2014-12-06 09:16:02

4 ሰንበት ዘአስተምህሮ - ሰንበት ዘመጻጕዕ


RealAudioMP3 መዝሙር፡ ይቤሉ እስራኤል ኢርኢነ ወኢሰማዕነ. . . .
ንባባት፡1ቆሮ. 2፡1-ፍ፥1ዮሓ፡ 5፡1-6፥ግ.ሓ.5፡34-ፍ፥ዮሓ. 9፡1-ፍ።
ስብከት፡ ደቂቀ እጓለ እመሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ ለምንት
ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ፥ አእምሩ ከመ ተሰብሓ እግዚአብሔር
በጽድቁ። “አቱም ደቂ ሰብ ንኽብረይ ክሳብ መአስ ኢኹም እትሕስርዎ
ክሳብ ምአስ ኢኹም ንኸንቱነት እትፈትዉን ንሓሶት እትስዕቡን”
መዝ.4፡2።
መዝሙር በዚ ዕለት ዝዝመር ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”እስራኤላውያን
ብዕዉሩ ዝተወልደ እሞ ብመዓልቲ ሰንበት ዝረአየ ርኢናን ሰሚዕናን
አይንፈልጥን። ካብ እግዚአብሔር እነተ ዘይከውን ነዚ አይምገበረን፥
ብዛዕባ ዘሕወየካ እንታይ ትብል፥ ዘሕወየኒ ካብዚ ዝኸፍእ ከይረኽበካ
ንኻልእ ከይትነግር ኢሉኒ”።
ምድራዊ ሕይወት ክርስቶስ ዝተፈላለየ ሰናይ ግብሪ እናገበረ እዩ ፈጺምዎ። ካብቲ ብዙሕ
ዝገብሮ ዝነበረ ብዝተፈላለየ ነገራት ዝሳቐዩ ንዝነበሩ ምሕዋይ እዩ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ
ዝገብሮ ዝነበረ ዕዉራት ከም ዝርእዩ ምግባር እዩ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ናይ እዚ ብዕዉሩ
ዝተወልደ እሞ ብመዓልቲ ሰንበት ዘሕወዮ ይነግረና። እዚ ምዕራፍ ፍሉይ ትምህርትን
ርድኢትን ክረኽቡ ዘቕረቦ እዩ። ቅ. ዮሓንስ አብ ወንጌል ብዛዕባ ብርሃን ጸልማት
ደጋጊሙ ይነግር። አብ 1፡1~18 ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ከምዝኾነ ይነግር። አብ 3፡19-21
ምስ ኒቆዲሞስ ክዛረብ እንከሎ ብዛዕባ ብርሃንን ጸልማትን ይዛረቦ። ሰባት ካብ ብርሃን
ንጸልማት ከምዝመርጹ ይነግሮ።
አብ ምዕራፋት 7-8 “አነ ንዓለም ብርሃኑ እየ እቲ ዝስዕበኒ ኸአ ብርሃን ሕይወት ክረክብ
እምበር ብጸልማት አይክኸይድን እዩ” (8፡12) ዝብል ንረክብ። አብ ምዕ.9 ኢየሱስ
ከይተሓተ ነቲ ዕዉር የሕውዮ። “አነ አብ ዓለም ክሳብ ዘሎኹ ብርሃን ዓለም እየ” (9፡5)
ኢሉ ነቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ የሕውዮ። አብዚ ዮሓንስ አብቲ ተአምራት አይኮነን ዘተኮር
ካልእ ከስተምህሮ ዝደለ ስለ ዘሎ እዩ።
እዚ ብዕዉሩ ዝተወልደ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝዐወረ ሓዋርያት ሓቲቶም። አብ
ብሉይ ኪዳን ናይ ወለዲ ኃጢአት አብ ደቆም ይወርድ ዝብል ርድኢት ነሩ አብ ዘጽአት
20፡5 “አነ እግዚአብሔር አምላኽካ ቐናእ አምላኽ እየ እሞ ኽሳእ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን
ወለዶ ዝቐጽዕ እየ” ንዝብል መሰረት ገሮም ናይ ወለዱ ከይከውን ይሓቱ። ኤርምያስ
31፡29-30 ሕዝቅኤል 18 ነዚ ውሉድ ብኃጢአት ወልዶም ይቕጽዑ ዝብል ርድኢት
ይቃወምዎ።
ኢየሱስ አብ መልሱ አብ መንጎ ኃጢአትን ስቓይን ዘሎ ርክብ ይነጽጎ። እዚ ሰብ ዕዉር
ኮይኑ ዝተወልደ ክብሪ አምላኽ አብኡ መታን ክግለጽ ኢሉ ይኸውን ክብል እንከሎ
አምላኽ አብቲ ምዓር ናይ እዚ ሰብ ምኽንያቱ ኮይኑ ንማለት አይኮነን። ወላ እውን አብ
ከምዚ ሕማቕ አጋጣሚ ዕውረት እዚ ሰብ አምላክ ብአኡ ገሩ ስራሕ አምላኽ ክግለጽ
ይክአል እዩ ማለት እዩ።
ኢየሱስ ነቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ አሕውይዎ እንተኾነ እቶም ወለዲ ፈሪሳውያን ደቂ ዓዲ
አብ ክንዲ ዝሕጎሱን ዘመስግኑን ኩሎም አንጻሩ ከይዶም። እቶም ደቂ ዓዱ ገሊኦም ንአኡ
ዝመስል እዩ ገለ ንሱ እዩ እናበሉ ነቲ ዕዉር ከም ቀደሙ ዕዉር ኮይኑ ክነብር ዝደለይዎ
ይመስሉ። ዮሓንስ አብዚ ንኢየሱስ አየልዕሎን ካብቲ ትረኻ አውጺእዎ ንርኢ። ከመይ
ገሩ ሓደ ዓቢ ተአምራት ዝገበረ ቀልጢፉ ይኽወል ስለምንታይ ንዝሓትዎ ክምልስ አብ
ጥቕኦም ዘይጸንሐ። ሕጂ እውን ዮሓንስ ክብሎ ዝደለ ነገር ስለ ዘልኦ እዩ። እዞም ደቂ ዓዲ
ነቲ ዕዉር አብ ፈሪሳውያን ክኢላታት ሕጊ ሙሴ ክሕተት የቕርብዎ፥ እቲ ዕዉር
ምስተሓተ ኢየሱስ ካብ ዑረቱ ኸሕውዮ ክልተ ነገር እሞ ብመዓልቲ ሰንበት ክግበር
ዘይግብኦ ገምዝገበረሉ ይነግሮም። ጸብሪ ገሩ ከምዝለኸዮ። ፈሪሳውያን አብ ክልተ
ተመቂሎም ገሊኦም ንመዓልቲ ሰንበት ዝደፍር ኃጢአተኛ እዩ ዝብሉን ካልኦት ከአ
ኃጢአተኛ ደአ ከመይ ገሩ ተአምራት ክገብር ይኽእል እናበሉ። አብዚ ወይ ነቲ ቅድም
ዝፈልጥዎ ሕጊ ሙሴ ዝብሎ ርድኢቶም ክቕይሩ አልኦም ወይ ነቲ ተአምራት
አይተፈጸምን ኢሎም ክኽሕዱ አልኦም። ነታ ዳሕረይቲ ወሲዶም። ነቲ ዕዉር ብዛዕባ
እዚ ሰብ እንታይ ትብል ኢሎም ሓቲቶሙ ንሱ ኸአ ነብይ እዩ ኢልዎም፥ ወለዲ
ተሓቲቶም ንፈሪሳውያን ስለ ዝፈርሑ ጎበዝ እዩ ባዕሉ ክምልስ ይክእል እዩ ኢሎም
መሊሶም። ፍርሒ ነቲ አብ ወዶም ዝርእይዎ ዘለዉ ሓቂ ከምዝኽሕዱ ገርዎም። እንደገና
ነቲ ዕዉር ጸዊዖም አበርቲዖም ሓቲቶሞ አብ መወዳእታ ኢየሱስ ኃጢአተኛ ኢዩ ምስ
በልዎ አነ ኃጢአተኛ ምዃኑ አይፈልጥን አነ ዝፈልጣ ዕዉር ነረ አሕውይኒ። አብዚ
ዮሓንስ ክልተ ነገር ከረድእ ኢሉ ዘምጽኦ እዩ። ስጋዊ ዑረትን መንፈሳዊ ዑረትን ከረእ
ኢሉ። እዚ ዕዉር ካብ ስጋዊ ዑረት ሓውዩ እንደገና እውን መንፈሳዊ ምሕረት እውን
ረኺቡ። ንኢየሱስ አምላኽ ምዃኑ መድኃኒ ምኻኑ ክርኢ ክኢሉ።
አብ ሕይወትና ብብዙሕ መገዲ ንሓቂ ንደፍና። ፍርሒ፥ ጥቕሚ ርእሲ፥ ወገንነት፥
ድንቁርና፥ ክፍአት አብ ጸልማት ከም እንነብር ይገብረና። ንሓቂ እና ረኤና ንደፍና።
ንሓውና ሓፍትና ክንጠልም ዓይንና አይንሓስን። እዚ ዕዉር ናይ ወንጌል ግን እቶም
መራሕቲ ሃይማኖት ወለዱ ደቂ ዓዱ ንርኢ ንፈልጥ ዝብሉ ክርእይዎ ዘይከአሉ ክርኢ
ክኢሉ። ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ምዃኑ አጸቡቁ አሚኑ።
ኢየሱስ ነቲ ዕዉር ቀስ ብቐስ አብ ሓቂ ይመርሖ። አብቲ ምዕባሌ ርድኢቱ እንተ ረኤና
አብ መጀምርያ እቲ ሰብአይ ይብሎ፥ ጽንሕ ኢሉ ነቢይ ይብሎ አብ መጨርሽታ ካብ
እግዚአብሔር ምዃኑ ይገልጽ፥ ኢየሱስ አብ መወዳእታ ረኺቡ ንሱ እቲ መስሕ ምኻኑ
አግሂዱ ይነግሮ። ክንአምን ናታትና ጻዕርን ድለትን የድሊ።
አብዚ አብ ልደት ገጽና አብ እንጉዓዘሉ ዘሎና እዋን ካብቲ ንሓቂ ንጽድቂ ከይንርኢ
ከዊሉና ዘሎ አዕዊሩና ዘሎ ነገራት ነጻ ክንወጽእ አብ ኢየሱስ ክንቀርብ ብኃጢአትና
ክንእመን እሞ ክንሳሕ። መንፈሳዊ ምራአይ አብ ርክባትና አብ ዕለታዊ ሕይወትና
ክንረከብ ይግባእ።
አብዚ ወንጌል እንርእዮ እዚ ዕዉር እንተ ረኤና ዝሕግዞ የብሉን ስድርኡ ደቂ ዓዱ
መራሕቲ እሃይማኖት ኩሎም ካብ ኢየሱስ ከርሕቕዎ ይፍትኑ። በቲ ዝረኸቦ ጸጋ
ከምስግኑ አይንርእዮምን። ፍርሒ ሒዞም ንሓቂ ክኽውልዋ ንርኢ። ዓለምና ሎሚ እዚ እዩ
ከቢድዋ ዘሎ ሰብ ንሓቂ ደፊኑ አብ ንርእሱ ዝጥኦም ክእንድር ንሓዉ ክሳቐ ክርእዮ ዝደሎ
ኮይኑ ይርአየካ፥ አብ ሓገዝ አሕዋትና ክንወፍር ዝሕግዘና ታሪኽ እዩ።
መገዲ አምላኽ ጠፊእዎም አብ ጸልማት ዝነብሩ ከም ዝርእዩ እንገብሮም ንሕና ኢና፥
ካብ ጸጋም ክንመልሶም ክንሕግዞም እንዕጠቅ ንሕና ኢና። አብ ኢየሱስ ክንብጽሖም
መገዲ አምላኽ እንነግሮም ንሕና ኢና። አብ ኢየሱስ ከብጽሓካ እሞ ክትርኢ ንዓ
ንበሎም። ብዙሓት ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኦም ንሰይጣን ዝመረጹ ንክፍአት ንዑረት
ሕልና ከም ናቶም ሒዞሞ ዝነብሩ አለዉና። ስለዚ ሎሚ ብርሃን ክንኮኖም አምላኽ
ይሓተና አሎ።
እዚ ዕዉር መምህር ኮይኑ ንረኽቦ። ብድፍረት ንመራሕቲ ሃይማኖት አርድእቲ ክርስቶስ
ክኾኑ ይሓቶም ወለዱን ደቂ ዓዱን ክገብርዎ ዘይከአሉ ይገብር መንፈስ አምላኽ ምስ
ለበስካ ሓቂ አባኻ ስለ ዝርከብ ዝዓግተካ ሓይሊ የለን እሞ ሎሚ ትብዓት ለቢስና ንሕማቕ
ክነጽጎ ንጽቡቅ ዓው ኢልና ክንዛረበሉ ፍቓደኛታት ንኹን።
ኦ አምላኽ ንአኻ ርኢና እንኽእለሉ ጸጋ ዓድለና እሞ አብ ፍቕርኻ ክንጸንዕ ሓግዘና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.