2014-11-29 17:01:59

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንዓመት ውፉይ ሕይወት፦ “ዓለም ኣበራብሩ”


ውፉይነት ሕይወት ትንቢትን ነቢያትነትን ባህርይ ዘለዎን እዚ ድማ ዓለም ዘበራብር እግዚኣብሔር ዝዕድሎ ጸጋ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 30 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ብወግዒ ዝጅመር ዓመት ውፉይ ሕይወት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመርሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ሸቶታትን ትጽቢታትን ኣድማሳትን ናይቲ ዕለት 2 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓመት ውፉይ ሕይወት እተነጽርን እዚ ዓመት ውፉይ ሕይወት ድማ ኣብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ውፉይ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተማእከለ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጽ ኣስዒቡ፦ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብቐዳምነት ውፉይ ሕይወት ዝነብሩ ጸዋዕታኦም ኣብ ምኽዋን ክተግሁን ነቲ ዝሓለፈ ሕይወቶም ብምስጋና መንፈስ ክጥምቱን ኣብ ዝረአይ ዘይጥሙር ሕይወትን ሓጢኣት ሰብን የዕንቲም ከይዓመቱ ጸዋዕታኦምን ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳውን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ኣባል ዘብሎም መንነቶም ዓቂቦም ጸዋዕታኦም ክሕድሱን ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ህልዉ ኩነት ብሱታፌ ወንጌላዊ ሕይወት ብተምሳጥን ብብርቱዕ ስምዒት ክነብርዎ ዘነቓቕሕን ሳልሳይ ድማ በቲ ዝረአይ ናይ ህልው ኩነት ጸገምን በቲ ኣብ ሕይወት ውፉይነት ብሓቅን ወንጌልን ምንባር ከጋጥም ብዝኽእል ሽግርን ብፍላይ ድማ በቲ ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ውፉያን ሕይወት ዘበግሶ መከራ ተስፋ ከይቆረጹ መጻኢ ብተስፋ ሓንጎፋይ ቢሎም ክቕበልዎን ዘተባብዕ ዓመት ምዃኑ ቅዱስነቶም ከምዘገለጹ ኣመልኪቱ።
ውፉያት መንእሰያት ብብዝሕን ብስልጡነትን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሲ ሓይሊ ምትእምማን ኣብ ዝብል ፈተና ከይወድቁ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቦም ካብ ግብረ ሰናይ ዝነቅል ምእንቲ ግብረ ሰናይ ዝኣመተ ግብረ ሰናይ ዝትግብር ብቕዓት ምህዞ ናይ ወንጌል እስትንፋስ ናብ ዝተፈላለያ ባህልታትን ናብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መዳይ ከብጽሕ ደረት ኣልቦን ተስፈይናን ክኸውን ከምዘለዎን እዚ ድማ ናይቲ ብግብሪ ብማሕበር ዝንበር እምነት ማለት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝንበር እምነት ንኻልኦት ክማርኽን እምነት ኣብ ካልኦት ክዓቢይ ብዘብቅዕ ሓጎስ ዘመሓላልፍ ክኸውን ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ሕውነትን ምትሕብባርን ሱታፌን ናይ ቤተ ክርስቲያን ክቡራት ዋጋታት ዘፍልጥ ምስክርነት ካብ ኣባላት ውፉይ ሕይወት ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣነጺሮም፣ ቤተ ክርስቲያን ናይቶም ነቢያት ብምዃኖም ነቲ ዝነብርዎ ታሪኽ ዘለልዩን ብዕምቆት ዝመምዩን ከይዲ ታሪኽ ዘንብቡን ናይ ሓጢኣትን ናይ ኢፍትሓውነት ክፍኣት መንፈስ ዝነቕፉን ዝግስጹን ናይ ምትርጓም ብቕዓት ዘለዎም ነቢያት ማሕጐዳ ክትኸውን ኣለዋ፣ ስለዚህ ንእግዚኣብሔር ዝተወፍዩ ጦቢያ (ግብራዊ ክኸውን ናይ ዘክእል ሕልምን ድልየትን) ዝነብሩ ክዀኑ ዘይኰነስ ነቲ ወንጌላዊ ጸጋ ዝዀነ ሕውነትን ኣብ ብዙኅነትን ሕድ ሕዳዊ ምፍቕቓር ዘማእከለ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝንበሮ ፍልዩ ባይታ ክፈጥር ዝኽእል ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።
ናይ ውፉይ ሕይወት ንእግዚኣብሔር ማሕበራትን ተቛማትን ነቲ ከም ፍጹም ምሉእ ዝቝጸር ሓሳብ ዝንበረሉ ደኣ እምበር ደሴታዊ ማለት ንጹል ሕይወት ዝንበሮ ስፍራ ክኸውን ከምዘይግብኦን ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ውፉይ ሕይወት ንእግዚኣብሔር ዓመት ኣብ መንጐ ዝተፍላለያ መንፈሳውን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራትን ገዳማትን ምትሕብባርን ምቅርራብን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ርክብ ዝንበረሉን ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ነቲ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘእንግድ ቦታ ኽከውን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ጸሎትን ምስ ጸላይ ሕይወት ዘላልይ ስፍራ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ከምዘተሓሳሰቢ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና፦ እቶም ውፉይ ሕይወት ዝነብሩ ጽዉዓት ዝነብርዎ ኩነት ነቲ ኣብ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ከም ፍጹሙ ምሉእ ዚቝጸር ሓሳብ መገለጺ ብምዃኑ ኣብ ውፉይ ሕይወት ንእግዚኣብሔር ዓለማውያን ምእመናን ዘለዎም ግደ ዓቢይ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፣ ብፁዓን ጳጳሳኣት ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ውፉይ ሕይወት ማሕበራት ዘሎ መለለዩ መንፈሳዊ ጸጋ ከለልዩን እዚ ድማ ውፉይ ሕይወት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽባቔን ውህበትን ቅድስናን መግለጺ ክዀኑ መታን ንውፉይ ሕይወት ማሕበራት ክሕግዙን ክጓሱዩን ሓደራ ብዝብል ለበዋ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.