2014-12-12 09:44:40

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ መሰረታዊ ሓቂ ስድራ ቤት ነባሪ እዩ


RealAudioMP3 እቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፊላደልፊያ ተልእኾና ፍቕሪ እዩ፣ ስድራ ቤት ምሉእ ህያውነት’ ብዝብል ኣርእስቲ ተምሪሑ ንኽካይድ ጳጳሳዊ ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ምኽንያት ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ“እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ መሰረታዊ ሓቂ ስድራ ቤት ኣብ ሕቶ ከይኣትው!” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“ብርእየት ዓለም መሰረት ስድራ ቤት ክውሰንን ወይ ከኣ ገስጋስን ዓቃብን ብዝብል ስነ ሓሳብ ስድራ ቤት ምውሳንን ምግላጽን ዘይከኣል እዩ። ስለዚህ ስድራ ቤት ስድራ ቤት እዩ። ካልእ ትርጉም የብሉን፣ ናይ ስድራ ቤት ክቡር ዋጋን ክቡሩን እቲ ኣገዳስን ወሳንን ሓቂ ስድራ ቤት ዝቖመሉ ዓንዲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን፣ ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ እንኽተሎ ዓይነት ሕይወት ኢና ክንምርምርን ከነስተንትንን ዝተጸዋዕና። እቲ ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ማለት በቲ ውልቃውነትን ንዓይነትን ኣህላኽነትን ደስታ ዝበለጸ ልዑል ክብሪ እዩ ዝብል እውነተይና ደስታ ዘይኰነ ብግዚያውን ብበራስን ደስታ ዝምራሕ ዘይኰነስ እቲ ናይ ምስጢረ ተኽሊልን ውህበትን ውበትን ከንብር ዘኽእል እውነተይና መገዲ እዩ እቲ ኣብ ስድራ ቤት ዘሎ እውነተይና ሓጎስ ዘዕድል” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ “ሎሚ ከም ትማሊ ናይ ክርስቲያን ስድራ ቤት ተልእኾ ንዓለም ብትብዓት እቲ ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ዘሎ ሓጎስን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምምስካር እዩ። ካብዚ ተልእኾ’ዚ ድማ እቲ ናይቲ ኩሉ ሰብኣውን መንፈሳውን ኣንቀሳቓሲ ዝኾነ ፍቅሪ ኣብ ማእከል ዘንብር ህያው ቤተሰብ ይምንጭውን ይሕነጽን፣ ከምቲ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ዝብሎ፦ ‘ሰብ ናይ እግዚኣብሔር ክብሪ እዩ’ ሓንቲ ስድራ ቤት ድማ ብጸጋ እግዚኣብሔር ጸዋዕታኣን ተልእኾኣን ብምልኣት ምስ እትነብር ናይ እግዚኣብሔር ክብሪ ትኸውን” ምስ በሉ “ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ናብ ዝካየድ ሲኖዶስ ዘሰንይ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዝሕብሮ፣ ኩሉ ወንጌላዊ ምስጢረ ተኽሊልን ስድራ ቤትን ብቓልን ብሕይወትን ከበስርን፣ እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ስድራ ቤት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተማእኪሉ ኣብቲ እንነብረሉ ሕብረተሰብን ባህልን ክበጽሕ ዘብቅዕ ተልእኾ እዩ፣ እቲ ህሉው ዓለም ዘቕርቦ ብድሆታት ድማ በቲ ንሕይወት ክፉት ዝኾነ እሙን ፍቅርን ሱታፌን ምሕረትን ተኻፊልካ ምንባርን ምትሕብባርን ክብዳህ ዘተባብዕ እዩ፣ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራን ካህናትን ማሕበረ ቁምስናን ዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምንቅስቓሳትን በቲ ድልዱል ስድራ ቤት ዝሕነጾ ዓንዲ መሰረት ዝኾነ ቃል ኣግዚኣብሔር ክምርሑን ክልወጡን ፍቓደይናታት ክኾኑን” ኣተሓሳሲቦም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.