2014-12-04 16:21:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ኤውሮጳ ሰላም እተውሕስ ደኣምበር ዝተሓላለኸ ስርዓት ዝኽተል ብሄር ምሕደራ ክትኸውን ኣይግባእን


RealAudioMP3 ኣብ ቀረባ ኣዋን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስትራስበርግ ናይ ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ሕብረት ኤውሮጳ ዝተሓላለኸ ስርዓት ዝኽተል ማሕበረሰብ ብሄር ምሕደራ ዘይኰነስ እቲ ኤወሮጳዊ ክቡር ዋጋ ዕለት ብዕለት ዘዘኻኽርን ክንበር ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን ማሕበረሰብ ክኽኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ዓባይ ብሪጣንያን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፣ ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ጳውሎስ ባዚሊካ ንእግዚኣብሔር ስለ እቲ ታሪኻዊ ሓናጺ ርክብ ንምምስጋን ዕለት 3 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ሓቢሮም፣ እንነብረሉ ዓለም ድሕሪ ምውዳቕ ግንቢ በርሊንን ዝተራእየ ዓለም ለኻዊ ለውጥታት ንነጀው ካብቲ ኣንቢርናዮ ዝነበርና ትጽቢታት ወጻኢ ኣዚዩ ሕልኽልኻትን ምስስሓሓብን ኣብ ዝርከበሉ እዋናዊ ዓለም ምክብባርን ምቅርራብን ዘረጋግጽ ርክብ ክህሉ ብሓቂ ኣዚዩ ኣገዳስን ወሳንን እዩ። እቶም ኣብ ዓለም ዝረአዩ ሽግራት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ተራኺብካ ምዝታይን ምምኽኻርን ብሓባር ምዕያይ ክከኣል ኣለዎ፣ ምድሓን ብሓባር ወይ ከኣ ብሓባር ምጥፋእ እዩ ኢሎም፦ ክሌኣዊ ርክባት ንዘጋጥሙ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሽግራት ንምፍታሕ ዝድግፍ መጋበርያ ናይ ሓባር ዘተን ምትሕብባርን ዝጠልብ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ብሓፈሻኡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተሰማዕነት ረኺቡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተስፋይ እዩ። እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዘረባ ድማ እቲ ሕብረት ኤወሮጳ ክቐውም ዘነቓቕሔ መሰረተ ሓሳብ ቀደም ኰነ ሎሚ እውን ክቡር ዋጋ ዘለዎ ምዃኑ ዝመስከረ እዩ፣። ብርግጽ እዚ እንነብረሉ እዋን ዝተሓላለኸን ብዙሕ ጸገማት ዝተመልአ እዩ፣ ስለዚህ እዚ ኩነት’ዚ እቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምርግጋጽ ዘነቓቕሔ ሰላም ምትሕብባር ናይ ሓባር ጥቅሚ ዝብል መሰረት ሓሳብ እዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዘነጽር፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ናይዚ ሕብረት ኤወሮጳ ክቡር ዋጋ ኣድማሱ ከይስሕት ምጥንቃቕ የድሊ፣ ኣብ ግኡዛውን ከምኡ ድማ ዝተሓላለኸ ስርዓት ዝኽተል ብሄረ ምሕደራ ኰይኑ ከይተረፍ ምጥንቃቕ የድሊ፣ እዚ ማለት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መሰረትቲ ኣበው ዘበገስዎ መሰረተ ሓሳብ ዘይምክሓድ እዩ ዝኸውን፣ ብርግጽ ዝተፈላለዩ ጸገማት ኣለዉ፣ ኰይኑ ግና ሰላም ንምዕቃብን እቶም ክቡራት ዋጋታት ንምኽዋን ናይ ኤውሮጳን ናይ ዓለምን ሓባራዊ ጥቅሚ ንምርግጋጽ እንነብረሉ ዓለም ብሉጽ መታን ክኸውን ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘበገሶ ክብሩ ዋጋ ዘይምኽሓድ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.