2014-11-29 16:48:43

ቅዱስ ኣቦና ሕድነት ክርስትያን ንምጽናዕ ናብ ቱርኪ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ናብ ቱርኪ ኣብ ዝነቐልሉ እዋን ነተን ናይ በረራ ኣየር ዶባተን ዝሓልፉለን ሃገራት ኢጣሊያን ኣልባኒያን ግሪክን ኣርእስተ ብሔር ናይ ቴለግራም መልእኽት ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር፣ ኣብ ቱርኪ ዝፍጽምዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ ክርስቲያን ሓድነት ንምጽናዕ ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ናይ ሓባር ዘተ ንምንቕቓሕ ዝኣመተ ኣውን ምዃኑን ከምኡ እውን ናይ ክርስቲያን ሕድነት ብምንቕቓሕ ድማ ምስ ኩሉ ብሓባር ንኽጽልዮ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ናፖሊታኖ ብወገኖም ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቱርኪ ሓዋርያዊ ዑደት ብሓቂ ነታ በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ብዘሎ ውጥረት ብቐረባ ኣትትንከፍን ብዝተፈልለየ መዳያት ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽን ነቶም ካብቲ ውጥረት ዝተመልኦ ከባቢ ዝውሕዙ ስደተይናታት ኣብ ምዕላይ ተልእኾ ኣትፍጽሞ ዘላ ኣገልግሎትን እትካይዶ ዘላ ጻዕርታትን ዘተባብዕን ኣብ’ዚ መዳይ ዝድግፍን እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቱርኪ ናይ ምዕራብን ምብራቕን ባህልታትን ክርስትናን ምስልምና ሃይማኖት እተራኽብ ሃገር ብምዃና ድማ እቲ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ዓለም ህብረ ባህልን ሃይማኖትን ዓሌትን ክራኸቡን ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ኣፍልጦ ብምልውዋጥ ሓናጺ ርክብ ክህሉ ዘተባብዕ ብፍላይ ድማ ሰላማዊ መጻኢ ውሕስ ክኸውን ዝድግፍን ሕድ ሕዳዊ ግጭት ከይሁሉ ዝምዕድ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.