2014-11-22 19:17:36

ሰንበት ዘቅድስት 2007 ዓ.ም. (14 ኅዳር 2007 ዓ.ም. (11/23/2014)


RealAudioMP3 ክርስቶስ ሰማያዊ ንጉሥና እዩ
መዝሙር፡ ሎቱ ስብሓት ወሎቱ አኮቴት. . . . . ።
ንባባት፡ ፩ቆሮ 15፡20-28፤ 1ጴጥ 1፡13-21፥ ግ.ሓ.19፡27-ፍ፥ማቴ 25፡31-46
ምስባክ፡ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። “እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ” መዝ. 135፡6።
መዝሙር፡ “ነቲ ንሰንበት ዝቀደሰ ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ አይነበረን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ንሱ ዘይነበሮ ጊዜ አይነብረን ንአኡ ክብሪ ይግብኦ። ንሰብ ብአርአያኡ ፈጠሮ ኩሉ አብ ኢዱ እዩ፥ ንሰማይን ምድርን ይገዝእ፥ ከም ዝደልዮ ገበረ አምላኽ ወዲ እግዚአብሔር”።
ላቲናዊ ስርዓት አብ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ናይ ሎሚ ሰንበት “ክርስቶስ ንጉሥ” ኢሎም ይዝክርዎ። ፕዮስ ፱ይ ብ1925 ዓ.ም. እዮም ምስቲ አብ ግዚኦም ዝነበረ ኩነታት ዓለምና አዛሚዶም ዝአወጅዎ። አብቲ እዋን ዓለም አብ ሥጋዊ ነገራት ጥራሕ ዘድህቡ ክገዝኡ ንሰባት ብቍጠባ ብሃይማኖት ብማሕበራዊ ናብራ ብኹሉ መሊኾም ክሕዙ ዝጓየዩ ዝርአዩሉ እዋን እዩ ነሩ። ማርክሳዊ አተሓሳስባ በቲ ብሩስያ ዝምራሕ ዝነበረ ለኒናውን ማርክሳውን አተሓሳስባ ዓለም ንምግዛእ ዝጓየዩሉ ዝነበሩ ከምኡ ርእሰማላውያን ብወገኖም ናቶም አተሓሳስባን ድለትን ክዕብልል ዝጓየዩሉ ዝነበሩ ዓለምና አብ መንጎ ክልተ ጸላእቲ ተቐቂራ አብ ዝነበረትሉ እዋን “ክርስቶስ እቲ እንኮ ሓቀኛ መራሒ ንጉሥ ምዃኑ፥ ንሱ ናይ ዓለም ንጉሥ ብስልጣንን ብግርማን፥ ብፍቕርን ሓልዮትን ዝገዝእ እምበር ጭቆናን ራዕድን ዘየዘውትር ፍትሕን ሓቅን ዘንግሥ ንጉሥ ከምዝኾነ ከረድኡ ኢሎም እዚ ሰንበት ሰምዮሞ።
ክርስቶስ አብ ልቢ ነፍስወከፍ ሰብ ክገዝእ ንሱ ጥራሕ እቲ ሓቀኛ መራሒ ከምዝኾነ ደቅሰብ ክርድኡ ኢሎም ብዕምቆት ክነስተንትን ዘዘኻኽረና ሰንበት እዩ። ሎሚ እውን ዓለም ርግአት ስኢና ደቂ ሰብ ፍትሒ ሰላም ሓቢትዎም ዘእውዩ አይወሓድዋን። ምድራውያን መራሕቲ ሎሚ እውን ንፍትሒ ንሓቂ ቀቢሮም ዓመጽ ግፍዒ ማእሰርቲ ጭካነ በዚሑ ክርስቶስ ካብ ልቢ ሰባት ተኸውሉ ሰብ ጸልማት ተጎልቢቡ ይነብር አሎ። ፍትሒ ክነግስ ሰላም ክመጽእ አብ ክርስቶስ እቲ መራሕኒ ክንምለስ አሎና።
ብተወሳኺ እዚ ሰንበት አብ ስርዓት ላቲን ዝኽተሉ መወዳእታ ሰንበት ብናይ ሉጥርግያዊ አተሓሳስባ እዩ። ብስርዓትና መስከረም መጀምርያ ዓመት ናይ ልጡርግያን ናይ ሓዲስ ዓመትን እዩ፥ አብ ላቲናዊ ስርዓት ግን ዘመን ምጽአት ቅድሚ ምእታዉ ዘላ ሰንበት መጨረሻ ሰንበት ናይ ዓመት መጀምርያ ሰንበት ዘምጽአት ከአ መጀመርያ ሓዲስ ዓመት ልጡርግያ እያ። ስለዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ፍልይቲ ሰንበት እያ።
አብ ስርዓትና ሰንበት ዘቅድስት ወይ ካልአይ ሰንበት ዘአስተምህሮ ኢልና ንሰምዮ። ክልቲኡ ባህላታት ዘምሓላልፎ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዝመሳሰል እዩ። አብ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር “ሎቱ ስብሓት ወሎቱ አኮቴት. . . ኵሉ ወስተ እዴሁ ውእቱ ይኴንን ሰማያተ ወምድረ” እናበልና ክርስቶስ አብዚ ዓለም ዘሎ ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ዝብሎ ክሉ ምእንትኡን ብኣኡን ተፈጥረ ዝብሎ ኩሉ ንክብሪ አምላኽ ከም ዝተፈጥረ ክርስቶስ ከአ ናይ ኩሉ ዋና ከምዝኾነ እሞ ክነመስግኖ ከምዝግባእ የዘኻኽር።
አብ ክርስትናና ሰብ ሓቀኛ ክብሪ ሓጎስ ዝረክብ ንክርስቶስ አብ ሕይወቱ አንጊሱ እንተ ኸአለ ጥራሕ እዩ። ከምቲ ቅ. አጎስጢኖስ ዝብሎ “ነፍሰይ ንአኻ ምስ ረኸበት ጥራሕ እያ እተዕርፍ” ዝብሎ ነፍስና ሰላም ቅሳነት ክትረክብ ንኢየሱስ ምድሕና ረኺባ ክትክእል አለዋ። ንክርስቶስ ማእከል ናይ ሕይወትና ገርና ቅድስና ዝዓሰሎ ሕይወት ክንመርሕ ኢና ንሕተት ዘሎና።
ክርስቶስ ንጉሥና እዩ። ንግሥነቱ ክመርሓና ከገልግለና ክጓስየና እዩ እምበር ክመልከና አይኮነን። አብ ብሉይ ኪዳን እግዚአብሔር ንደቂ እስራኤል ካብ ዳዊት ጀሚሩ ነጓውስ ሂብዎም ንህዝቡ ከመርሑ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ኩሉ ከተግብሩ ጓሶት ክኾኑ ይሸሞም ነሩ። እዚ አብ መዝ. 23 ከም እንረኽቦ እግዚአብሔር ጓሳይ እዩ ስለዚ ሓንቲ ዝፈርሆ የብለይን ክብል እንከሎ በቶም ነጋውስ አቢሉ ከምዝመርሕ ይነግር። ነጋውስ እምብአር ንህዝቢ አምላኽ ዘገልግሉ ንሕጊ አምላኽ ከኽብሩ ዝሽየሙ እዮም። እዚ ርድኢት አብ ሓዲስ ኪዳን እውን ቀጺሉ።
አብ ብሉይ ኪዳን አብ ሕዝቅኤል 34 ዘሎ ብምልኡ ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር ባዕሉ ጓሳና ከምዝኾነ ይገልጸልና። “ነተን አባግዐይ አነ ባዕለይ ክደልየን ክአልየን ክእክበን እየ. . . ካብቲ ብምዓልቲ ጥፍአትን ጸልማትን ፋሕ ኢለናሉ ዝነበራ ኹሉ ቦታ ኽአኻኽበን እየ. . . ነተን ዝጠፍአ ኽደልየን ነተን ዝተባረራ ኽመልሰን ንዝተሰብራ ኽዝንነን ንዝሓመማ ኽፍውሰን እየ. . . ባዕለይ ቅኑዕ ጓሳኤን ክኸውን እየ” እናበለ እግዚአብሔር ባዕሉ ንኹሉ ከም ዝጓሲ ብአፍ ነብዩ ይገልጽ። አብዚ ናይ ሕዝቅኤል ነቢይ ቃላት እንተ አስተውዓልና መጀመርያ እግዚአብሔር ባዕሉ ንመጓሰኡ ከምዝግደስ፥ ካልአይ ንኹልና ደቁ ዝህቦ ተስፋታት ቅድሚ ዘመናት ብኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥናን መራሕናን አቢሉ ከምዝፈጸሞ ንርኢ። አብዚ እግዚአብሔር ኩሉ ናይ መንግስቱ ግልጸታት ወይ መምርሒታት ብኢየሱስ ገሩ ከምዝገልጾ ንርኢ።
እግዚአብሔር አምላኽና ወላ ሓደ ክጠፍእ ዝደልዮ የለን እኳ ድአ ንዝተባረረ ክደሊ ንዝሓመመ ክፍውስ ንዝጠፍአ ከናዲ እዩ ድላዩ። ሎሚ ብቤተክርስትያኑ ገሩ አብ ሓደ መጓሰ ክንጥርነፍ ይደልየና። ሎሚ አብ ዓለም ክንጠፍእ ክትበራበር ክትጠላለም ቀላል እዩ ኮይኑ ዘሎ፥ ብዙሓት በዚ ተሸኒፎም ንቤት አምላኽ ዝዝንግዑ ዝጠፍኡ ዝባረሩ ገለ ኸአ እናረአዩ እና ሰምዑ ንመገዲ አምላኽ ዝሓድጉ አለዉ፥ እምብአር መጀመርያ ንሕና አብ ልብና ክንምለስ ድሕሪኡ ንካልእ አብ አምላኽ ክንመልስ እንወፍረሉ እንልአኸሉ ሰንበት እዩ።
ክርስቶስ ንጉሥና ንሓዋርያቱ አብ ኩሉ ዓለም ክሰብኩ ልኢኽዎም ንአኹም ዝሰምዐ ንአይ ሰምዐ ኢሉ መልእኽቶም መልእኽቱ ከምዝኾነ ነጊርዎም። ሎሚ ንሕና ኢና ንአምላኽ እንልአኾ ንዝጠፍአ እንመልስ ንዝተሸገረ እንሕግዝ ንዝተባእሰ እንዓርቕ ከምኡ ነቲ ሰናይ ዜና ወንጌል አብ ኩሉ እነብጽሕ ንሕና ኢና። ደቀይ ተለአኹኒ ይብለና አሎ፥ መልእኽቱ ክነብጽሕ ሕራይ ንበል።
ንጉሥና ክርስቶስ ናእዚ ምድሪ መራሕቲ ሃገራት ዝህቡና ተስፋታት አይኮነን ዝህበና። ናይ ፖሎቲካ መራሕቲ ብፍላይ አብተን ምርጫ ዝካየደልን ሃገራት እንተ ረአና ተወዳደርቲ ክምረጹ ኢሎም ዝህብዎ መብጽዓታትን ተስፋታትን ማእለያ የብሉን አብ መጨረሻ ምስተመርጹ ነቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ርቡዑ እኳ አየተግብሩን፥ ኩሉ ፖልፕቲካ ኮይኑ ይተርፍ። እዚ አብ ኩሉ እንርእዮ ዘሎና ሕማም ዓለምና እዩ። መራሕቲ ከገልግሉ ከመርሑ ዝተሓርዩ ክመልኩ ክጭቁኑ ክትርኢ እንከሎኻ ዘገርም እዩ። ዝኾነ አብ ስልጣን ዝድይብ ከገልግል እምበር ክግልገል አይኮነን ክመርሕ እምበር ክጭኩን አይኮነን። ክርስቶስ ግን እቲ ልእሊ ኩሉ ክኸውን ዝደለ ዘገልግል ይኹን ይብለና።
ክርስቶስ እሙን ንጉሥና እዩ፥ ቃሉ ዘይሕሱ ኩሉ ጊዜ ንኹልና ብሓደ ዓይኒ ዝርኢ እዩ። ንሱ ምእንታና አብዚ ዓለም መጺኡ መገዲ ሰማይን ድላይ አምላኽን ብቃሉን ብግብሩን አርእዩና። ንግስነቱ ሰላም ነጻነትን ፍቕሪ ዘምጽእ ከምዝኾነ ደጋጊሙ ገሊጹልና። ከምቱ አብ ዘኁልቅ 23፡19 እነንብቦ “አምላኽ ከይሕሱ ሰብ አይኮነን፥ ከይጥዓስ ከአ ወዲ ሰብ አይኮነን ንሱ ነቲ ዝብሎ ይገብሮ ነቲ ዘተስፈዎ ይፍጽሞ” ዝበሎ ክርስቶስ አይሑስን እዩ ነቲ ኹሉ ዝበሎ ይፍጽም፥ አብ ቃለይ እንተድአ ጸኒዕኩም አባኹም ሕይወት አሎ ይብለና።
ቅ. ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ ንባብና ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ንግስነቱ ከም ዘተግበሮን ነቲ ክሳብ መጨረሻ ጸላኢና ዝኾነ ሞት ክሳብ ዝስዕር ከምዝቕጽሎን ይነግረና። ክርስቶስ ማንም ክገብሮ ዘይክእል እዩ ፈጺሙ። እዚ ንሱ ዝገበሮ ኸአ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሞት ንኃጢአትን ንሰይጣንን ስዒርዎም። እዚ ስዕረት ፍጹም ስዕረት እዩ፥ እዚ ዘግበሮ ምኽንያት ከአ ንአና ካብ ሰይጣንን ኩሎም ጸላእትና ከድሕነና ስለ ዘለዎ እዩ። ነዚ ከርድአና ኢሉ “ነቲ ብሕግጋት ዚቃወመናን ዚበአሰናን ዝነበረ ብኢድ ዝተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፥ አብ መስቀል ሸንኪሩውን ካብ ማእከል አርሓቖ” (ቆላ 2፡14) ይብል። እዚ እዩ ምእንቲ ድሕነትና ምእንቲ ንግስነቱን ኢሉ ዝገበሮ። ምስቲ ምእንታና ዘፍሰሶ ደም ክንወሃሃድ አሎና። ክፍሊ መንግስቱ ክንከውን አሎና ፥ አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወትና ክነመስግኖ ክነኽብሮ ይግባእ፥ ንሱ አብ ምሉእ ዓለም እዩ ዝገዝእ።
አብ ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ ሕግን ግዝአት ክርስቶስን የዘኻኽረና። መንግስቱ መንግስቲ ፍትሒ እዩ ምኽንያቱ ንነፍስወከፍ ከከም ግብሩ ክፍርድ እዩ። ነቶም ቅኑዓት ሕጉ ዝተኸተሉ ኩሎም ክኽብሮም እዩ ነቶም ዘየኽበሩ ግን ክቐጽዖም እዩ። አብ መንግስቱ ምጥፍፋእ፥ ግቦ፥ ምዝመዛ፥ ፍትሒ ምጕዳል የለን። “ንሱ አብ መንጎ አህዛብ ኪፈርድ እዩ፥ ንብዙኃት ሕዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ፥ ንሳቶም ከአ አስያፎም ንማሕረሻታት ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሠርሕዎ እዮም። ሕዝቢ አብ ሕዝቢ ሰይፊ አይኬልዕልን እዩ፥ ደጊምሲ ውግእ አይኪመሃሩን እዮም” (ኢሳ 2፡4፥ ሚልክያስ 4፡3) ዝብል ትንቢት ኢሳያስ ነብይ ነቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ መንግስቲ ዘስምዕ እዩ። መንግስቲ ክርስቶስ መለለይኡ ሰላምን ፍትሕን እዩ፥ ነዚ እነግብር ንሕና ልኡኻቱ ኢና። አብ ሕይወትና ሰላም ለቢስና ሰላም አብ ሕይወት ካልኦት ክነብጽሕ እዩ ዝደልየና።
እምብአር ሎሚ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝድለ ዘሎ ነቲ ንጉሥናን መድሕና ዝኾነ ክርስቶስ ልባትና ክንከፍተሉ እሞ አብኡ ክቕመጥ ክነፍቅደሉ ክገዝአና ክመርሓና። አብ ልቢ ነፍሲወከፍና እንተ ሓደረ አብ ምሉእ ዓለም ይነግስ አሎ ማለት እዩ። ድሮ አብ ልባትና ነጊሱ እንተሎ ክንሕጎስን ክነብዕልን አሎና እንተ ዘይኮነ ሎሚ አብ ልብና ክአቱ ክሓድር ክቕይረና ናቱ ኽገብረና ንዓድሞ። ንሱ “እንሆ አብ አፍደገ ደው ኢለ ማዕጾ ዃሕኳሕ አብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምፀይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ናብኡ ኽአቱ ምስኡ አብ መአዲ ኽቕመጥ እየ፥ ንሱውን ምሳይ ኪቕመጥ እዩ” (ራእ 3፡2) እናበለ ይነግረና አሎ። አምላኽ አብ ልባትና እንተ ነገሰ መኽሰብ እምበር ክሳራ የብልናን።
አብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ሎሚ ንክርስቶስ ከም ንጉሥናን መድሕናን ክንዝክር እንከሎና ብምሉእ ልባትና ክገዝእ ሕይወትና አታሓሳስባና ክመልኽ ብምሉእ ነፍቅደሉ። ክርስቶስ ከምዞም ምድራውያን መራሕቲ ክንጠፍእ ክንባረር አይደልን እዩ። ሓንትስ ንጎይታና ንጉሥናን ጓሳንን ክኸውን ነፍቅደሉ እምበር ሓንቲ አይክጎድለናን እዩ ምኽንያቱ ምሕረቱን ሕያውነቱን ንምሉእ ሕይወትና ክውሃበና እዩ። ኩልና አብቲ መንበር ንግስነቱ ብሓጎስ ክንአቱ ኢና።
ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ሰላምካ ሃበና ፍቕርኻን ጸጋኻን አብዝሓልና ንበሎ። ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ዝርኢ አምላኽ ናቱ ከና ነሕዋትና አብኡ ክነቕርብ ጸግኡ ይዓድለና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.