2014-12-09 18:29:21

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ናብ ኢትዮጵያ


RealAudioMP3 አብቲ ንዓመት ምስ መመላእታ ዝበዓል ንዘሎ ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ረኪበ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንምስታፍን ሓዋርያው ምብጻሕ ንምግባርን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 5 ታሕሣስ ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ዕለት 11 ታሕሣስ 2014 ዓምፈ ንምሥራቃውያን አብያተ ክርስትያን ናይ እትኃሊ ማኅበር ኃላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሊዮናርዲ ሳንድሪ አብ ኢትዮጵያ ይርከቡ፣ ዓርቢ ናብ አዲስ አበባ ብዝአተውሉ አብ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ዘካቶሊካውያን ኢትዮጵያ ካተድራል ደብረ ልደታ ለማርያም ድሙቅ አቀባብላ ከምዝተገብረሎምን ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካዊያን ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ኩሎም ሥርዓተ ግዕዝ ብዝኽተሉን ሥርዓተ ላቲን ብዝኽተሉን ብፁዓን ጳጳሳት ተራኺቦም አብ መዛዘሚ ናይቲ ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ከምዝተሳተፉን ከምዝቀድሱን እንክምልከት፣ አብቲ ዝተገብረ ጉባኤታትን ዘተን ከም ዓቢይ ህያብ ዝተመልከትዋ ኢቫንደሊ ጋውድዩም እትብል ሓዋርያዊት ም ዕዳን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በምሓርኛ ተተርጕማ ንንባብ አብ ኢድ ኩሎም ምብጻሓ ሓደ ነበረ፣
ሰንበት ዕለት 7 ታሕሣስ 2014 ዓምፈ ብናይ እምድብር ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሙሴን አብ ኢትዮጵያ ናይ ር.ሊ.ጳ እንደራሴ ሓዋርያዊ ኑንጽዮ ብፁዕ አቡነ ብያንኮን ተሰንዮም አብ ካተድራል እንድብር ቅዳሴ ተሳቲፎም ንኩሉ ንጥፈታት ናይቲ ኤጳርቅና እውን ተዓዚቦም ንኩሎም ብዝገበሩሎም ተቅባል አመስጊኖም፣
ትማሊ ዕለት 8 ታሕሣሥ ከአ ንኤጳርቅና ዓዲ ግራት ንምብጻሕ ብነፋሪት መቀለ በጺሖም ብማኪና ን ዓዲ ግራት ከይዶም፣ ናይ ትማሊ ውዕሎ አባ በየነ ኃይሉ ካብ ዓዲ ግራት ብስልኪ ዘመሓላለፉና ጸብጻብ ክነቅርበልኩም ኢና፣
ሎሚ ከአ ሓዳስ ኤጳርቅና ባሕር ዳር ንምምራቅን ንጳጳስ ናይታ ኤጳርቅና ብፁዕ አቡነ ልሳነክርስቶስ መንበር ንምርካብን ካብ ዓዲግራት ነቂሎም ንባሕር ዳር አትዮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.