2014-11-25 18:32:12

ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ናብ ፓርላማ ኤውሮጳ!


RealAudioMP3 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብናይ ኤውሮጳ ፓርላማ ኤውሮጳ ዝተገብረሎም ዕድመ መሰረት ሎሚ ዕለት 25 ሕዳር ቅድሚ ቀትሪ አብቲ አብ ፈረንሳ ስትራስቡርግ ዝርከኩ ክልተ ዓበይቲ ተቅዋማት ኤውሮጳ ፓርላማ ኤውሮጳን ቤት ምኽሪ ኤውሮጳን በጺሖም፣

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ብሮማ ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ሾሞንተ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ሮማ ለኦናርዶ ዳ ቪንቺ ነቂሎም ረፍዲ ሰዓት ዓሰርተ ፈረንሳ ስታርስበርግ መዕረፍ ነፈርቲ በጺሖም፣

አብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ናይ ፕሮቶኮል ሐላፊ ናብታ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሒዛ ዝመጸት ነፋሪት አሊታልያ ደይቦም ሰላምታ ምስ አቅሪቦም፣ ካብ ነፋሪት ምስ ወረዱ ክአ ናይ ላዕላዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ናይ ኤውሮጳ ፓርላማ ምክጥል ፕረሲዳንት ናይ ከተማ ስትራቡር ከንቲባ ናይ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ልኡኽ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዉዕዉዕ አገባብ ተቀቢሎምዎም፣

ከተማ ስትራስቡርግ አብ ምብራቃዊ ፈርንሳ ትርከብ ምስ ጀረመን ትዳወብ ጥንታዊት ከተማ ከም ዝኾነትን ሐደ ሚልዮንን 145 ሺሕን ህዝብ ዝነብራ ከም ዝኾነት ይፍለጥ፣ ናይ ሀገራት ኤውሮጳ ዓበይቲ ተቅዋማት ሕጊ ማለት ፓርልማ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳን ዝርከብዋ ከም ዝኾነት ክአ ይፍለጥ፣

አባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ብ508 ሚልዮን ኤሮጳውያን ከም ዝመረጹን ካብ 1999 አብ ስትራቡርግ ዝርከብ ፓርልማ ከም ዝኾነ ይዝከር፣ አብዚ ግዜ”ዜ ናይ ኤውሮጳ ፓርልማ ፕረሲዳንት ማርቲን ሹልጽ ዜጋ ጀርመን ከም ዝኾኑ ይምልከት፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ስትራስቡርግ ናብ ፓርላማ ኤውሮጳ ተጓዒዞም ናይ ፓርልማ ፕረሲዳንት ማርቲን ሹልጽ ተቀቢሎሞም ናይ ቅድስቲ መንበርን ኤውሮጳን ሀገራውያን መዝሙራት ተሰሚዖም፣
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ፕረሲዳንት ፓርልማ ኤውሮጳ ማርቲን ሹልጽን ብብሕቲ ንሐጺር ግዜ ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡ ክምልከት ከሎ፡ ብድሕሪኡ ላዕላዎት ሐለፍቲ ፓርልማ ኤውሮጳን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሰነዩ ናይ ቤት ክርስትያን ሰበ ስልጣናትን ተራኺቦም፣

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አሰንዮም ንስትራስቡርግ ዝኸዱ ናይ ቅድስቲ መንበር አውራ ጽሐፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቢሮ ምኽትል ሐላፊ ብጹዕ አቡነ አንጀሎ በቹ አብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል አብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበ ቀዋሚ ተዓዛቢ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ አሎ፣

ፓርላማ ኤውሮጳ ሐፈሻዊ አኬባ ዘካይደሉ ዘሎ ግዜ ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ንአባላት ፓርልማ ኤውሮጳ ዲስኩር ምግባሮም ናይቲ ፓርላማ ፕረሲዳንት ማርቲን ሹልጽ ናርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ጌሮም፣

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንአባላት ፓርላማ ኤውሮጳ አብ ዘስምዕዎ ቃል “አብ ቅድሚ እዛ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ምንቅስቃስ መሠረታዊት ዝኾነት ተቅዋም ቃለይ ክህብ ብዘቅረብኩምለይ ዕድመ ከመስግነኩም እፈቱ፤ ከመይ ብአኹም አቢለ ናብቶም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ ነበርቲ ናይተን ዕስራን ሾመንተል ዝኾና አባላት ሃገራት ስለዝዛረብ፣ ፍሉይ ምስጋና ከአ ናይዚ ፓርላመንት እዚ አቦመንበር ንዝኾኑ እንከቅርብ ነቲ ብስም ኩሎም ተጋባእቲ ዘቅረብኩምለይ ልባዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃላት ዓጸፈታኡ አቅርብ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አብዚ ምብጻሕ ካብ ዝገብሩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ኮይኑ፤ አብዚ ጊዜ እዚ ብዙሕ ነገራት አብ ኤውሮጳን አብ ዓለምናን ተቀያዪሩ፣ እቲ ሽዑ ዝነበረ መፈላለዪ መናድቅ ኩሉ ፈሪሱ፣ ማዕረ ማዕረ ኤውሮጳ ከአ ብፍጥነት ዝቀያየርን መመሊሱ ዝተሓዋወስን ዝተአኻኸብን ዓለም ከምዘሎ ኮይኑ ግን ነቲ አብ ኅብረት ኤውሮጳ ዝነበረ ትኵረት እናቀንሶን ምዃኑ ከአ ዘይምዝንጋዕ የድሊ፣
“ካብቲ ጓሳ ክኸውን ዝተጸዋዕክሉ ዕለት አትሒዘ ንኩሎም ነበርቲ ኤውሮጳዊ ኅብረት ከመሓላልፎ ሃረር ዝብሎ ዝነበርኩ መል እኽቲ ሎሚ እንክገልጾ መል እኽቲ ተስፋ ትብ ዓትን ከመሓላልፍ ደስ ይብለኒ፣ አንጻር ኩሉ ፈተነ ናይ ሓድነት ዘጓንፈኩም ጸገማት ምስ ኩሉ ዓለም ብምኅባር ንኩሉ ከተሸንፍዎ ከምእትኽእሉን እዚ ፈተነዚ ዕድል ናይ ሓድነት ክፈጥር ከምዝኽእል ዘተአማምን ተስፋ ኮይኑ አብቲ ንሕማቅ አብ ጽቡቅ ንሞት አብ ሕይወት ክልውጥ አብ ዝኽ እል ጐይታ ብምትስፋው ኢዩ፣ እቲ ምትብባዕ ከአ አብቲ መሥረቲ ኅብረት ኤውሮጳ ዝኾኑ አበው ዝነበረ እምነትን ተስፋን ምልስ ብምባል ንዘሎ ምክፍፋላት ንምሽናፍን አብ መንጎ ሕዝብታት ንዘሎ ሰላምን ውኅድትን ንምብርባርን ኢዩ፣ ናይዚ ኩሉ ማእከል ግን ሰብ ምዃኑ አይትዘንግዑ፤ እዚ ሰብዚ ግን ከም ናይ ቍጠባ መማዕበሊ ዘይኮነ ልዑል ክብሪ ዘለዎ አካል ብምዃኑ ኢዩ፣ ክብሪ ወዲ ሰብ ከይትዝንግዑ ሓደራ እዚ ክንዮ ሓሳብናን ርድኢትናን ዝኾነ አምር እዚ ነቦታትና ድኅሪ ካልአይ ውግእ ዓለም አብ ልቦም ተመሊሶም ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ብምርዳእ ነቲ መሠረታውያን መሰል ደቂ ሰባት ዝብሉ ካብ ብሕይወት ናይ ክትነብር መሰል ጀሚርካ ክሳብ ናይ ኅልናን ሃይማአኖትን ነጻነት ዝበጽሑ አዋጅ መሰል ደቂ ሰባት ዘጠቃልል ቀይዲ ንክውስኑ ዘኽ አሎም ኢዩ፣ ክብሪ ወዲሰብከስ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ክረግጾን ክግህሶንሲ ይትረፍ ማንም ክትንክፎ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ፣ እንክብሉ ብዛዕባ ክብሪ ወዲሰብን መሰላቱን ብኅልፊ ከአ ዕለታዊ እንጌራን ሥራሕን ካብዚ ክብሪ እዚ ከዝውሕዙ ብደቂቁ ምስ ተንተኑ፣ ቤተ ክርስትያን እውን አብዚ ቃልሲዚ ዝተኻእላ ክተበርክት ተዓጢቃ ከምዘላ ከምዚ ክብሉ ገለጹ፣
“ቅድስት መንበርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ብማእከልነት ናይ ኤውሮጳ ረኪበ ጳጳሳት ኮሚሽን ምስ ናይ ኤውሮጳዊ ኅብረት ትካላት ሃናጽን ግልጺ ዝኾነን ዘተ ብምⷋድ ዝተኻእላ ንኽተበርክት ስንድውቲ ምዃኑ እንደገና ከረጋግጸልኩም እፈቱ፣ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ካብ ኅብረት ኤውሮጳ እንጽበዮ ካብዚ ናይ ዘመንና ናይ ጽንፈኛታት አረአይያን ዘተን ውጽእ ቢላ ነቲ ሃይማኖታዊ መሠረታ ሃሰስ ብምባል ነቲ ካብኦም ዝተቀበለቶ ሃብትን ተኽእሎን ምሉእ ብምሉኡ ክትጥቀመሉ አዘኻኽር፣ እዚ ከአ ካብቲ ዓብሊሉና ዘሎ ጽንፈኝነት እምነታት ከድኅና ኢዩ ድሕሪ ቢሎም ብዛዕባ ዴሞክራስን ብልጫታቱን ጸገማቱን ብዓይኒ ቤተ ክርስትያን ተንቲኖም አብ መወዳእታ አብ ሥርዓተ ቍጠባ ዘይኮነ አብ ክብርታት ደቂ ሰባት ዝጽጋዕ ኤውሮጳዊ ኅብረት ኃቢርና ንክን ሓንጽ እዋኑ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ዝኸበርኩም አባላት ኤውሮጳዊ ፓርላማ! አብ ዙርያ ቍጠባ ዘይኮነ አብ ክብሪ ወዲሰብ ዝተመሥረተ ዓንኬል ንክንሃንጽ ግዜኡ በጺሑ ኢዩ፣ በዚ ከአ ንዝሓለፈ ብትብዓት ሃንጉፋይ ኢላ እትቅበል ንመጻኢ ብዓይኒ ምትእምማን እትጥምትን ንዘላቶ ከአ ብምል አትን ብተስፋን እትነብርን ኤውሮጳ ክንሓንጽ ጊዜኡ ሕጂ ኢዩ፣ ናይታ ተጠራጣሪትን ፍራህን ኤውሮጳ ሓሳብ ካብ ሓንጐልና ሓግሒግና ነውጸአሉ ጊዜ በጺሑ ኢዩ፣ እዛ ኤውሮጳ እዚአ ሰማያዊ ነገራት እናአስተንተነት ዕላማታታ ከተተግብር እትቃለስን ናይ ወዲሰብ ክብሪ እትከላኸልን እትድግፍን ኮይና አብ ጽኑዕን ዘተአማምንን መሬት ብክልተ እግራ ደው ቢላ ናይ ኩሎም ዘመደ አዳም ዝኸበረ መወክሲ ክትከውን አለዋ” ቢሎም፣
ድሕሪ ዲስኩር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፋርንቸስኮ ናይ ፓርላማ ኤውሮጳ ፕረሲዳንት ማርቲን ሺልጽ ናይ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ንሄርማን ቫን ሮምፐይ ናይ ኤውሮጳ ሕበረት ቤት ምኽሪ ግዝያዊ ሊቀ መንበር ናይ መንግስቲ ጣልያን ቀዳማይ ሚኒስተር ነማተዮ ረንጺ ናናይ ኤውሮጳ ኮሚስዮን ፕረሲዳን ንጂን ክላውደ ዩንከር ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አፋሊጦሞም፣

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብ ፓርልማ ኤውሮጳ ተፈንዮንም ናብቲ አብ ጥቅኡ ዝርከብ ቤተ ምኽሪ ኤውሮጳ ተጓዒዞም ናይቲ ቤት ምኽሪ አውራ ጽሐፊ ቶርባቶርን ያግላንድን ናይቲ ቤት ምኽሪ ላዕሎዎት ሐለፍትን ክአ ድሙቅ አቀባብላ ጌሮምሎም፣
ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ጥንታዊ ቤት ምኽሪ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ 47 ሀገራት ዝሐቆፈ ከም ዝኾነን አብተን 47 ሀገራት ኤሮጳ 800 ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝነብርን ይዝከር፣
ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ዲሞክራሲ መሰል አህዛብ ከረጋግጽ ማሕበራውን ባህላውን ብድሆታት ብሐባር ክፈትሕ ብ1949 ከም ዝተመስረተ ይፍለጥ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምስ አውራ ጽሐፊ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ብብሕቲ ተራኺቦም ሐሳብ ንሐሳብ ምስተለዋወጡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንአባላት ቤት ምኽሪ ኤውሮፓ አብ ዘስምዕዎ ቃል “አብዚ ወከልቲ ቤትምኽሪ ኤውሮጳ ዝርከቡሉ ክዛረብ ምኽአለይ ሕጉስ ኢየ፣ አብዚ ጉባኤ እዚ ኤውሮጳ ብምልእታ ማለት ሕዝባን ቋንቋታታን ባህላውን ሃይማኖታውን መግለጺታታን ዝኾነ ሃብቲ ናይዛ ክፍለዓለም አብዚ አሎ ማለት ኢዩ፣
አብ ሕልሚ ናይቶም ነዚ ቤትምኽሪ’ዚ ቅድሚ 65 ዓመታት ዝመሥረቱ አበው ናይ ሓድነት ባህጊ መልሲ ንምሃብ ኢዩ ዝነበረ፣ እንተኾነ እዚ ሓድነት እዚ ብዙኅ እዋን ብውልቃዊ ድፍኢታትን ብናይ ምልኪ ባህግታትን ተናዊጺ ኢዩ፣ ናይ ኤውሮጳ ሓደነት መሥረቲ አበው ሕልምን መደብን ንኤውሮጳ ብሕድሕዳዊ አገልግሎት ምህናጽ ኢዩ ዝነበረ፤ ሕጂ እውን እንተኾነ አብዚ ክንዲ አገልግሎት ሕነ ምፍዳይ ዝብል ዓለምና ቀንዲ ተልእኮ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ንምህናጽ ሰላምን ነጻነትን ክብሪ ወዲሰብን ክኸውን አለዎ፣
እታ ዝበለጸት ጐዳና ሰላምን ነቲ አብ ክልተ ውግ አት ዓለም ዝገጠመ ንኸይድገምን ነቲ ካል እ ሰብ ከም ክትዋገኦ ዘሎካ ጸላኢ ዘይኮነስ ክትቅበሎ ዘሎካ ኃው ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፣
ሰላም ክትጭብጦ ዘሎካ ሠናይ ነገር ኢዩ፣ አዚዩ ጥንቍቅ ሓለዋ ከአ ይሓትት፣ ሰላም ክትሃንጽ ሓዲስ አንፈት ዝሕብርን ንሰበትን ንጕጅለታትን ዘሳትፍን ዘማዕብልን ብሉጽ ንጥፈታት ምምሓዝ ይሓትት፣ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ድኅሪ ሢመቶም አብ ዝሃብዎ መዘኻኸሪ፤ እተን ተቅዋማት ብዓንደ ርእሱ አብተን ፍርዳውያን ዓለምለኻውያን ጽፍሕታተን ሰላም ናይ ምብሳርን ምዕቃብን ተልእኮ ስለዘለወን ዕላማኤን ክበጽሓሉ ዝኽ እላ በዚ መስመር እዚ እንተሰሪሔንን ኩሉ ጊዜ ሰላም ከንግሳን ሰላም ክገብራን እንተኽ ኢለን ጥራሕ ኢዩ እንክብሉ ውግእ ጠጠው አብ ምብላን ግጭት አብ ም ዕጋትን ጥራይ ዘይኮነ ሰላም አብ ምንጋስ ክሰርሓ ተላብዮም ነሮም፣ ነዙይ ንምግባርን ሰላም ንምንጋስን ብዛዕባ ሰላም ምምሃርን ምጉስጓስን የድሊ፣ እዚ ኮይኑ እቲ ግን ሰላም ወትሩ ምስ ቆሰለት ኢያ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ካብቲ ብዝተሓስበን ዘይተሓስበን ግጭታት ዝወርዳ መቍሰልቲ ብሃይማኖታዊ ራዕዲ ዝወርዳ መቍሰልቲ ኢዩ እቲ ዝገደደ፣ ቤተ ክርስትያን ነዚ አጥቢቃ ትውግዞ፣ ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ዝኾነ ምሻጥን ምልዋጥን አጽዋር ካብ ኡ ዝገደደ ከአ ንግዲ ድቂ ሰባት አኽቢዳ ትውግዞ፣ ነዚ ኢሰብአዊ ተግባራት እዚ ንክትዋግኡን ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ዝሕለወሉ መንገዲ ንክም ዕምብል ከተደንፍዑን እላቦ” ቢሎም፣

ድሕሪ ፍጻሜ ዲስኩር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይቲ ቤተ ምኽሪ አውራ ጽሐፍን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት ቤት ምኽርን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዘካየድዎ ምብጻሕ አመስጊኖም ተፋንዮምዎ፣

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሰለስተን ሐምሳን ክአ ብሰላም ንሐዋርያዊ መንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ ተመሊሶም እዚ ሎሚ አብ ስትራስበርግ ዘካየድዎ ሐጺር ኩነታት ኤውሮጳ ክፍለ ዐለም ዘተኮረ ምብጻሕ”ዚ መበል ሐሙሽተ ሀገራት ሐቆፍ ዑደት ከም ዝነበረ ይዝክር፣








All the contents on this site are copyrighted ©.