2014-11-29 17:49:40

ስብከት ር.ሊ.ጳ አብ ቱርኪ፤ መንፈስ ቅዱስ ነፍሲ ቤተ ክርስትያን ኢዩ፣


RealAudioMP3 ጐ.ኢ.ክ ንድሕነት ዝጸምኤ ዘመደ አዳም “ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።” (ዮሐ 7፡38) እናበለ ኩሉ ብነጻ ካብዚ ምንጪ እዚ ክሰቲ ይዕድም፣ በዚ አብ ኢየሩሳሌም ብወግዒ ዝተነግረ ትንቢት ኢየሱስ ነቲ ሓዋርያት ክብሩ ምስ ተገልጸ ማለት ድሕሪ ሞቱን ትንሣኤኡን ክቅበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ንምግላጽ ከአ ወንጌል ዮሓንስ ቀጺሉ አብ “ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ።” ብማለት የረጋግጸልና፣ መንፈስ ቅዱስ ነፍሲ ቤተ ክርስትያን ኢዩ፣ ዝለዝኾነ ከአ ሕይወት ይህባ ንሕዝበ እግዚአብሔር ዘሀብትም ብሕልፊ ብዙሓት አብ ሓደ አካል ክርስቶስ ሓደ ኰይኖም ዝነብሩሉ ሓድነት አመንቲ ዝፈጥር ውህበት ጀሚርካ ካብ ከርሳ ዝተፈላለዩ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ከምዝፍልፍሉ ይገብር፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ጕዳይ ኩሉ ብመንፈስ ቅዱስ ክውን ስለዝኸውን ሕይወትን ተል እኮን ቤተ ክርስትያን ብምሉኡ አብ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ዝምስረት፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ አብ ቀዳማይ መል እኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ አብ ዝጽሕፋ “ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እንተዘይኮይኑ ኢየሱስ ጐይታ ኢዩ ክብል ዝኽ እል ወላ ሓደ የሎን” (12፤3) እናበለ ነዛ ምስክርነት እምነት ምንጩ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይግለጸልና፣ ክንጽሊ እንከሎናውን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ አብ ልብና ሕሹዅ ዝብለና፣ ነቲ አብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ተዓጺና ክንተርፍ ዝፈታተነና ዓንኬል ፈንጢስና ንካልኦት ክንረክብን ክንቅበልና ክንሰም ዖምን ክንሕግዞምን ካብ ገዛእ ርእስና ከም እንወጽእ ዝገብረና እውን ድርኺት መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ አብ ውሽጥና ተሓቢኡ ዝነበረ ዘይፈልጦ ይቅረ ምባልን ንጸላእትና ንምፍቃርን ዝደፋፈአና ሓዲስ ነገር ክንረክብ ከሎና ነዙይ ዘፍልጠና መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ክንዮ ቃል ዓለም ሰጊርና ነሕዋትና ብፍቅርን ለውሃትን ክንቀርቦም እንከሎና እሞ ልቦም እንከነስርስ ብርግጽ ብመንፈስ ቅዱስ ተተንኪፍና አሎና ማለት ኢዩ፣
ርግጽ ኢዩ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለይ ውህበታት ንቤተ ክርስትያን ይዕድል፣ ኮይኑ ግን አብ ገገሊኡ እዋን ዘይወሃሃዱ ክመስሉ ይኽእሉ ኮይኑ ግን መንፈስ ቅዱስ ናይ ውህደት ምንጪ ስለዝኾነ ንሱ ባዕሉ ኢዩ ንውህደትን ጽባቐን ዝዕድሎ፤ እዚ መንፈስ እዚ ኩሉ ከም ስኒ አድጊ ማዕረን ሓደን ክኸውን ዘይኮነ ከምቲ ዝተፈላለየ ድምጽን መጋበርን ሙዚቃ ተወሃሃዲ ጥዑም ዜማ ዝህብ ነዚ ዝተፈላለየ ውህበታት ከአ ከም አካላት ናይ ሰውነትና ተዋሃሃዱ ሓደ ዘደንቅ ነገር ይገብሮ፣ በዚ ጽባቀን ኩነታትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ እንተፈቂድና ጥራሕ ኢዩ ናይ ቤተ ክርስትያን ውህደትን ሓድነትን እንበጽሕ በዚ ከአ ንኩሉ ፍልልይን ምምቅቃልን ዘሎ ከነውግዶ እንኽእል ንመንፈስ ቅዱስ ልብና ምስ እንከፍት ኢዩ፣
እዚ ጕዕዞ እዚ ተስፋ ዝመል ኦ እንክኸውን በቲ ካል እ መዳዩ ከአ ብርቱ ዕ ሥራሕን ድኻምን ይሓትት፣ ምናዳ ምናዳ ንመንፈስ ቅዱስ ንምቋም ዝመጸና ኢዩ ከመይ ኩሉ ጊዜ ብዘይለውጥን ተሓድሶን ነታ ሒዝካያ ዘሎኻ መስመር ሒዝካ ትም ምባል ቀሊል ኢዩ፣ ስለዝኾነ ከአ ቤተ ክርስትያን መጠን ንመንፈስ ቅዱስ ዝተአዘዘት እምበር መጠን ዝ ዓበጠቶ አይኮነን ተአማንነታ ዝግለጽ፣ ንሕና ክርስትያን እውን እሙናት አር ድ እቲ ክርስቶስ እንኾነሉን ሓዋርያቱ ኰና እንለአኸሉን ኅልናና ቀስቂስና ነዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውህበታት ተቅቢልና ብ አ ኡ ክንምራሕ ምስ እነፍቅድ ኢዩ፣ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ሓዳሲ ስለዝኾነ ንሓድስቲ ነገራትን ንምሕዳስን ድልዋት ክንከውን አሎና፣
ምናልባት እቲ ንገብሮ ጻዕርን ስክፍታን አብ ሓሳባትናን ክእለትናን ተሓጺርና ከም እንተርፍ ክገብሩና ይኽ እሉ በዚ ከአ ፐለጃሪዝም አብ ዝበሃል መናፍቅነት ማለት ወዲ ሰብ ብዘይጸጋ እግዚአብሔር ብኃይሉን ዐቅሙን ክድሕን ይኽ እል ዝብል መንፍቅነት ክንወድቅ ንኽእል፣ እዚ ናይ ደድፋዕካ ሒዝካ ናይ ምክልኻል አምር እዚ ንካል ኦት አሕዋትና ካብ ምርዳእን ንዘተ ልብና ካብ ምኽፋትን ክዓጽወና ይኽእል፣ ኮይኑ ግን እታ ካብ ጴንጠቆስጠ ዝተወልደት ቤተ ክርስትያን ሓዊ መንፈስ ቅዱስ እያ እትቅበል እዚ ሓዊ እዚ ነእምሮናን ንሓሳባትናን ዘይኮነ ንልብና ኢዩ ዘምውቅ፣ በዚ ከአ ናይ ሥልጣን መስኖ ዘይኮነ ናይ ፍቅሪ አገልግሎት እናለገሰት ነፍሲ ወከፍ ክርድ ኦ ዚኽ እል ቋንቋ ትዛረብ፣
አብ ጕዕዞ እምነትና ሕውነታዊ ናብራናን ብትሕትና ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ መጠን ዝፈቀድናሉ ነቲ ዘሎ ዘይምርድዳእን ምክፍፋልን ክትዓትን አሸኒፍና ናይ ሓድነትን ሰላምን ጭቡጥ ምልክት ክንከውን ንኽ እል፣ እንክብሉ ስብከቶም ምስ ዛዘሙ ንኩሎም መራሕትን ሰበሥልጣንን ምስጋናን ሰላምታን አቅሪቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.