2014-11-20 16:17:18

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (19/11/2014)
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ቅድስና


RealAudioMP3 RealAudioMP3 ዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድስና ንዅሉ ዝምልከት ጸዋዕታን ኵሉ ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋንን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡን ንኻልኦት ምፍቃርካ ብዝገልጹ ነኣሽቱ ተግባራት ኣቢልካ በቢ ዕለቱ እትሓንጾ ዕለታዊ ጉዕዞ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅድስና ኣብ ቅድሚ ካልኦት ምንብርኻኽን ንካልኦት ምዕጣንን ምውዳስን ዝብል ሕቶ ከምዘይኰነን ኣብ ታሪኽ ቅዱሳት ቅድሚ ቅዱሳት ተባሂሉ ክኽበሩን ብኣማላድነቶም ምጽላይን እጅገኦም ዓጺፎም ንኻልኦት ንምግልጋል ቁርባትን ትሕት ቢሎም ንድኻታት ኣብ ምግልጋል ሕቖኦም ዝተዓጸፉ ከምዝኾኑ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ ብዓቢይ ድምጺ ኣበኪሮም እንቕበሎ ኩሉ ጸዋዕታ ናብ ቅድስና ዝመርሕ ከምዝኾነን ዝኾነ ይዅኑ ሰብ ንቅድስና ኣብ ዝዀነ ይኹን ሥፍራ ክበጽሖ ጽውዕ ምዃኑ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ኣቢሉ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገለጾ ጸዋዕታ ኵሉ እዩ።
ቅድስና ኵላዊ ጸዋዕታ እዩ። ስለዚህ ቅድስና ንፍሉያት ማለት ነቶም ካብ ኵሉ ርሒቖም ሕይወቶም ኣብ ጸሎት ንኸሕልፉ ንዝመረጹ ዝተዓቀበ ጸዋዕታ እዩ ቢልካ ምሕሳብ ጌጋ ምዃኑ ዝሓብሩ ቅዱስ ኣቦና፦ “ዝዀነ ይዅን ሰብ ቅድስና ዓይንኻ ሰም ኣቢልካ ብመልኣኻዊ ናይ ስነ ቅብኢ ተመስሎ ኣቢልካ ዝገልጽ ገጽ ምርኣይ ዘይኰነስ ቅድስና ኣዚዩ ልዑልን ዓቢይን ጸዋዕታ እዩ። እግዚኣብሔር ዝዕድለና ዓሚዩቕ ኵላዊ ጸዋዕታ እዩ። ብፍቕርን ክርስቲያን ምዃንካ ብቓልን ሕይወትን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮን ኣብ እትዋፈረሉ መዳይ ኩሉ ዕለት ብዕለት ዝምስከር እዩ” ገዳማዊ ዲኻ? እወ ውፉይነትካ ብሓሴት ምንባር፣ ምርዑው በዓል ሓዳር ዲኻ? በዓልቲ ሓዳር ዲኺ? እው ብምልኣት ብምፍቃር ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ሰበይቲ ንበዓል ቤታ ብምሉእ ሓልዮትን ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝገልጾ ፍቕርን ሓልዮትን ምቕራብ። ቅዱስ ኣቦና ንዅሉ በቢ ዝተቐበሎ ጸዋዕታ ክነብሮ ዝተጸውዐ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዝስዕቦ ጉዕዞ ሕይወት ምዃኑ ድማ እንከነጽሩ፦ “ኣባቴ ኣነ ኣብ ሓንቲ ፋብሪካ እየ ዝሰርሕ፣ ኣነ ኣብ ክፍሊ ቁጠባ እየ ዝሰርሕ፣ ወትሩ ምስ ኣሃዝ እየ ዝቃለስ፣ ስለዚህ ኣብዚ መዳይ ቅዱስ ምዃኑ ዘይከኣል እዩ ክብል ይኽእል፣ ኣብቲ እተዋፈርካሉን እተገልግለሉ ዘበለ ዕዮ ኵሉ ቅዱስ ምዃን ዝከኣል እዩ። ቅዱስ ናይ ምዃን ጸጋ ዝውሕዝ ካብ እግዚኣብሔር እዩ። ንሱ እዩ ወትሩ ኣብ ዝኾነ ይዅን ስፍራን ኣገልግሎትን እቲ ቅድስና ዘቕርበልካ፣ ነዚ ኣብ ውሳጤና ዝዓዪ ናብ ቅድስና ንዘብጽሓና ጸጋ ገዛእ ርእስና ምኽፋት ዝከኣል እዩ” ኣተሓሒዞም ድማ ቅድስና እቲ ምዕሩግን ብሉጽን መልክዕ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ እንክትንትኑ፦ “ጐይታ ንቕድስና ክዕድመና እንከሎ ንሓደ ከቢድ ጉዳይ ኣይኰነን ዝጽውዓና፣ ሓጎሱ ከነካፍልን፣ ዕለታዊ መነባብሮና ብሓጎስ ምንባርን ውፉይነትን እዚ ማለት ድማ ንቶም ኣብ ጥቓና ንዘለዉ ናይ ፍቕሪ ህያብ ገርና ንኽንነብሮ እዩ ዝሓተና” ኣብ ጥቓና ወይ ድማ ኣብ ጐድንና ንዘለዉ ሰባት ክንብል እንከለና እንታይ ማለትእዩ? ቅድስና ኣብ ዓበይትን ፍሉይ እዋናትን ዓበይቲ ነገራት ምፍጻም ማለት ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ካብ ፍቕሪ ብዝምንጭው ብነእሽቱ ጭቡጥ ነገራት ዝግለጽ ማለት ምዃኑ እንከስተምህሩ፦ “ኣብ ቤትካ ውላድካ ብዛዕባ ጉዳዩ ክዛረባ ዋላ’ኳ ዘይረብሕ ይምሰለካ፣ ኣይፋል ደኺመ እየ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ሥራሕ እየ ዝወዓልኩ ምባል ዘይኰነስ፣ ኣብ ጥቓኡ ኰፍ ቢልካ ጽን ምባል ኣዩ ውላድካ ዝደልይ። ነዚ ሕራይ ምባል፣ ብትዕግስቲ ድማ ጽን ምባል፣ እዚ ናብ ቅድስና ዝመርሕ ሓደ መገዲ እዩ። መዓልቲ ይዓርብ ኵላትና ደኺምና ኢና፣ እወ ናይ ጸሎት ሰዓት ድማ ኣሎ። ምጽላይ፣ እወ እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ እቲ ናብ ቅድስና ዝመርሕ ሓደ መገዲ እዩ” ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዕዞ እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ይቐርበና፣ ስለምንታይ ቅድስና ጸጋ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ፣ ነዚ ጸጋ እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትካ ስንድው ኰይንካ ብውልቅኻ ድዩ ብሓባር ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ኰይንካ እትስዕቦን እትነብሮን ጉዕዞ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ ኣብ ፍጻሜ ዝለገስዎ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 21 ሕዳር መዓልቲ ጸለይቲ ዝዝከረሉ መዓልቲ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኩሉ ምእንቲ ንማሕበራትን መናንያንን ባሕታውያንን ክጽሊ ሓደራ እንክብሉ፦ “ንእግዚኣብሔር ምእንቲ እቶም ሕይወቶም ኣብ ምንኵስናን ብሕትውናን ገዳማዊ መናኒ ሕይወት ምእንቲ ዘንበሩን ብጽሞናን ጸሎትን ሕይወቶን ንእግዚኣብሔር ዘወፈዩ፣ እግዚኣብሔር እቲ ብሉጽ ፍጹም ቀዳሚ ምዃኑ ምእንቲ ዝምስክሩ ጸላያን ምስጋና ኣነቕርበሉን ምእንቲ እዚ ጸዋዕታ እንጽልየሉ ዓቢይ ኵነት እዩ” ቢሎም ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናንን ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብናይ ሮማ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለው ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኤኮኖሚ ንዝሳተፉ ሰብ ትካላትን ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም እቲ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ንምስጋር ዘብቕዕ ሓሳብ ዘቕርብን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሃብቲ ገንዘብን ሰልድን ከም ጣዖት ምምላኽ ዝብል ዝሰፍሕ ዘሎ ሓሳብ ዝልውጥ ሓድሽ ኣመለኻኽታን ንሱ ድማ ሃብቲ ገንዘብ ነቲ ናይ ሓባር ጥቅሚ ንምዕታር ዘገልግል መጋበሪያ ምዃኑ ዘነጽር ኣመለኻኽታ ዝምንጭወሉ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣሊያ ብዘጓነፈ ብርቱዕ ዝናም ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ከባቢ ሰሜን ኢጣሊያ ዘኪሮም ምእቲ እቶም ዝተጎድኡን ንብረቶም ዝባደሞምን ብፍላይ ድማ ናይ ሞት ሓደጋ ነዘጋጠሞም ክንጽልን ሓድራ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.