2014-12-19 08:51:37

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ተልእኾ ስድራ ቤት ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ተልእኾ ክርስቲያን ስድራ ቤት ኣብ ውሽጡ ንዘሎ ኢየሱስ ኣብቲ ተራ ዕለታዊ ናብራ ወትሩ ብምእንጋድን ህላዌኡ ብምዕባይን ንእንነበረሉ ዓለም ብሉጽ ዝገብር እዩ” እንክብሉ ዕለት 17 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ናይ 2014 ዓ.ም. ናይ መወዳእታ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ሓደ ሚሊዮንን ክልተ ሚእቲ ሽሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ከምእተሳተፉ ኣመልኪቱ፣ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዛዕባ ድራ ቤት ንኽዝትይ ዝወሰንዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ተጀሚሩ ክሳብ ዝፍጸመሉ ዕለት ኣብ ስድራ ቤት ዘተኰረ ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፦ “እቲ ብምኽንያት በዓለ ልደት እነቑሞ መግለጺ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ብጽሞና እቲ ኣዚዩ ውህበትን ውበትን ዝዀነ ታሪኽ ዓለም ዘስተምህርን፣ ኣቲ ታሪኽ ብቕድምን ብደሓርን ብምኽፍፋል ኣብ ታሪኽ ታሪኽ ኰይኑ ዝኣተወ ኩነት በቲ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ግዝኣት ዝተጸልኤን ዝተናዕቀን ካብቲ ዝተናዕቀ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ዝነቐለ እዩ” እንክብሉ ብምቕጻል ናብታ ናዝራዊት ቤተ ሰብ ዝዀነት ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ስድራ ብሓሳቦም ብምእታው ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ዘደንቕ ኣብነት ክነሱ ብዙሕ ጊዜ ዝዝንጋዕ ስድራ ቤት ዓቢይ ግምት ብምሃብ፦ “እግዚኣብሔር ስድራ ቤት መረጸ፣ ነቲ ሓድሽ ጅማሬ ዝዅነ ኵላዊ ታሪኽ ነኸበግስ ኣብ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ክውልደ መረጸ፣ ስድራ ቤት እቲ ኣዚዩ ቅዱስን ሰናይን ውህበት ታሪኽ እዩ። ናብቲ ብስልጣናትን ሓያላንን ናይ ከተማታትን ናይ ህልውናን ደጋዊ ክፍሊ ዝዀነ ዝተናዕቀ ኩነት መረጸ ሕይወት ድማ ሃቦ፣ ኢየሱስ እቲ ዓለም ከድሕን ዝመጸ መሲሕ እዩ። ኣብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማ ንስድራ ቤት ሕይወት ክኸውን ኣብታ ስድራ ቤት ንሰላሳ ዓመት ነበረ፣ እቲ ከድሕነና ዝመጸ ኢየሱስ ኣብታ ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማ እትርከብ ስድራ ቤት ንሰላሳ ዓመት ዝተቐመጠ ብሓቂ እግዚኣብሔር እዩ? ዝብል ሕቶ ክቐርብ ይኽእል፣ ሰላሳ ዓመት ኣባኺኑ፣ ከይዲ እግዚኣብሔር ምስጢር እዩ፣ እቲ ዘገድስ ስድራ ቤት ኣብኡ ኔሩ፣ እቲ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ንሰላሳ ዓመት ምንባሩ ዝባኸነ ትርጉም ኣልቦ ኩነትን ጊዜን ኣይኰነን፣ ማርያም እታ ብልጽቲ ንጽሕትን ቅድስትን፣ ዮሴፍ እቲ ብሉጽ ቅኑዕን ሰብ፣ እወ ኣብታ ኣብ ስድራ ቤት እዩ ኔሩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ኣብ ዘመናት እቲ ተራ ናይ ናዝሬት ከተማን ናይታ ስደራ ቤትን ኣብ ወንጌል ዝንገር ቅዱስ ኩነት ነቲ ዝነበርዎ ትሕትናን ህድኣትን ዓቃልን ታሪኽ ናይ ስነ ቅብእን ስነ ቅርጽን ስነ ድርሰትን ስነ ሙዚቃን ታሪኽ ነዚ ቅዱስ ኩነት ግምት ብምሃብ ከምዝቐረጽዎ ዘዘኻኸሩ ቅዱስ ኣቦና፣ እዚ ኩነትን ባህርይን ስድራ ቤት እቲ ፈጺሙ ዘይበርስን ዘይቕህምን ጊዘ ዘይሓልፎ ስድራ ቤታዊ ኣብነት፦ “ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ስድራ ከምቲ ማርያምን ዮሴፍን ዝገበርዎ ኢየሱስ ምእንጋድን ንኣኡ ጽን ምባልን፣ ምስኡ ምዝራብን፣ ንኣኡ ምሕብሓብን ምስቲ ናቱ ምዕባይ ብምዕባይን እንነብረሉ ዓለም ብሉጽ ክግበር ዝተጸውዔ እዩ። ተልእኾኡ ብሉጽ ዓለም ምምስካርን ምሕናጽን እዩ። ኣብ ልባትና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ብዙሕ ጸገምን መከራን ንኸሕልፉ ዝደረኾም እውን እንተነበረ በዚ ኩነት ክይተሰነፉ ከምቲ ማርያም ዮሴፍን ዝገበርዎ ንጐይታ ቦታ ንሃብ፣ ናይ ሓሶት ምስሉይን ዘይጭቡጥ ስድራ ቤት ኣይነበሩን። እታ ናዝራዊት ቤተሰብ እቲ ናይ መላእ ስድራ ቤት ጸዋዕታን ተልእኾን እንታይ ምዃኑ ብዅሉ ንኽልለይ ተጊሆም እዮም” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ኢየሱስ ኣብታ ስድራ ቤት ዘሕለፎ ዓመታትን ኩነትን ታራ ሕይወት ትርጉም ኣልቦን ዋጋ ኣልቦን ጌርካ ምሕሳብ ካብ ነፍሲ ወከፍ ልብን ኣእምሮን ሰብ ክርሕቕ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፦ ናዝራዊት ቤተ ሰብ ኣብ መንጐ ኣቦን ኣደን ወለድን ውላድን ዘሎ ርክብ ዘዘንትውን ብሉጽን ውበትን ውህበትን ዝኾነ ርክብ ዘድምዕ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ጽልእ ዘይኰነስ ፍቕሪ ደኣ ኣብ ስድራ ልሙድ ክኸውን ዝከኣል ምዃኑ እተረጋግጽ ኣብነታዊት ስድራ እያ፣ እዚ ኣንሕና እውን ክንክውኖ ዝተጸዋዕና ኢና፣ ሸለል ምባልን ዘይምትሕስሳብን ተጸባእነትን ዘይኰነስ ፍቅሪ ኣብ ነሓድ ሕድናን ክንክውን ዝተጸዋዕና ኢና። ካብታ ናዝራዊት ቤተሰብ ንደሓር ኣብ ዝዀነ ስፍራን ኩነትን እትርከብ ስድራ ቤት እዚ ምስጢር’ዚ እያ እትዕቅብን እትከናኸንን፣ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማን ኣብ መላእ ዓለም፣ እቲ ናይ ወልድ እግዚኣብሔር ምስጢርን እቲ ንኸድሕነና ዝመጽእ ምስጢረ ኢየሱስን ትግባሬ ኰይና እያ፣ እቲ ዓቢይ ተልእኾ ስድራ ቤት ድማ ኣብ ማሕጸን ስድራ ቤት በቶም ኣብታ ስድራ ቤት ዝውለዱ ሕጻናት ኣቢልካ ንኢየሱስ ቦታ ምሃብን ንኣኡ ምእንጋድን ዝንበረሉን ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ሰበይቲ ንበዓል ቤታ ብምእንጋድን ብምክንኻንን ንኢየሱስ ምእንጋድ ይኽወንን፣ እዚ ምእንጋድ’ዚ ድማ ነታ ስድራ ቤት መንፈሳውን ሰብኣውን ቤታውን ዕብየት የረጋግጽ” ቢሎም ጐይታ ኣብዚ ናብ በዓለ ልደት እንቀራረበሉ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዘመነ ምጽኣት ነዚ ጸጋ’ዚ ይዓድለና እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.