2014-12-13 16:21:48

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 14 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ሮማ ከተማ ንዝተኣከቡ ኣባላት ማሕበር ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና “ውርሻ ታሪኽ ማንደላ የተባብዓኵም” ቢሎም ነቶም ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ማሕበር ኣባላት ኣብ መላእ ዓለም ሰላምን ሕውነትን ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ኣብ ዓለም ዘለዉን ዝፍጠሩን ምስሕሓባትን ግርጭት ውጥረትን ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ነዘካይድዎ ሰብኣውን ባህላውን ጻዕሪ ምስጋና ኣቕሪቦም ሰላም ብመጋበርያ ሰላም እዩ ዝረጋገጽ ቢሎም እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ዓውደ ጉባኤ ንዝኽሪ ነፍሰ ሄር ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ርእሰ ብሔር ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ኒልሶን ማንዴላ ምዃኑ ድማ ጠቒሶም፦ “ኒልሶን ማንደላ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልስን ዕርቅን ብቓልን ሕይወትን ኣብነት ኢዮም እሞ፣ እዚ ድማ ዓለም ዘስተንፍሶ ድላይ ክኸውን መታን ንናይ ሰላም ጻዕርታትኵም ብርታዔ እዩ” ቢሎም ምእንቲ እቲ ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ማሕበር ከምዝጽልዩን ኣብቲ ኣብ ዓለም ሰላም ክፈርይ ኣሚቱ ዘካይድዎ ናይ ሰላም ጻዕርታትን ድኻምን ኵሉ ኣብ ጐድኖም ከምዝኾኑ ድማ ኣረጋግጺም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.