2014-11-29 17:53:13

ሰንበት ዘምኵራብ 2007 ዓ.ም. ኅዳር 21 2007 ዓ.ም. (11/30/2014); አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ!


መዝሙር፡ አምላክ ፍጹም ብህላዌሁ. . . . . .
ንባባት፡ ዕብ 12፡ 22-ፍ፥ ያዕ 3፡1-10፥ ግ.ሓ. 21፡27-33፥ ማቴ 8፡23-ፍ (ማር 4፡35-41፥ ሉቃስ 8፡2639)።
ምስባክ፡ ኵሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ ሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። “እግዚአብሔር ንዝደለዮ ኩሉ አብ ሰማይን አብ ምድሪን፥ አብ ባሕርን አብ ቀላያትን ገበረ” መዝ. 135፡6።
መዝሙር፡ “ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዘሎ አምላኽ ብኅላዌኡ ፍጹም እዩ፥ ንሱ ብግዝአቱ ንዓለም የመሓድር፥ ሰማይ ንኽብሩ ገበሮ ንዓለም ፈጠሮ፥ ንምድሪ አጸበቓ፥ ንኹሎም አብ ጸገም ዘለዉ ከዕርፉ ንባሕርን ንኹሎም ንፋሳትን ገሰጾም፥ ኩሎም አብአ ከዕርፉ ምእንቲ ንሰንበት ቀደሳ። አብ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእንቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ። ንሶም ብጸጋን ብልቦናን ብሃይማኖትን ካብ መጀመርያ ንጎይትኦም ዘሕጎስዎ መምህር ቅዱሳን አኽሊል ሰማዕታት ናይ ካህናት ሽመት ዝኾነ አምላኽ ብጸግኡ አጽንዖም”።
አብዚ ምድራዊ ሕይወት ይኹን አብ ሰማይ አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት የለን። ሕይወትና ብፍሉይ ጸጋ ዝተፈጥረ ከንሱ ሰብ ካብቲ አምላኽ ዝሃቦ ጸጋ ወጺኡ ምርጭኡ ክገብር ፍቓድ አምላኽ ኮይኑ ስለዚ ሰብ ብዘይ አምላኽ ዝነብረሉ እዋናት አልኦ።
አምላኽ ምሳና ከምዘሎ እንተ ዘንጋዕና ኩሉ ይሕርብተና ዓቕልና ነጽብብ። ናይ ሎሚ ወንጌል ነዚ እዩ ዘስተምህረና። ክልተ ነገራት ይነግረና መጀመርያ ብዛዕባ ናይ ሓዋርያት እምነት ማቴ 8፡23-27 ካልአይ ብዛዕባ ጋኔን ዝሓደሮም እሞ ዘሕወዮም ይነግር ማቴ 8፡28-ፍ። ሰለስቲኦም ወንጌላውያን ማቴዎስ ማርቆስ ሉቃስ ነዚ ዝተነበ ብተመሳሳላይ መገዲ ይነግሩና፥ ማርቆስን ሉቃስን ጋኔን ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ከምዝኾነ እቶም አጋንንቲ ብዙሓት ከምዝኾኑ በዚ ኸአ “ለጌዎን” ከምዝብሃሉ አጽብብቕ አቢሎም ንውሕ ብዝበለ እናገለጹ ይነግሩና፥ ማቴዎስ ግን ክልተ ከምዝኾኑ ሕጽር ብዝበለ አብቲ ክብሎ ዝደሊ ብምትኳር ይነግር። ማርቆስ ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ሓዋርያት ክነግር እንከሎ ትርር ዝበለ ቃላት ይጥቀም ማቴዎስ “አቱም ሰብ ጎደሎ እምነት” ክብል እንከሎ ማርቆስ “እምነት የብልኩምንድዩ” ይብል፥ ሉቃስ አፍኩስ አቢሉ ከአ “አበይ ድአ ኣላ እታ እምነትኩም” ይብል።
ማቴዎስ ነዚ ፍጻሜ ከዘንቱ እንከሎ አብ ሕይወት አርድእቲ ፍሉይ ጦብላሕታ ከምዘሕደረ ክሕብር ኢሉ እዩ ዝነግረና። ቀዳሞት ክርስትያን ነዚ ፍጻሜ ብዝተፈላለየ አብ ሕይወቶምን አብ እዋኖም ርእዮም ክትርጉምዎ ንርኢ። ወንጌላውያን ሰለስቲኦም እምብአር አብ ጃልባ ንባሕሪ ገሊላ ከቋርጹ እንከለዉ ብርቱዕ ማዕበል ከምዝኾነ ኢየሱስ ግና ይድቅስ ከምዝነበረ ይነግሩና። ብርቱዕ ንፋስ እንከሎ ከመይ ኢሉ ይድቅስ ነሩ እዚ ብግሩህ መንፈስ ክትርእዮ ከሎኻ ይገርመና እዩ እንተ ኾነ አብዚ እውን ፍሉይ ነገር ክሕብሩ ስለ ዝደለዩ እዩ። ካብ ቀዳሞት ዘመናት ጀሚሩ “ጃልባ” አምሳል ቤተ ክርስትያን እያ እትርአ፥ ባሕሪ ከአ ከም ዓለም፥ ማዕበል ከም ኩሉ መከራን ስደትን አብ ሕይወት ቀዳሞት ክርስትያን ብሰንኪ አይሁድን አረማውያንን ዝወርድ ዝነበረ የመልክት። ክርስትያን ብዝተፈላለየ መገዱ ይስደዱን ይግፉዕን ነሮም፥ አይሁድ ከምኡ አረማውያን አብ ኩሉ ከጥፍእዎም ዘይገበርዎ ፈተነ አይነበረን ስለዚ እዚ ማዕበልን ፍርሕን ናይ እቲ ዝወርዶም ዝነበረ መከራን ስደትን ጭንቅን ንምንጋር እዩ።
ኢየሱስ አብ መንጎ ማዕበል ይድቅስ ነሩ ዝብል አምላኽ አብ ጊዜ ስደትን ውርደትን ንቤተክርስትያኑ ዘይግድሶ ዝመስሎም ነሮም፥ እንተ ኾነ አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ ንሓዋርያቱን ቤተ ክርስትያኑን አብ እዋን ጸበባን ስደትን ፈተናን ብወገኖም ዝክአሎም ክገብሩ ከም ዝደሊ ዝተረፈ አብኡ ከሓድግዎ ክሕብሮም ኢሉ እዩ። ኩነታትና ክቅየር ዝክአለና ምስ ገበርና ከም ሓዋርያት “ጎይታ ጠፋእና አድኅነና” ዝብል ክንምሃር ይግባእ። ኩሉ ምስ ገበርና አባና ቀሪቡ ከምቲ “ተንሢኡ ንንፋሳትን ንባሕርን ዝገሠጾም እሞ ዓቢ ህድአት ዝኾነ” አባና እውን ሰላም ፍቕሪ ርግአት ክወርድ እዩ። ምጥርጣር እንተ አርአና ግን መጀመርያ ሰብ ጎደሎ እምነት ብምዃና ክግስስጸና እዩ። ብዙሕ ጊዜ እዚ ከምዚ ዝአመሰለ ንአናን አብ ሓባራውን ግላውን ሕይወትና አብነት ምእንቲ ክኾነና ዝተጻሕፈ እዩ።
ማዕበል አብ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ አሎ። አብ ወንጌል ብዛዕባ ባህርያዊ ማዕበል ባሕሪ ክነግር እንከሎ ነቲ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ዝልዓል ማዕበል ሕይወትና እዩ ዝነግረና። አብ ባሕሪ ማዕበል ናይ ብዙሓት ሕይወት ከምዝጠፍእ ብፍላይ ንሕና ኤሪትራውያን ዳርጋ ንነፍሲወከፍ ገዛ ተንኪፉና እዩ፥ ስለዚ ማዕበል ዘምጽኦ ጓሂ ጥፍአት ጽቡቕ ገርና ንርዳእ ኢና። ሎሚ ከም ሎሚ ዘሸግረና ዘሎ ማዕበል ግን መንፈሳዊ ማዕበል እዩ፥ ሰብና ደቅና ዓቢ ማዕበል መንፈስ ወሪድዎም ክሳቐዩ ክፈርሑ ንርኢ አሎና፥ ብማዕበል ቃል ኪዳን ዝሳቐዩ፥ ብማዕበል ዓለማዊ ባህልታትን አተሓሳስባን ዝሳቐዩ፥ ብማዕበል ዋሕዲ እምነት ዝሳቐዩ፥ ብማዕበል ስምምዕ ብምስአን ዝሳቐዩ፥ አብ መንጎ ስድራ ቤት፥ አብ መንጎ ደቂ ሃገር ፍልልይ ወገንነት ከምኡ ቅርሕንትን ጽልእን አብ ሕይወቶም አንጊሶም ንሰባት ከሳቕዩ ከዋርዱ እንተ ኸአሉ እውን ክቐትሉ ዘዕገርግር ማዕበል፥ ከምኡ ብግላዊ አተሓሳስባን ጠባይን ዘናውጽ ማዕበል ዝሳቐዩ ማእለያ የብሎምን። ሎሚ እምብአር ዘናውጸና ማዕበል ሕይወትና አለሊና ክንርኢ እሞ “ጎይታና ርድአና በርቲዑና ክነህድኦ አጸጊሙና አሎ” ኢልና ንለምኖ።
አብ መንገድን እምነትን አምላኽ ክንምለስ እንከሎና ጥራሕ እዩ ማዕበልና ዝሃድእ። አብ መዝ 107፡28-29 “ሽዑ ምስ ጸበቦም ናብ እግዚአብሔር አእወዩ ንሱውን ካብ ጸበባኦም አውጽኦም፥ ንህቦብላ ናብ ህድአት ለወጦ ማዕበል ከአ ዝግ በለ” ዝብል ንሕይወት ነፍስወከፍና ዘስምዕ ነንብብ። አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ንህዝቡ ካብቲ ዝኸፍአ ማዕበል ዕግርግር አድኂንና እዩ። እዚ ኸአ ካብቲ ባህርያዊ ማዕበል ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ዝኾነ ካልእ ማዕበል እውን። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ እምነት ገሮም እንተ ለመኑ ካብ ዝኾነ ፈተና ጸበባ ከምዝድሕኖም ገሊጽሎም እዩ። ሎሚ እውን ማዕበልና ክሃድእ ፍርሕና ክቕንጠጥ ራህዋ ሰላም ምምሕሓር ክነግስ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንምለስ ነቲ ብቤተ ክርስትያኑ ዝብለና ክንሰምዕ ይግብአና። እንተ ኾነ መጀመርያ ክንገብሮ ዘሎና ባዕልና ንጥፍአትና ንጸገምና ርኢና ክንክእል አሎና ሽዑ ንሱ መጺኡ ከድሕነና።
ወንጌላውያን ኢየሱስ ማዕበል ምስ አህድአ ንኽልተ አጋንንቲ ዝኃደሮም (ማቴዎስ) ሓደ ጋኔን ዝሓደሮ (ማርቆስን ሉቃስን) ከምዘሕወየ ይነግሩና። ኢየሱስ ብመገዲ እዩ ዝሓልፍ ነሩ፥ ንሱ ባዕሉ “አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ኢሉና እዩ፥ በዚ እዮም ወንጌላውያን ብዙሕ ጊዜ ተአምራታቱ አብ መገዲ ከምዝገበሮም ዝሕብሩና። ወንጌላውያን እዚ ፍጻሜ ካብ ግዝአት አይሁድ ወጻኢ አብ ጌርጌሴን ከምዝኾነ እዮም ዝሕብሩና። እቶም ሰባት ክልቲኦም ጋኔን ዝሓደሮም አብ መቓብር ዝነብሩ ካብኡ ወጺኦም በቲ መገዲ ንዝሓልፍ የሸግሩ ነሮም። ክልቲኦም ኢየሱስ ክመጽእ ምስ ረአይዎ ግን አለልዮሞ “ኢየሱስ ወዲ አምላኽ ንስኻ ምሳና ንሕና ምሳኻ እንታይ አሎና ግዚኡ ከይበጽሐዶ ክተሳቕየና ናብዚ መጻእካ እነበሉ ጨርሑ”። አምልኽን ኃጢአትን ንአምላኽን ንሰይጣንን ብሓደ ምግልጋል አይክአልን እዩ፥ ንሓዲኦም ምምራጽ የድሊ እዞም አጋንንቲ ዝሓዝዎም ሰባት ከአ እዚ እዩ ነሩ እቲ ጸገሞም። ሰይጣን አብ ሕይወትና ሓንሳብ ምስ አተወ ክወጽእ ቀሊል አይኮነን ጾም ጸሎት ንስሓ የድሊ። ልብና ሰይጣን መሊኽዎ እንተሎ ዓው ኢልና አብኡ ክንምለስ ንጨርሕ ሽዑ ክመጽእን ከንጽሓናን እዩ። አብዚ ልዕሊ እቲ ፍጻሜ እንርእዮ አብ መወዳእታ አብ መንጎ አምላኽን አጋንንቲ ጽልመትን መን ከምዝስዕር ገሊጹ ይሕብር። ነዚ እቶም አጋንንቲ ጽቡቕ ገሮም ይፈልጥዎ እዮም። ቀንዲ ተልእኮ ኢየሱስ ንደቂ ሰብ ካብ ግዝአት ጸልማት ካብ ስቓይን ሞትን ካብ ፍርሕን ምሽቕራርን ነጻ ንምውጻ እዩ።
ነፍስወከፍና ነናትና ጋኔን አሎና።
አብ ሕይወትና ንመገዲ አምላኽ ከይንሕዝ ገለ እዋን ባዕልና ዘምጻእናዮ ጋኔን ገለ እዋን ካብ ሰባት ዝወሰድናዮ ጋኔን ገለ እዋን ከአ ብዓቢኡ ሰይጣን ክዕወተልና እንከሎ ዝመልከና ጋኔን አሎና። ሓደ እዋን ሓዋርያት ንሓደ ሰብ ካብ ጋኔኑ ከሕውይዎ ስለ ዘይከአሉ ኢየሱስ እዚ ጋኔን ብጾምን ብጸሎትን ጥራሕ ከምዝወጽእ ነጊርዎም። አብዚ እዋና ሰይጣን ጋኔን ዝብሃል የለን ሰብ ካብ ፍርሒ ተበጊሱ ዝፈጠሮ እዩ እናበሉ ዝአምኑ አለዉ ግን ሰይጣን ወይ ጋኔን ከምዘሎ ንሕጊ አምላኽ ሓዲጉ አብ ሰብ ንምጉዳእ ዝወፈረ ከም ዝኾነ እምነትና ይነግረና። ጋኔን ግን ክንስዓር ደሊና እንተ ዘይተሸነፍና ክስዕረና አይክእልን እዩ ግን ኩሉ ጊዜ ይፈታተነና። ሰይጣን ዝመለኾ ልቢ ጽቡቕ ክገብር ከፍቅር አይክእልን እዩ። እሞ ሎሚ አብ ልበይ ዝመልኽ ዘሎ መን እዩ። መንፈስ ሰይጣን ዝሓደሮ ሰብ ጽልኢ ቅርሕንቲ ፍልልይ ጽልኢ ክፍአት ሓሜታ ዝሙት ቅትለት ክፍጽም ጸገም የብሉን። ንኽብረት ሰብ ዝቕንጥጥ ካብ አምላኽ ዝፈሊ ነገራት ክገብር አይጽግሞን እዩ። ካብዚ ክንድሕን እንተ ደሊና እቲ እንኮ መድኅና ኢየሱስ ባዕሉ እዩ።
እዞም ክልተ ብጋኔን ተመሊኾም አብ መቓብር ጥራሕ ዝነብሩ ዝነበሩ ኢየሱስ ክመጽእ ምስ ረአይዎ አለልዮሞ ስለዚ ካብቲ ልቢ እቶም ሰባት ከይወጽኡ ለሚኖም “ሰይጣን እውን ይልምን እዩ”። ቀጺሎም ከአ “ንሕና ንስኻን እንታይ አራኸበና” ይብልዎ። ከም ዝተባህለ ብርግጽ አምላኽን ኃጢአትን ብሓደ ክነብሩ አይክአልን እዩ። አብዚ መጀመርያ እንርእዮ “አብ መቓብር ምንባር” ዝብል እዩ። መቓብር ኩልና ከም እንፈልጦ ቦታ ምዉታት እዩ። እዞም ክልተ ሰባት ከለዉ ምዉታት እዮም ነሮም። ጋኔን ወሪስዎም ካብ አምላኽን ሰብን ተፈልዮም አብ ቦታ ሙታት ይነብሩ ነሮም። ንሕና እውን አብ ክፍአት አብ ኃጢአት አብ ጽልእን ቅርሕንትን ክነብር ከሎና ብመንፈስ መትና ኢና እንነብር። ሕይወት ክንረክብ ካብ መቓብር ሕይወትና ክንወጽእ አሎና፥ ኃጢአትና አብ መንበር ንስሓ አንጺሕና አብ አምላኽ ክንቀርብ አሎና።
እዞም ጋኔን ዝሓዞም ሰባት ኢየሱስ አብኦም ገጹ ክመጽእ ምስ ረአይዎ ፈሪሖም ካብቲ መቓብር ከይወጽኡ ኢሎም ምሳኻ እንታይ አሎና ኢሎሞ። ንሕና እውን ኢየሱስ ብብዙሕ መገዲ ዝተፈላለየ ነገራት እናገበረ አባና ይመጽእ ካብቲ ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ከውጽአና ኢሉ ወደይ ጓላይ አበሎኹም ይብለና እንተ ኾነ አይነለልዮን ወላ እውን አይንደልዮን አብቲ ዘሎናዮ መቓብር ሕይወትና ክነብር ንደሊ። ሰብ ሰይጣን እንተ ወሪስዎ አብ መቓብር እዩ ዝነብር። አብ እንታይ ዓይነት ሕይወት ወይ እውን መገዲ ሒዝና ከምዘሎና ክንርኢ የድሊ።
አብዚ ወንጌል እቶም አጋንንቲ ወጺኦም አብተን ሓሳሙ አብ ጥቕኦም ዝነበራ ከምዝአተዉ ንሰን ከአ አብ ባሕሪ ከምዝአተዋ፥ እቶም ጓሶተን ንዓዲ አትዮም ምስ ሓበሩ ደቂ ዓዲ ንኢየሱስ ካብ ወሰን ምድሮም ኬልግስ ለምንዎ ዝብል ነንብብ። አብዚ እውን ክንሓስበሉን ክንፈልጦን ዝግብአና ነገር አሎ። ሓሳማ አብ ብሉይ ኪዳን ካብቶም ዘይንጹሓት እንስሳ ስለ ዝሕሰብ ኢየሱስ አብተን ሓሳሙ ክአትዉ ምፍቃዱ ካልእ ቦታ ነቶም አጋንንቲ ክኸውን ዝኽእል ስለ ዘየለ እዩ፥ ከምኡ ካብ እንስሳ ሰብ የብልጽ። ባሕሪ ቦታ ማዕበለ ቦታ ፍርሒ ቦታ ጥፍአት ስለ ዝርአ ዝነበረ እቶም አጋንንቲ አብ ባሕሪ እንተ አተዉ አብ ቦትኦም እዮም አትዮም። እቶም ደቂ ዓዲ እንታይነት ኢየሱስ ክርእዩ ስለ ዘይከአሉ ካብ ዓዶም ክርሕቀሎም ሓቲቶሞ። አብ ሕይወትና ምስ ኃጢአትና ክነብር እንተ መረጽና ልክዕ ከምኡ ኢና እንገብር። ንአምላኽ ቦትኡ ዝኾነ ልብና ብሰይጣን ከምዝትሓዝ ንገብር፥ አምላኽ አብ ዓድና አብ ቤትና አብ መንጎና ክሓድር እዩ ድላዩ ስለዚ ሎሚ ነፍቅደሉ።
ኢየሱስ ሎሚ እውን አብ መንጎና ክሓድር ከንጽሓና ይሓተና አሎ እንታይ እዩ ድላይና። ኦ ጎይታና ናብራና ከቢዱና መገዲኻ ጠፊኡና ነዕገርግር አሎና ሰይጣን አብ ዓለምና ተዓዊቱ አብ መቓብር ሕይወትና ንነብር አሎና እሞ ካብኡ ክንወጽእ አባና ንዓ አንጽሓና አድሕነና ንጠፍእ አሎና። ምስ ኃጢአትና ክነብር ተቐይምና እንከሎና ክነብር ንመርጽ አሎና እሞ በቲ ሓደ ዘይዓግቶ ሓይልኻ አብ ልብና እቶ አህድአዮ ንአኻ ከምዝርኢ አባኻ ከምዝአምን ግብረልና ኢልና ንለምኖ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.