2014-12-16 16:24:40

ቅዱስ ኣቦና ንቑምስናታት፦ በዓለ ልደት ደጋዊ ህያብ ዘይኰነስ እቲ ህያብ ባዕሉ ጐይታ ኢዩ


RealAudioMP3 ናይ በዓለ ልደት ሃሴት ንምንባር ጸሎትን ምእንቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ምምስጋንን፣ ነስኡናት ምድጋፍን ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ዮሴፍ ከባቢ ኣውረሊዮ ክፍለ ከተማ ፕሪማ ቫለ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ንመላእ ቍምስናታት ሮማ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ቁምስና መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጎም ምስ ምእመናንን ዝተፈላለዩ ናይታ ቍምስና መንፍሳዊ ማሕበራትን ከምእተራኸቡን ኣብ እዋን ንእስነቶም ዘሕለፍዎ በዓለ ልደት ኣማእኪሎም ብዛዕባ ትርጉም በዓለ ልደት ከምዝገለጹ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፦ ቁምስና ቅዱስ ዮሴፍ እቲ ዓቢይ ቁምስና ተብሂሉ ዝንገረሉ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ምስቶም ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ተራኺቦም፣ ብፍላይ ነቶም ቀዳማይ ቁርባንን መሮንን ንዝቕበሉ ምስቲ ንሶም ንኡስ እንከለዉ ዝነበርዎ መንፈስ ኣማእኪሎም፦ “ኢየሱስ ምቕባልን ምስኡ ምርኻብን ክንደይ ደስ የብል” ከምዝበሉን፦ “እታ ቀዳማይ ቅዱስ ቁርባን ዝተቐበልናላ ዕለት ወትሩ ክንዝክራን፣ ኢየሱስ ናብ ውሽጥና ኣትዩ ሓደ ከማና ኰይኑ ሓይልን ጽንዓትን ይዀነና፣ ሓደራ እዛ ፈለማ ዕለት ኣይንረስዓያ፣ እተን ቀዳማይ ቅዱስ ቁርባን ንኽቅበል ትምህርተ ክርስቶስ ዝመሃራኒ ድንግል ዕለት 17 ጥቅምቲ 1987 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዳ ወትሩ ኣይርስዔንን፣ ኣብ ዝተቐበራሉ ስፍራ ይበጽሔንን ምእንታኤን እጽልን” ከምዝበሉ ገሊጸን።
ኣብቲ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣውን ምስቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ማሕበረሰብ ሮምን ኣብ ዓቢይ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጸገም ዝርከቡ ተነጺሎም ምስ ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ከባቢ ቁምስና ቅዱስ ዮሴፍ ዝነብሩ ተራኺቦም ምስኣቶም ብሓባር ጸልዮም፦ “ሓደራ ተስፋዅም እቲ ፈጺሙ ዘየደናግረናን ዘየታልለናንን ኢየሱስ ይዅን፣ ንሱ እዩ ጸግዕኹም” ቢሎም ንዅሎም ኣባላት ቁምስናን ኣባይቲ ስድራን ሰናይ ዘበለ ተመንዮም፣ ናይ ኢየሱስ ሓጎስን ናይ ኢየሱስ ሰላምን ምሳኹም ይዅን ብናቱ ሓጎስን ሰላምን ተመሊእኩም ሕጉሳትን ሰብ ሰላም ኰይንኩም ተጓዓዙ ኢየሱስ ወትሩ እዩ ዝጽበየና፣ ንደንጉይ ንቐልጥፍ ንሱ ንምጽባይና ዕጉስ እዩ፣ ንሱ ይርእየና እዩ፣ እቲ ንኣኡ ዘይምርኣይ ካባና እዩ” ምስ በሉ ምስ ኣረጋውያንን ህሙማንን ተራኺቢም “ንስኻትኩም ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን ኢኻትኩም፣ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ኣረጋውያንን ህሙማንን ሓንቲ መዓልቲ እውን ንቕድሚት ኣይምሰጐመትን፣ ኢየሱስ ኣብቲ ሕማምኩም ይበጽሓኵም ሓይሊ እውን ይጽግወኩም እቲ ካብኡ ዝተቐብልኩምዎ ሓይሊ እዩ ንቤተ ክርስቲያን ዘሰጉማ ዘሎ፣ ስለምታይ ኣብ ናይ ኢየሱስ ስቓይ ሱታፌ ስለ ዝኾነ፣ ብትዕግስትን ብሓጎስን ምስ ጐይታ ሓቢርኩም ተጓዓዙ” ኢሎም ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስጢረ ጥምቀት ምስ ዝተቐበሉ ሕፃናት ተራኺቦምን ቡራኬ ሂቦምን ንሓሙሽተ ምእመናን ኣናዚዞም መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ከምዝኣተዉ ቸራዞ ገሊጸን።
ቅዱስ ኣቦና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፦ ናይ ልደት ሓጐስ ፍሉይ ሓጐስ እዩ፣ ኣብ በዓለ ልደት ጥራሕ ዘይኰነስ መላእ ሕይወትና ዘሰንየና እዩ፣ ርጉእን ሰላማውን ወትሩ ኣብ እዋን ጸበባን መከራን ደስታን ንኽርስትያን ዘሰንይ ዘይጽንቐቕ ሰላምና ዝኸውን ሃሴት እዩ፣ እቲ ናይ ክርስቲያን ሓጎስ ካብ ግኡዛዊ ህያብን ኣህላኽን ባህሊ ዘይኰነስ ትዕድልቲ ኢየሱስ ኢዩ፣ ልደት ኢየሱስ እንዕደለሉ ዕለት እዩ፣ ሓጐስና ድማ እዚ ትዕድልቲ’ዚ እዩ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ “ኣሕዋተይ ወትሩ ሕጉሳት ኵኑ ይብል፣ ከምይ ገይረ እየ ወትሩ ሕጉስ ዝኸውን? ንዝብል ሕቶ ድማ ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቲ መልእኽቱ ብምቕጻል ‘ወትሩ ብዘይ ምቍራጽ ብምጽላይን፣ ስለ ዅሉ በቲ ዅሉ ንእግዚኣብሔር ብምምስጋንን’ ምዃኑ ይምልሶ። እወ ወትሩ ኣመስጋኒ ምዃን እዩ ሓጐስ ዘዕድለና፣ ስለ ዅሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣመስገንቲ ንዅን፣ ምዕርምራም ናይ ክርስቲያን ኣይኰነን፣ ስለ ዅሉ ነገር ኣመስገንቲ ምዃን ክንደይ ደስ የብል፣ እዚ ሓቂ ምዃኑ ድማ ቅዱሳት የረጋግጹልና፣ ቅዱሳት ኣብ ኩሉ ስለ ዅሉ ስለ ዘመስግኑ ኣብ ስቓይን መከራን ደስታን እቲ እውነተይና ሓሴት ኣብ ገጾም ይዅላዕ፣ ሓደ ቅዱስ ሓንቲ ቅድስቲ ገጽ ቀባሪ ኣይረኣዮን ኣይረኣያን እዩ፣ ናይ እምነት ሰማዕታት ናይቲ ፍጹም ሰማዕት ዝዀነ ኢየሱስ ሓጎስ ኣብ ገጻቶም ይረአይ፣ ሰማዕትነት እናተቐበሉ ስለ ካልኦት ብጾት ይሓስቡ፣ ከም ኢዩሱስ ኣብ መስቀል ስለ እቲ ፈያታውን ስለ ኣዲኡን ስለ ዅሉ ዝሓስብ ዝነብረ ንሳቶም ኣውን ነዚ ፍጹም ኣብነት ብቓልን ሕይወትን ዝነብሩ እያቶም” ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ሓጐስ ኣብ ጸሎትን ካብ ጸሎትን ምዃኑ ደጋጊሞም ብምዝኽኻር፣ “ሰላም ህያብ እምነት እዩ’ሞ እምነት ይሃልወና፣ እዚ ካብ እምነት ዝምንጭው ሰላምና ድማ ናብ ካልኦት ከነብጽሕ ዝተጸዋዕና ኢና፣ ዝርእዩና እቲ እውነተይና ሓጐስና ከምዘለልዩ ርግጸይና እየ፣ ክርስቲያን ምዃንና ዘፍልጥ ተግባር ምፍጻም፣ ክርስቲያን ኢና፣ ክርስቲያን ካብ ክርስቶስ ዝመጽእ እዩ፣ ክርስቶስ ማለት ድማ ቅቡእ ማለት እዩ፣ ስለዚ ኣንሕና እውን ኣብ ቅቡእነት ክርስቶስ ቅቡኣት ኢና፣ ንሱ ብቕዱስ ቅብኣቱ ቀዲሱና እዩ፣ ክርስቲያን ምዃን ድማ ነዚ ቅድስና ዝተጸውዔ እዩ፣ ነዚ ቅድስና ዘይነብር ከመይ ቢሉ ክርስቲያን እየ ክብል ይደፍር? ስለምታይ እዩ ኸ ብቕዱስ ቅብኣት ዝቐደሰና? እወ ቃል ብስራት ንኸነብጽሕ እዩ። ቃል ኣምላኽ ከበስር ቀቢኡኒ እዩ፣ ነቢይ ኢሳያን ኣብ ምዕ. 61 ካብ ፍቕዲ 1-2 ‘እግዚኣብሔር ኣምላኽ መንፈሱ መልኣኒ ንድኽታት ብስራት ከበስር ቀብኣኒ ንስቡራት ልቢ ኽዘንን ንምሩኻት ሓርነት ንኡሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዜድሕነላ ዓመት ጸጋ ንጸላእቱ ከኣ ዚብቀላለ መዓልቲ ከም ዝመጸት ክምኡ እውን ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ ለኣኸኒ’ ኣወ ቅቡኣት ምዃን እዚ ተልእኾ’ዚ የጸግው እዚ ጸዋዕታ ክርስቶስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ጸዋዕታ እዩ፣ ናብ ካልኦት ንኺድ ጥዑም ቃል ብስራት ነበስር፣ ንድኻታት ንሕዙናት ነቶም ኣብ ስቓዮም ንበይኖም ተሓዲጎም ናብ ዝነብሩ ነብል፣ ኢየሱስ ነብጽሕ ቅብኣት ኢየሱስ ነብጽሕ ንሱ ጽንዓቶም ሓርነቶም ምጽንናዖም ክኸውን እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.