2014-11-26 15:43:17

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ቤተ ክርስቲያን ትምክሕታ እግዚኣብሔርን ድኻን ኣምበር ኣብ ገዛእ ርእሳ ኣይመካሕ


RealAudioMP3 ምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 24 ሕዳር 2014 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፦ “ቤተ ክርስቲያን ትሕትን ድኻን ምስ እትኸውን ንክርስቶስ እምንቲ ትኸውን፣ ካብዚ ወጻኢ ናይ ኣግዚኣብሔር ብርሃን ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን እያ እትዕድል” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ስለ ዘለዋን ሃብታም ስለ ዝዀነት ርአዩለይ ብዝብል ዓይነት ኣብ ኣደባባይ ትምጽውት ብናይ ዘለዋ ግኡዝ ሃብቲ ጃህራ ገዛእ ርእሳ እትዕንግልን ባህታኣ እቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ትምክሕቲ ዝዀነን ወይ ከኣ ናይ ማንም ኣተኵሮ ብዘይምምራኽ ኣብቲ ኵሉ ዝህብ እግዚኣብእሔር ተኣሚና ካብቲ ዘለዋ ሒደት እተካፍል ኣያ ዝብል ሓሳብ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃን ምዕ. 21 ካብ ፍቕዲ 1-4 ዘሎ ጠቒሶም፦ “ኢየሱስ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ቍሊሕ እንተ በለ እቶም ሃብታማት ኣብቲ መቐበል ምጽዋት መባእ ኬውድቑ ይርእይ፣ እታ መበለት ግና ክልተ ሳንቲም ከተውድቕ ከላ ይርእይ፣ ካብቲ ዝተትረፍረፋ ዘይኰነ እቲ ዘለዋ ኵሉ ዝሃበት፣ እዞም ኣብ ወንጌል ዝተጠቕሱ ክልተ ጠባያት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝተራእዩን ዝረኣዩን እያቶም፣ ቤተ ክርስቲያን ብደጋዊ ረአዩለይ ዝብል ዝፈታተነ እያ። እታ ድኻ ቤተ ክርስቲያን ግና እቲ ሃብታ ካልእ ዘይኰነስ እቲ መርዓዊኣ ንሱ ድማ ክርስቶስ እዩ። ንዓይ ባህ ዘብለኒ ቤተ ክርስቲያን ዳግም ምጽኣት መርዓዊኣ እትጽበ ልክዕ ነታ መበለት ክትመስል እንከላ እዩ። ብርግጽ መርዓዊኣ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ቃል እግዚኣብሔርን ኣብ ድኻታትን ኣሎ፣ ኣታ መበለት ዘይትድለይ ሓደ’ኳ ዝሓስባ ኣይነበረን፣ ኣብ ጋዜጣን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ስማ ዘይፍሉጥ፣ ሊቅነት ዘየመስከረት፣ ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ዘይተዀለዐት እያ። ኣብዛ መበለት’ዚኣ ምስሊ ቤተ ክርስቲያን ክርእይ ክንደይ ባህ ይብለኒ፣ እቲ ዓቢይ ክቡር ዋጋ ቤተ ክርስቲያን ክትነብሮ ዘለዋ ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ዘይምዅላዕ እዩ። ብናይ መርዓዊኣ ብርሃን ዝተዀለዔት ትዅን። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ክትዅላዕ ቢላ ዘርኣየቶ ምርጫ ዓቢይ ጌጋ እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ሓደ ሓደ እዋን ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያና ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ክትዅላዕ እንክብል ክሕታ እንከሎ፣ በቲ ናይ ምዃና ምኽንያት ዝዀነ ብርሃነ ክርስቶስ ንመላእ ዓለምን ዘርኢ ሰብን ከተብርህ ዝተጸውዔት ምዃና እዩ ዝገልጽ፣ በቲ ካብቲ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ብትሕትና ዝዓደላ ብርሃን ኣቢላ ንምላእ ዘርኢ ሰብ ብትሕትና ክትዅልዕ ዝተጸውዔት ምዃና እንክትንትኑ፦ “እቲ ኵሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንፍጽሞ ኣገልግሎት እቲ ብርሃነ ክርስቶስ ብምቕባልን ንምዕዳል እዩ። እቲ ኣገልግሎት ብዘይ ብርሃነ ክርስቶስ ጸላም ይኸውን ኣዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃብታን ሓይላን ምስ ዝኸውን ስጋዊ ደኣ እምበር ምስ ብርሃነ ክርስቶስ ዘረኽብ መገዲ የብሉን፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ንሱ እዩ ብርሃና ብርሃነ ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም።
ቤተ ክርስቲያን ንተስፋን ንመርዓዊኣን እምንቲ ምስ እትኸውን ካብኡ ብርሃን ክትዕደል ሕጉስቲ ክትከውን እንከላ ማለት ልክዕ ከምታ መበለት፣ እቲ ዝበርቕ ጸሓይ እትጽበይ ወርሒ፣ ቤተ ክርስትያን ድማ ንመርዓዊኣ እተማዕድው ክትከውን ከምዘለዋ እንከመልክቱ፦ “ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ምስ እትኸውን ድኻ ምስ እትኸውን ድኽነታን ሕሱም መከራኣን ክትናዘዝ እንከላ እምንቲ ቤተ ክርስቲያን ትህልወና። ቤተ ክርስቲያን እወ ኣነ ኣብ ጸልማት እየ እቲ ብርሃነይ ካብ ክርስቶስ እዩ ክትብል እንከላ ብሓቂ ክንደይ ባህ የብል፣ ነታ ኣብ መንግስተ ሰማይ ዘላ መበለት ንጸልይ፣ ቤተ ክርስቲያናውነትን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ እዚ ድማ እቲ ዘሎና ኩሉ እተበርክት ሓደ’ኳ ናተይ ኣትብሎ ዘይብላ ኵሉ ናይ ክርስቶስን ምእንቲ ብጻይ እተወፍዮ ምዃኑ ክተስተምህረና ብኣማላድነታ ንጸልይ። ትሕቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ኣለኒ ቢላ ዘይትምካሕ ትምክሕታ ካብ ጐይታ ኣብ ዝመጽእ ብርሃን ምዃኑ እተኣምን ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ንጸልይ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.