2014-12-13 16:26:36

ካልኣይ ስብከት ዘመነ መጽኣት፦ ሰላም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሕውነት እዩ


RealAudioMP3 ሰላም ብርግጽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ እዩ፣ ኰይኑ ግና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሳጤኣን ምስ ደጋዊ ክፍሊ ብዘተ ናይ ሕውነት ክቡራት ዋጋታት ንኽትሃንጽ እትዕደሎ ሓላፍነት እውን ምዃኑ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ካፑችን ኣባ ራኔሮ ካንታላሜሳ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽቡ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዘመነ መጽኣት ካልኣይ ስብከት ገሊጾም ውግእ እቲ ዘርኢ ሰብ ዘጥፍእ ቅትለትን ዕንወትን ዝወልድ ንብረት ዘብርስን እዚ ዘይብሃል ሃብቲ ገንዘብ ዝፈሶ ምዃኑን፣ ብሓቂ በቲ ሓደ ዘይኽፈሎ ብናጻ እቲ ልዑል ዝኾነ ክቡር ሰላም ናይ ኵሉን ንዅሉን ሰናይ እዩ። ሰላም ብውግእ ኣይመጽእን፣ ውግእ ንምካያድ እዚ ዘይብሃል ምቅርራባትን ዓቢይ ኃይሊ ምክልኻል ምቛምን ናይ ውግእ ሜላ ምሕንጻጽን ቃል ኪዳናት ምቛም ይሓትት፣ ብዘይ ምቛም ቃል ኪዳን ውግእ ኣይጅመርን፣ ሰላም ግና ብዘይ ቃል ኪዳን ምቛም ብውልቃዊ ድላይ እውን ምብጋስ ዝከኣል እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ከምዝብልዎ ዝተራቐ ምዕባለ ዘይድልዮ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣባ ካንታላሜሳ ናይቲ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ዕላማኡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ስብከት ዘመ መጽኣት ሰላም ህያብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝገለጽዎ ሓሳብ መቐጸልታ ሰላም ሓላፍነት ምዃኑ ንምስትንታን ማለት ህያብ ሓላፍነት ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ሓላፍነት’ዚ ድማ ጭቡጥን ፍሉይ ሓላፍነት ክርስትናን ማለት ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሰላመይ እህበኩም ኣለዅ እንክብልን ናይ ሰላም መጋበሪያን ደለይቲ ሰላምን ደቂ እግዚኣብሔር እያቶም እንክብል ብምግላጽ ዝሃቦ ጸጋን ሓላፍነት ብምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እንክብል ንደቀ መዛሙርቲ ዘስተምሃረሉ ኣዋን ንጉስ ኣውጉስቶ ናይ ሰራዊቱ ዓወት ምኽንያት ሮማዊ ሰላም ኣብ ዘብዓለሉ እዋን እዩ ኔሩ፣ ኣውጉስቶ ሰላም ብውግእን ብሓይልን ዝብል ክኸውን እንከሎ ብማዕረ ማዕረ ድማ ኢየሱስ ሰላም ህያብ እግዚኣብሔርን ሓላፍነትን ምዃኑ ብምግላጽ ገበርቲ ሰላም ደቂ እግዚኣብሔር እያቶም እንክብል የስተምህር። እቲ ናይ ኣዉጉስቶ ሰላም ሓይሊ ዝወልዶ ስለ ዝዀነ ብሓሊ ዝዓንው እዩ፣ እቲ ናይ እየሱስ ግና ኣብ ልቢ ዝተነብረ ብምዃኑ ማንም ክምንዝዖ ዘይከኣሎ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
“እቲ ናይ ኢየሱስ ሰላምን ንሱ ዝዕድሎ ሰላም እውን ናይ ዓወት ፍረ እዩ። ጸረ ካልእ ብምቅላስ ዝዕተር ሰላም ዘይኰነስ ገዛ ርእስኻ ካብ ምፍላጥን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዓወት ምዕታር ዘውህቦ ሰላም እዩ። ወተሃደራዊ ዓወት ዘይኰነስ፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኢየሱስ ብመስቀሉ ኣብ ልዕሊ ጽልእን ተጻባእነትን ተዓዊቱ እዩ፣ ስለዚህ ኣብ ልዕሊ ጸላእን ተጻይን ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ጽልእን ትጻባእነትን እዩ ዓወት ዝሰርሔ፣ እቲ ወንጌል ዘመልክቶ መገዲ ሰላም ኣብ መዳይ እምነት ትርጉም ዘለዎ ዓይነት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መዳይ ፖለቲካ እውን ትርጉም ዘለዎ እዩ። ካብ ቀደም ኣብዚ እዋን’ዚ መገዲ ሰላም ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዓወት ምርግጋጽ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ጽልእ ምዕዋት ምዃኑ ኣዚዩ ዝተመልከተ ሓቂ እዩ። ጸላኢ ብኣጽዋር ውግእ ኢኻ እተጥፍእ፣ ጽልእን ተጻባእነትን ግና ብዘተ ኢኻ እትኣልዮ፣ ጽልእን ተጻብኦን ምቕታል እዩ እቲ ዓወት” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ “ብዘተ እቲ ናይ ፍትሒ ጻማ ዝኾነ ማሕበራዊ ሰላም ይፍጠር፣ ብዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሰላም ይጸንዕ፣ ብፍላይ እቲ ኣብ መንጐ ኣቶም ክልተ ኣሕዋት ማለት ክርስቲያንን ኣይሁድን ሽሕ’ኳ ኣብ ዛዕባ እምነት ጉዳይ ፍልልያት ይሃልው ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ሃይማኖት ዝጸንዕ ዘተ ሰላም የጽንዕ ሰላም ዝግለጽን ዝምልከትን ብሕውነት እዩ፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ናይ ሰላም መልእኽቶ ሓደ ልብን ሓደ መንፈስን ንምዃን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የድሊ፣ ናይዚ ተርእዮ’ዚ ድማ እቲ ኣብ መዓልቲ ሓምሳ ዝተፈጸመ ተኣምር እዩ። ደቀ መዝሙር መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምቅባሎ፣ ንሓድ ሕዶም መና እዩ ዓቢይ ብዝብል ክትዕ ተዋሒጦም እዮም ኔሮም፣ ደሓር ግን መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ መንና እዩ ዓቢይ ዝብል ሕቶ ረሲዖም ናይ እግዚኣብሔር ሞጐስን ክብርን ከበስሩ ይጓየዩ፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ባቢሎን ግንቢ ዝጻረር ተግባር እዩ። ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ባዕሎም ስም ክህብዎን ናይ ገዛእ ርእሶም ስም ገበዓል ዝና ክገብሩ ስለ ዝደለዩ ንመናፍስቲ ቤተ መቕደስ ክሃንጹ ይፍትኑ፣ እዚ ድማ እግዚኣብሔር ንናይ ገዛእ ርእስኻ መዓላ ንምጥቃም ዝግበር ፈተነ እዩ ሎሚ እውን ዘሎ ፈትና እዩ፣ ንናይ ገዛእ ርእሲ ክብርን ዝናን መጋበርያ ዝዀነ እግዚኣብሔር ክፈጥሩ ደለዩ፣ እዚ እቲ ኣብ ባቢሎን ዝተራእየ ጉዳይ እዩ። ደቀ መዛሙር ኣብ በዓለ ሓምሳ ከተማ እግዚኣብሔር፣ ቤተ ክርስቲያን ይሓንጹ እዚ ድማ ንገዛእ ርእሶም ስም ከትርፉ ቢሎም ከምዘይኰነን ኵሉ በቢ ቋንቋኡ ዝሰምዖ ሓደ ቋንቋ ይዛረቡ ምንባሮም ይረጋግጾ፣ እቲ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ እቲ ኣነነት ዝብል ድልይ ዕቡይነትን ህንጥይናን የሕርሮን የጥፍኦን” ከምዝበሉ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብታ ከተም እግዚኣብሔር እትብል ድረሰቱ ነታ ክሳብ ገዛእ ርእስኻ ምሕሳር ዝብል ኣብ ፍቕሪ ገዛእ ርእስን ንኣይነትን ዝተሓንጸት ባቢሎን፣ ከተማ ሳጥናኤል እንክብል ይገልጻ፣ እታ ከተማ እግዚኣብሔር ድማ ገዛእ ርእስኻ ምእንታኡ ምሕላፍ ኣብ ዝብል ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተሓንጸት ምዃኑ ከምዘመልክት ዝገለጹ ኣባ ካንታላሜሳ፦ “እዘን ክልተ ከተማታት ሕጂ እውን ክሳብ መፈጸምታ ዓለም ክፉታት እያተን፣ ነፍሲ ወከፍና ነየነይቲ ከተማ ክሃንጽ ከምዝደሊ ብነጻነት ንኽመርጽ ተጸዊዑ እዩ፣ ሕይወቱ ኣበየነቲ ከተማ ምሕናጽ ከሕልፍ ከምዝደሊ ናቱ ምርጫ እዩ” ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።
ነፍሲ ወከፍ ተበግሶ እቲ መንፈሳዊ እውን ንኣብነት ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ባቢሎን ወይ ከኣ ጴንጠቆስጠ ክኸውን ዝከኣል እዩ። ባቢሎም ክኸውን ዘኽእሎ ድማ ነፍሲ ወከፍ ንናይ ገዛእ ርእሱ ሽምን ዝናን ናይ ገዛእ ርእሱ ስም ንኸትርፉ ዝኽተሎ ግብረ ሕንጸት እዩ፣ ጴንጠቆስጠ ግና ቅድሚ ኵሉን ልዕሉ ኵሉን ክብርን ዝናን እግዚኣብሔርን ከምኡ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንናይ መላ ዘርኢ ሰብ ውልቃዊ ድላይ ምስ ድላይ እግዚኣብሔር ንኽቅይር ዝብል ሰናይ ምቕዳም ዝብል እዩ፣ ስለምታይ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ መዓሙቕ ልባትና ዘሎ ድላይ እምበር ነቲ ባህርያዊ ስምዒት ስለ ዘይርእይ እዩ ዝበሉ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣተሓሒዞም ብዙሕ ጊዜ እንዝንግዖ መንፈስ ቅዱስ ህብረኣውነት ማለት ብዙህነት ዝሓኽኽ ወይ ከኣ ንኹሉ ብዙህነት ዝድምድም ከምዘይኰነ ዝብል ሓቂ ኣሎ፣ ድሕሪ በዓል ጴንጠቆስጠ ደቀ መዝሙር ከይተገማምዑ ብነጻነት እቲ ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ዝኽተልዎ መገዲ ብነጻነት ንሓድ ሕዶም ይካትዕሉ ኔሮም እዮም፣ ኣብ ፖለቲካዊ ርእይተ ኣይተገማምዑን ኣብዚ ድማ እቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ናይ ላዕለዎት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን መዋቕር ምሕሳብ ይከኣል፣ ስለዚህ እዚ ቤተ ክርስቲያናዊ መዋቕር ናይ ሕውነት ኣብነት ክኸውን ኣለዎ፣ ብርግጽ ከምቲ ዝበሃልን መራኸቢ ብዙሃን ዝብልዎ ዘይኮነስ ብሓቂ ናይ ሕውነት መግለጺ እዩ፣ ናይ ግሊ ዝናን ውልቃዊ ርእይቶን ረብሓን ዘይኰነስ ኣብ ናይ ግሊ ሓሳብካን ድልይካን በቢ ዕለቱ ኢየሱስን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰናይ ምቕዳም የድሊ እንክብሉ ዘቕረብዎ ናይ ዘመነ ምጽኣት ካልኣይ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.