2014-11-29 16:43:28

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንማሕበረ ክርስቲያን ቱርኪ ጽንዓት እዮም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት የካይዱ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ እዚ ዕለት 28 ህዳር 2014 ዓ.ም. ዝተጀመረን ዕለት 30 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ንማሕበረ ክርስቲያን ቱርኪ ኣብ እምነት ዘጽንዕን መንፈስ ብርታኤ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ኣብ ኢስታንቡል ናይ ካቴድራል መንፈስ ቅዱስ ቆሞስ ኣባል ማሕበር ሳሊዛውያን ኣባ ኒኮላ ሙሰዱ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይዶ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም ቅዱስነቶም ዕለት 29 ሕዳር ኣብታ ካቴድራል ንማሕበረ ክርስቲያን ቱርኪ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣውን ከምዘዕረጉን እቲ ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸጋ ጽንዓት ኣብ እምነት ከምዝጽገውን ከምኡ እውን ኣብ ቱርኪ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ እዩ ኢሎም።
እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቱርኪ ንናይ ኣርመን ሥርዓትን ናይ ሶሪያ ስርዓትን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ዝኽተሉን ካብ ስሚርነን ኤፈሶንን ዝመጹ ካቶሊካውያን ዘራኸበን እቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኩላውነት መንፈስን ተግባርን ዘረጋግጽ፣ ነቶም ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብርግኣትን ብዝበለጸ መንፈስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንኽፍጽማ ዘብቅዔን ኣብ ቱርኪ ሕጋዊ ተፈላጥነት ክህልወን ዝድግፍ ሓዋርይዊ ዑደት ምዃኑ ሓቢሮም።
ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቱርኪ ሕጋዊ ተፈላጥነት እንተትረክብ እቲ እተካይዶ ኣገልግልቶ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ማሕበራውን ባህላውን ሕንጸት ብሒደት ካህናት ዘይኰነስ ብብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ሱታፌ ዝፍጸም ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ኣዚዩ ዘዕጋቢ ኣገልግሎት ምዀነ። ስለዚህ እዚ ኹሉ ንምፍጻም ብሓቂ ሕጋዊ ተፈላጥነት ምርካብ ብተስፋ እንጽበዮ ውሳኔ እዩ ኢሎም።
ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቱርኪ ንዝርከብ ስደተይናን ተምዛበልቲ ዒራቓውያን ኣብ ምግልጋል እውን ትዋሳእ ከምዘላን፣ እቲ ናይ ግብረ ሰናይን ሕንጸት ኣገልግሎት ድማ ንካቶሊካውያን ንናይ ካልኦት ሃይማኖታት ኣባላት እውን ዘጠቓልል እዩ። ብዙሓት ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ እውን እንተዀኑ በቲ እነቕርበሎም ሓገዝን ሕንጸትን ሕጉሳት ምዃኖም ብዝተፈላለየ መገዲ እውን ዝገልጽዎ ሓቂ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃል ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.