግደት ዝፍጸመሉ ምስጢረ ትስብእት ዘዘንትው ምርኢት ዘዳለውዎ ተቛማት ሰብ ሙያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ተቐቢሎም፦ እቲ ካብ ወጻእን ውሽጥን ብዝመጹ መእመናን ዝብጻሕን ዝድነቕን መንፈሳዊ መስህቦ ዝዀነ ዘቖምክምዎ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ኣብ መብልዒ ማል ዘዘትውን እቲ ዝቖመ ናይ ልደት ኦም ዓቢይ ናይ ልደት ህያብ እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።
እዚ ካብ ጥንቲ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እናተመሓላለፈ ክሳብ ኣዋንና ዝበጽሔን ናብ መጻኢ ትውልዲ እናተመሓላለፈ ዝቕጽል ቅዱስ ባህሊ ንኣመንትን ኢኣማንያንን ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሰብ ሙያ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፣ ኣብቲ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘዘንትው መግለጺ ልደት ኣብ መብልዒ ማልን እቲ ዝቖመ ናይ ልደት መግለጺ ብመብራህቲ ዝዅላዕ ዓቢይ ገረብ ንኹሉ ዝዛረብ ክውን ቅዱስ ታሪኽ ዘዘንትው ምስጢረ ትስብእት ዘእግዚእነ ዘማዕድውን ነቲ ዓቢይ ምስጢር ዘጠምትን ናይቲ ዓቢይ ምስጢር መቓልሕ እዩ፣ እቲ እንኮ ወልድ እግዚኣብሔር ንምድሓንና ስጋና ለቢሱ ሰብ ኰነ ዝብል ናይ ኢየሱስ ብርሃን ናብ መላእ ዓለም ዝተልእኸ ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ዓቢይ ናይ ምድሓን ምስጢር፣ እቲ ሰብ ዝሰርሖ መግለጺ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማልን መግለጺ ልደት ዓቢይ ገረብን ናይ ኵሉ ልቢ ዝትንክፍ ዝገብሮ ድማ ብዛዕባ ሕውነትን ጥብቂ ምቅርራብን ምሕዝነትን ዘቃልሕን ፍጥረት ሰብ ናይቲ ተራን ገርሄይናን ሕይወት ጽባቔን ናይ ምትሕብባርን ተኻፊልካ ምንባርን ክብርታት ክንበር ዝዕድምን ዘነቓቕሕን ብምዃኑ ናይቶም ዘይኣምኑ ልቢ እውን ዝትንክፍ ይገርብሮ፣ ናይ ፍቕሪ ምልክት ስለ ፍቕሪ ስለ ድሕነት ሰብ ናይቲ ፍጹም ፍቕሪ መግለጺ እዩ፣ ከምኡ እውን ውህደትን ስምምዕን ዝብ ቃል መሰረቱ ምስ ኣልባብ ዝብል ልባዊ ስምምዕ ማለት እዩ፣ ስለዚ ልብታት ዘረኽብ ናይ ሰላምን እዚ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሕይወት ቦት ምሃብ ነቲ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ንምንብርካኽ ብትዕቢት ዝመጸ ዘይኰነስ በቲ ድኹም ዝውለድ ዕሸል ኣቢሉ ነቲ ከሃሌ ኵሉ ፍቕሪ ከወፍይ ዝመጸ ፍቕሪ ዝምስክር እዩ፣ ስለዚህ እዚ መግለጺ መብልዒ ማልን ኦምን በዓለ ልደት ናይ ብርሃንን ተስፋን ፍቕርን ትእምንርቲ እዩ። ንዓኡ ንስዓብ፣ ነቲ እውነተይና ብርሃን ንስዓብ፣ ቢሎም ንኹሉም ነቶም ነቲ ምርኢት ልደት ዝገልጽ መብልዒ ማልን ነቲ ዓቢይ ናይ ልደት ገረብ ዘቖሙን ሰብ ሙያ ኣመስጊኖም ናይቶም ኣብ ጽንኵር እዋን ዝርከቡ ዜጋታትን ውሽጣዊ ጸላም ዝነብሩን ህያዋን ጐይታ ዝውለደሎም ስፍራ ኰይና ናይቲ እውነተይና ፍቕርን ተስፋን ብርሃንን ብቓልን ሕይወትን ነብጽሕ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ቸራሶ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.