2014-12-12 09:29:03

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ሲኖዶስ መሰረታውያን ሓቅታት ምስጢረ ተኽሊል ኣብ ሕቶ ኣየእተወን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ፍሉይ ሳልሳይ ሲኖዶስ ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ምስ ኩነት ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኣሳሰረ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ ከምእተኻየደ ክዝከር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ልሙድ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ስድራ ቤትን ሕይወት ስድራ ቤት ጉዳይ ዘማእከለ ሓድሽ ተኸታታሊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣበጊሶም እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ፦ ብዘይ ንጽገት ሓሳብካ ብናይ ምግላጽ ምሉእ ናጽነትን ዝተመርሐ ኰይኑ ነቲ ኣብ ሕቶ ዘይኣይቱ ክፍሊ ዓንቀጸ እምነት ዝዀነ መሰረታዊ ሓቅነት ምስጢረ ተኽሊል ምሉእን ፍጹምን ምኽባር ዝተነብሮ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፣ መላእ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ካብ ምጅማሩ ክሳብ ፍጻሜኡ ብምክትታል ከምቲ እቲ ሲኖዶስ ዝዀኖን ዝበሎን ዘይኰነስ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ርድኢትን ኣመለኻኽታን ዝተመርኰዘ ልክዕ ከም ናይ ሓደ ክስተትን ዜናን ጸብጻብ ፍጻሜታት ገይሩ ዘገባ ክህበሉ ከምእተራእየ ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም፣ ብፍላይ ድማ ነቲ ሲኖዶስ ልክዕ ብኽልተ ማለት ሰጓምን ዓቃባውን ብዝብል ስነ ሓሳብ ብምኽፍፋል ብምግናን እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶሳዊ ዘተ ልክዕ ከም ሓደ ናይ ሕዝባዊ ባይቶ ፖለቲካዊ ክትዕ ተምሳል ኰይኑ ተገሊጹ እዩ። እዚ ድማ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ርድኢት ክሳብ ክንደይ ድሩት ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዝተነብረ ቅድመ ፍርድታትን ከም ድላይካ ጠማዚዝካ ምግላጽን ዝተኸተለ ፈነው መራኸቢ ብዙሃን እቲ ሲኖዶስን ዕላማኡን ዝዘተየሉ ርእሰ ጉዳይን ትርጉሙ ካብ ዘይምፍላጥ ዝነቐለ ከምዝመስል እውን ተንቲኖም፣፦ “ነቶም ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብግልጸነትን ብትብዓትን ብነጻነትን ሓሳቦም ከቕርቡን ርእይቶኦም ክገልጹን ከምኡ ድማ ብትሕትና ናይ ምስማዕን ጽን ናይ ምብህሃልን መንፈስ ክነብሩን እቲ ኵሉ ክብልዎ ዝደልይዎን ኣብ ልባቶም ዘሎን ብትብዓት ክገልጹ ገና ኣብ መኽፈቲ እቲ ሲኖዶስ ሓደራ ኢለዮም እየ። ኣብ ሓደ ሲኖዶሳዊ ከይዲ ፍቓድ እግዚኣብሒርን ድላይ እግዚኣብሔርን ክድለይ እንከሎ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቕ ሓሳብ ክቐርብ ንቡር እዩ ግና ብትሕትናን ንኻልእ እውን ጽን ብምባል መንፈስ ክምራሕ አለዎ፣ እዚ ድማ እወታዊ እምበር ኣሉታዊ ኣይኰነን፣ ስለምንታይ ናይቲ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ሕውነታዊ መንፈስ ኢዩ ዘጉልሕ። ንጽገት ዘይነበሮ ብዙሕ ጽን ምባል ዝተነብሮን ሓናጺ እዩ ኔሩ” ምስ በሉ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብሓቂ ዘርአይዎ ትሕትናን ሓድነትን ትዕግስትን ብፍላይ ድማ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝበሃል ብዝነበረ ዜና ከይተሻቐሉ እቲ ዘገድስ መሰረተ ሓቂ ምዃኑ ተኣሚኖም ብምስካሮም ድማ ከምዘመስገኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ከይዲ ሲኖዶስ ማንም ዓንቀጸ እምነት ኰነ፣ መሰረታዊ ሓቅነት ምስጢረ ተክሊል ማለት እቲ ዘይፍታሕ ሓድነትን ተኣማንነትን ንሕይወት ክፉት ምዃንን ዝብል መሰረታዊ ሓቂ ኣብ ሕቶ ብዘይምእታውን ነዚ ሓቂ’ዚ ከይተንከፈን፣ ናይ እምነት ሓቂ፣ ትማሊ ሓቂ፣ ሎሚ ሓቂ፣ ጽባሕ እውን ሓቂ ምዃኑ ከምዝመስከረ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም፣ እቲ ብብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ዝቐረበ ናይ ድኅረ ዲኖዶስ ናይ ዘተ ሰነድን ድሓር እውን ናቱ በርባዕተ ቋንቋ ተቶርጒሙ ዝቐረበ ጸብጻብን እቲ ሲኖዶስ ብነኣሽቱ ናይ ዕዮ ጉጅለታት ተወዲቡ ዘካይዶ ዘተ ዘጣመረ ሰነድን ኣብ መዕጸዊ እቲ ሲኖዶስ መልእኽቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይቲ ሲኖዶስ ወግዓዊ ሰነዳት መሰረት እዩ፣ ካብዚ ወጻኢ ናይት ሲኖዶስ ሰነድ ዝበሃል ከምዘየለ ድማ ኣገንዚቦም ኣብቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዘይምርድዳእን ብብሃርታዐ ቃል ሓሳብካ ምግላጽ ከምእተራእየ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና እዚ ድማ ነጻነት ይበሃል፣ መግለጺ ናይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘሎ ነጻነተ እዩ፣ እቲ ውዕዉዕ ሲኖዶስ ድማ እቲ ናይ ኵሉ ነጻነትን ምትእምማንን ናይ ቤተ ክስርቲያን ዓንቀጸ እምነትን ዋሕስ ኣብ ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተነብረ ሃዋሁ እዩ” ኢሎም እቲ ዝተኻየደን ነቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ንኽካይድ ዝተጸውዐ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ እቲ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ድማ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝጽበዮ ቃል ዝህብ ክኸውን ምእንቲ ሲኖዶስ ኩሉ ክጽልን ብፍላይ ድማ ንማርያም ክማዕቁብ ሓደራ ቢሎም ሲኖዶስ ሕዝባዊ ባይቶ ማለት ከምዘይኰነ ክስትውዓልን ከምዘተሓሳሰቡ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፥ “ሲኖዶስ መንፈስ ቅዱስ መታን ክሰርሕን ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ መታን ክኸውን ዝተሓለወ ስፍራ እዩ፣ ልክዕ ከም ሓደ ሕዝባዊ ባይቲ ፖለቲካዊ ምግምማዕን ፖለቲካዊ ውዳቤ ዝንበረሉን ዝንጸባረቐሉን ኣይኰነን እንታይ ደኣ ኣብ መንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ግቡእን ቅኑዕን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ምንጽጻርን ዝካየደሉን ምእንቲ ረብሓ ስድራ ቤትን ሕብረሰብን ዝብል እዩ” ቢሎም ነቲ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ በቶም ዓበይቲ ቋንቋታት ጽማሬ መልእኽቱ ድግማ ኣመሓላሊፎም ኣብዚ ንበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎና ዘመነ ምጽኣት ሰዓብቲ ወንጌል ምዃንና እንሕድሰሉን እዚ ድማ ፍቅሪ ንገዛእ ርእስኻን ንብጻይካን ቅኑዕ ርክብን ምስ ብጻይ ምድግጋፍን ዝንበሮን ክርስቲያናዊ ተስፋ እንዓትረሉ እዋን ክኸውን ኣትሓሳሲቦም፣ መንእሰያትን ሓደስቲ መራዑትን ህሙማንን በታ ዕለት 10 ታሕሳስ እትበዓል ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎረቶ ኣማዕቊይቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.