2014-12-16 16:20:04

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቲያን መሓሪ እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብት ኣሞርኰይዞም፦ “ክርስቲያን መሓሪ እዩ፣ ድርቅና ምልክት ድኹም ልቢ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ. ምዕ. 21 ካብ ፍቕዲ 23-27 ሊቀ ካህናት ንኢየሱስ እቲ ኩሉ ዝፍጽሞ ነገራት ብናይ መን ስልጣን ዝገብሮ ምዃኑ ይሓትዎ። እቲ ሕቶ ብሓቅ ምስሉይ ልቢ እዩ ዘነጽር፣ ንኣኣቶም እቲ ሓቂ ኣይኰነን ዘገድሶም፣ እንታይ ደኣ ጥቕሞም ጥራሕ እዩ፣ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ድማ ይነፍሱ፣ ጽንዓት ዘይነበሮም ተቐያያሪ ሰንደቕ ዕላማ ዝለዎም እያቶም፣ ኩሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትዉ ተወዓዓልቲ፣ ነቲ ውሽጣዊ ነጻነትን እምነትን ገዛእ ሃገርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትዉ፣ ምስሉይነት ዘጽንዑ፣ ተበለጽቲ፣ ኩነት ንናይ ገዛእ ርእሶም ተብላጽ ዘውዕሉ፣ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ተዋሳኢ ምዃን፣ ምስሉይነት፣ ኢየሱስ ናይቲ ናይ ወልድ ኣብ ልቡ ፈጺሙ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይንብርን፣ እዚ ድማ ንዅሉ ንምድሓን ዘለዎ ክፉት ልቢ የረጋግጾ፣ ስርዓታትናን ሕግታትናን እንስዕቦ ሰረተ ሓሳብ እውን እቲ ኢየሱስ ዝገበሮን ዝኾኖን ክኽውን ዘይክእል እዩ፣ ፍቑድን ዘይፍቑድን እንክብል የዘጠንቅቕ እዩ፣ ‘እቶም ሊቀ ካህናት ሰዓብትኻ ስለምታይ ዕለተ ሰንበት ኣብ መገዲ ይበልዑን እዚ ብሕጊ እምነት ክልኩል እዩ’ እንክብሉ እውን ይሓትዎ፣ ንኣኣቶም እቲ ዝኽተልዎ ስርዓት ቅዱስ እዩ፣ ዘይትንከፍ” ፒዮስ መበል 12 ዝኣለይዎ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ምቕባልካ ዋላ ማይ እኳ ከይትሰትይ ዝብልን ጾም ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ምቕባልካ ዝብል ኣዛዚ ባዶ ስርዓት ኣብቲ እዋን እቲ ስርዓት ባዶ ምዃኑ ፒዮስ 12 ምስ ገለጺ ብዙሓት ከም ክሕደት እምነት ዝረአይዎ ከም መናፍቕነት ዝሓሰብዎ ኔሮም እዮም፣ ብዙሓት ፈሪሳውያን ዝኾነ ክርስቲያን ተዓንቂፎም ኣዕረምሪሞምን እዮም፣ ኢየሱስ ዝገበሮ ምግባር እዩ እምነት ፒዮስ 12 ዝነበረ፣ ከም ኢየሱስ ሕዝቢ ዘድልዮ ምሕሳብ” ምዃኑ ኣገንዚቦም፣ ቀጺሎም ኢየሱስ ምስሉይነትን ተበላጽነትን የውግዝ፣፦ “ጸላም ነቓጽ ልቢ ክህልወና ይኽእል፣ ኣብቲ ናይ ኵርናዕ እምኒ ዝዀነ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ ኢዩሱስ ዘይጸንዑ ልቡ ክህልወና ይኽእል። ብዙሓት ሓጢኣቶም ከቢድዎም ምስ ኢየሱስ ንኽራኸቡ ዝሓፍሩ፣ ንስኻ መድሕን ኢኻ ኣብ ቅድሜኻ ክቐርብ ኣይግብኣንን ዝበሉ፣ ልክዕ ከምቲ ሕሙም ናብ ሓኪም ንኽሓዊ ቢሉ ዝኸይድ፣ ኢየሱስ ሕማምና ይፍውሶ፣ እዎ እዚእቶም እቶም ዘይተሓላለኹ ሰባት እያቶም፣ ስርዓትን ሕግታትን ዘይኰነስ ብርታዔ እምነት ዝተረድኡ ተራ ሕዝቢ ንኢየሱስ የናድይ” ምስ በሉ እቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፦ “ልባትና ገርሄይናን ብሓቂ ናይ ክርስቶስን ብኽርስቶስን ዝተዀልዔ ክኸውን ንጐይታ ጸጋኡ ንለምን፣ ከምዚ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ፣ ኣፍቅርትን መሓርትን መስተውዓልትን ንኻልኦት ዝሓልይ ልቢ ዝህልወና፣ ዝምሕር እምበር ዘይፈርድ ልቢ። ከውግዝ ዝደልይ ገዛእ ርእሱ የወግዝ፣ ገለ ገለ ምኽንያት ኣይስእንን እዩ። ጐይታ ናይ ውሽጢ ልቢ ክህበና ንለምኖ፣ ከምቲ ንሱ ዝደልየና ክንከውንን ንሱ ኣብ መገድታትን ከሰንየናን፣ ምሳና ሓቢሩ ክጐዓዝን ንኻልኦት ክንሓስብን ንናይ ካላኦት ጸገምን ጸበባብን ጽን ክንብልን ክንድግፎምን መታን ልባትና ከዕብዮ ንለምኖ” እንክብሉ ከምዘተጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.